ድለ

Israeli raid in Jenin camp in the Israeli-occupied West Bank Israeli raid in Jenin camp in the Israeli-occupied West Bank 

እስራኤል ኣብ ጀኒን ምጥቃዕቲ ፈጺማ 10 ሰባት ድማ ከም እተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ

ሰራዊት እስራኤል ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ጀኒን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ትቕጽል ኣላ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እስራኤል ኣብ ከተማ ጃኒን ፍልስጤም መጥቃዕቲ ትቕጽል ከም ዘላ

ሰራዊት እስራኤል ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ጀኒን ወተሃደራዊ ንጥፈታት ትቕጽል ኣላ።

ናይ ፍልስጥኤም ምንጭታት ከም ዝሓበሮ ወተሃደራት እስራኤል ኣብዚ ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ዓሰርተ ሰባት ቀቲሎም ብዙሓት ድማ ቈሲሎም ኣለዉ።

ዋፋ - ትካል ዜና ፍልስጥኤም ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ሓይልታት እስራኤል ንመሰረታዊ ህንጻታት እቲ ከባቢ ከም ዘፍረሱን ኣብ ጀኒን ጽርግያታት ከም ዘዕነዉን ሓቢሩ ።

ኣብ ቃዛ ድማ ናብ ንቡር ህይወት ንምምላስ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ ።

ናብ ቃዛ እተላእከ ረድኤት

ናብ ቃዛ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ዘብጽሓ ልዕሊ 1,000 ዝኾና ናይ ጽዕነት ማካይን፣ ዝሓለፈ ሰንብት ዶብ ካብ ዝኽፈት ኣትሒዘን ናብቲ ከባቢ ኣትየን ናብ ገማግም ጋዛ ኽበጽሓ ኽኢለን ከም ዘለዋ ዜና ቫቲካን የመላኽት ።

ትማሊ ረቡዕ ብራፋ ኣቢለን 14 ነዳዲ ዝጸዓናን 174 ናይ ረድኤት መራኽብን ተላኢኸን ኣለዋ።

ኣህጉራዊ ረድኤት ንምሃብ ንራፋ ሰጊርካ ምሕላፍ  ወሳኒ መእተዊ ኢዩ። ሃገረ እስራኤል ካብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣትሒዛ ነቲ ናብ ከባቢታት ፍልስጥኤም ዘእቱ መንገድታት ብሓላፍነት ክትከታተሎ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብመሰረት እቲ ተኹሲ ናይ ምቍራጽ ውዕል ግን ከም ብሓድሽ ከም ዝኸፈቶ ኢዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ዝሓለፈ ሰሉስ ምሸት ኣብ ቴል ኣቪቭ ብኻራ ኣብ እተፈነወ መጥቃዕቲ ብድምር ሓሙሽተ ሰባት ቈሲሎም ኣለዉ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሃቦ ጸብጻብ ሓደ ካብቶም ግዳያት ኣብ ክሳዱ ብኻራ ተወጊኡ ኣብ ከቢድ ኵነታት ኢዩ ዝርከብ ዘሎ።

ፖሊስ እስራኤል እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ከም እተቐትለ ኢዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

23 January 2025, 13:00