ስምምዕ ምቑራጽ ተዂሲ ኣብ ቓዛ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ - ንዕለታዊ መነባብሮኦም ዘድልዮም ሒዞም - ናብ መረበቶም ክምለሱ ከም ዝጀመሩን፡ ኣቐዲሙ እዚ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝገተበረሉ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ትግባሬኡ ቁርብ ምድንጓይ ከም ዘርኣየ ክሕበር እንከሎ፡ ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ወሃቢ ቃል ዳንኤል ሃጋሪ ሓማስ ጠለባት ዕርቂ እንተዘየማልአ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ክቕጽል እዩ እንክብል ከም ዝሓበረን፡ ሓይልታት እስራኤል ካብታ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ እትርከብ ከተማ ራፋሕ ምውጻእ ከምዝጀመሩ ደገፍቲ ሓማስ ዝኾና ማዕከናት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሓማስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዘሎ ሕጽረት መራኸቢ መስመራት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ውሽጣዊ ርክብ ብኣካላዊ መልእኽተይና ስለ ዝፍጸም፡ ኣገዳሲ ሓበሬታ ምርካብ ግዜ ይወስድ ምህላዉ ሓቢሩ፡
ሰንበት ንግሆ ዕለት 19 ጥሪ ኣብ ክልቲኡ ደቡባውን ሰሜንን ውሽመጥ ጋዛ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከም እተፈጸመን ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 25 ድማ ከም ዝቖሰሉ ሰብ መዚ ፍልስጤም ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፥ ነፈርቲ እስራኤል መጥቓዕቲ ከም ዝፈጸማ ገሊጹ፥ እቲ መጥቃዕቲ ንሓማስ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ እንክሕብር፡ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ዕለት 18 ጥሪ ምሸት ብናይ ሃገሩ ናይ ተለቪዥን ማእከናት ኣብ ዘስመዖ መደረ፥ ሓማስ ንኹሎም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክሳብ ዘይፈትሖም እስራኤል ተስፋ ከምዘይትቖርጽ ገሊጹ፥ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይቲ ስምምዕ ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውጽኢት እንተዘይሃልዩ እስራኤል ዳግማይ መጥቓዕቲ ክትፍጽም ዘለዋ መሰል ከም እትድግፍ ገሊጹ፡ ይኹን እምበር በቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ተኹሲ ደው ምባል ዝቕጽል ዘሎ ይመስል ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቲ ዝዓበየ ዞባ እንተርኢናዮ፡ ስርዓት ኣሳድ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ካብ ዝግልበጥ ንደሓር፡ ኣስታት 200 ሽሕ ሶርያውያን ስደተይናታት ናብ ሃገሮም ከም እተመልሱ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳያት ናይ ዝከታተል ሽማግለ ዋና ሓላፊ ፊሊፖ ግራንዲ ዝሃቦ መግለጺ መሰረት ብምግባር ኣመላኺቱ፥ ብዙሓት ካብኣቶም ቅድሚ እቲ ኣብ ሶርያ ዝመጸ ለውጢ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሂዝቦላህ እትፍጽሞ ብዝነበረ ደብዳብ ምኽንያት ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ናብ ሊባኖስ ተሰዲዶም ዝነበሩ ምዃኖም ይሕብር።