ቓዛ፡ እስራኤል ንዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዘዕቆበ ቤት ትምህርቲ ደብዳብ ፈጺማ ቓዛ፡ እስራኤል ንዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዘዕቆበ ቤት ትምህርቲ ደብዳብ ፈጺማ  (AFP or licensors)

ቓዛ፡ እስራኤል ንዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዘዕቆበ ቤት ትምህርቲ ደብዳብ ፈጺማ

ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 11 ጥሪ እስራኤል ኣብ መላእ ወሽመጥ ቓዛ ብዝፈጸነቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 20 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ ብዙሕት ድማ ከም ዝቖሰሉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት በርገሳዊ ምክልኻል ፍልስጤም፡ ኣብ ጃባልያ ኣብ ዝርከብ ዝተመዛበሉ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዝተዓቝብሉ ቤት ትምህርቲ እስራኤል ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ክልተ ህጻናትን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ሸሞንተ ፍልስጤማውያን ከም ዝሞቱን፡ 19 ህጻናት ዝርከብዎም ካልኦት 30 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉን ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ እዚ ኩሉ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ነቶም ኣብ ቓዛ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ንምፍታሕ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ምስ ሓማስ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ እቲ ዘተ ናብ ዝካየደላ ሃገረ ዶሃ ኣብ ዝተበገሰሉ ዕለት ዘፍቀድዎ መጥቓዕቲ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣባይቲ ስድራ መዕቆቢ ንምርካብ ይቃለሱ ከም ዘለዉን ዝናም፡ ብርቱዕ ንፋሳትን ዝረኣይሉ ወቕቲ እውን ብምዃኑ፡ ምስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዘስዕቦ ጽልዋ ተደሚሩ፡ ክረምቲ ንብዙሓት ናይ ህላወ ሕቶ ኮይኑ ከም ዘሎን ሕጂ ክረምቲ እናኣተወ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣብ ቴንዳታት ወይ ካልእ ግዝያዊ መዕቆቢታት ከም ዝነብሩ ይሕበር።

ሊባኖስ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንሊባኖስ  ኣብ ክንክን ጥዕና፡ ማይን ትምህርትን ንዘሎ ጽዑቕ ክፍተታት ንምፍታሕ፡ ቀዳምነት ንቐረብ መግቢ፡ ሓገዝ ኣብዚ ወቕቲ ክረምቲ፡ ህጹጽ ጽገናን ምክልኻልን መሳለጠ ዝውዕል ገንዘብ ንምእካብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ይቕጽል ከም ዘሎን ሕቡራት ሃገራትን ሊባኖስን ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ናይ ሊባኖስ ሕጹጽ ወፈራ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸመ ኲናትን ዝቕጽል ዘሎ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታትን ዝተጸልዉ ሰላማውያን ሰባት ንምሕጋዝ 371 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ከም ዝሓተቱን ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 125 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም ከም ዘለዉ እዩ ዝንገር።

ሶርያ

ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሶርያ ንዝርከቡ ብስእነት መግቢ ንዝሳቐዩ ዘድሊ ናይ መግቢ ሓገዝ ኣብ ምቅራብ ይቅጽል ከም ዘሎን  ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኽበ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ሰባት፡ ኣብ መዓስከራት፡ ሓባራዊ ማእከላትን ኣአንገድቲ ማሕበረሰባትን ዝርከቡ ሰባት ሓዊሱ፡ ኣብ መንጎ መወዳእታ ሕዳርን መጀመርታ ወርሒ ጥሪን ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዝበጸሖምን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 23 ቶን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘጓዓዓዘት ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ቀጠር ኣብ ደማስቆ ከም ዝኣተወት ይሕበር።

13 January 2025, 15:55