ኣብ ቓዛ ናይ ዝተቐትሉ ቁጽሪ 46 ሽሕ በጺሑ ኣብ ቓዛ ናይ ዝተቐትሉ ቁጽሪ 46 ሽሕ በጺሑ  (ANSA)

ኣብ ቓዛ ናይ ዝተቐትሉ ቁጽሪ 46 ሽሕ በጺሑ

ሰበስልጣን ፍልስጤም ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 70 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ ናብ 46 ሽሕ ክብ ከም ዝበለ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር 15 ኣዋርሕ ኣትሒዙ፡ ብውሕዱ 46 ሽሕ ሰባት ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከም ተቐትሉን ቁጽሪ ውጉኣት ናብ 109,378 ክብ ከም ዝበለን ክፍለጥ እንከሎ ኣቐዲሙ፡ UNICEF - ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ዓመት እዚ ብውሕዱ ካብቶም ዝተቐትሉ እቶም 74 ህጻናት ምዃኖም ሓቢሩ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሊባኖስ

ኣብ ካልእ ዞባዊ ምዕባለ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ብዘይ ርእሰ ብሔር ዝጸንሐት ሊባኖስ፡ ሓላፊ ጉዳያት ምክልኻል ጆሴፍ ኣውን ብሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር፥ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኮይኑ ከም እተሓረየን

እዚ ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ዓ.ም. ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ርእሰ ብሔር ነበር ሚሸል ኣውን ተካኢ ንምምራጽ ዝተገብረ መበል 13 ፈተነ ምዃኑ ይንገር። እዚ ምርጫ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላህን ተኹሲ ደው ምባል ብዝምልከት ድሕሪ ዝተገብረ ስምምዕ ቁሩብ ጸኒሑዩ ዝተኻየደ ምዃኑ ይንገር።

ሶርያ

ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ ኣብ ሶሪያ ኣብ መንጎ ሓይልታት ኩርዳውያንን ብቱርኪ ዝድገፉ ሰራዊትን ብዝተኻየደ ውግእ ኣስታት 40 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተቖጻጻሪ ኲናት ሶርያ፥ ተዓዛቢ ጉዳያት ንሰብኣዊ መሰላት ክሕብር እንከሎ፥ እቲ ትካል ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ማንቢጅ ብዝተኻየደ ውግእ ብውሕዱ 37 ሰባት ከምዝተቐትሉን መብዛሕትኦም ብቱርኪ ዝድገፉ ሓይልታት ምዃኖም  ከፍልጥ እንከሎ እቲ ትካል ብተወሳኺ ሓሙሽተ ሰላማውያን ሰባት በቲ ውግእ ከምዝተቐትሉ የረጋግጽ።

10 January 2025, 17:08