ዕለት 19 ጥሪ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ቓዛ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ እስራኤልን ቓዛን፡ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ተኽእሎታት ከምዘሎ ምስ ተሰምዐ ተቐማጦ ቓዛ ሓጎሶም ከም ዝገለጹ ክሕበር እንከሎ እቲ ስምምዕ ድሕሪ እቲ ኣብ ዶሓ ዝተኻየደ ጽዑቕ ዘተ ዝተበጽሐ ኮይኑ፡ እስራኤልን ሓማስን ድሕሪ’ቲ ብቐጠር፣ ምስርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጽዑቕ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት፣ ኣብ ቓዛ ምቁራጽ ተኹስ ክህሉን ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ናጻ ክልቐቑን ከም እተሰማምዑ ክፍለጥ እንከሎ፥ እቲ ስምምዕ ካብ ዕለት 19 ጥሪ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሓማስ 33 ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክፈትሕ ከም ዝኾነን እስራኤል እውን ብወገና ፍልስጤማውያን እሱራት ክተፈትሕ እያ። ይኹን እምበር፡ ዕለት 16 ጥሪ እስራኤል፡ ሓማስ ካብቲ ስምምዕ የንሳሕብ ኣሎ ዝብል ክሲ ከም ዘቕረበትን እዚ ጉዳይ እዚ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ስምምዕ ድምጹ ንኽህበሉ ዝነበሮ መደብ ክደናጒይ ከም ዝገበሮ ምንጭታት ሓበሬታ እስራኤል ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቀጻሊ ሰብኣዊ ቅልውላው
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ነቲ ስምምዕ ብሓጎስ ተቐቢልዎ እኳ እንተተቐበሎ ኣብ ቓዛ ህጹጽ ሓገዝ ብዘይ ዕንቅፋት ክበጽሕ ጻውዒት ከም ዘቕረበን፡ UNICEF - ንህጻናት ዝሓልይ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ስምምዕ ኣገዳስነቱ ብምምልካት፡ ኣብ ቓዛ ንህጻናት ኣጋጢምዎም ዘሎ ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው የጒልሕ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ UNRWA - ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ፊሊፐ ላዛሪኒ ኣብ ቓዛ ህጹጽ ሰባዊ ሓገዝ ‘ብዝቐልጠተን ብዘይ መተዓናቕፎን" ክበጽሕ ኣለዎ እንክብል ጻዒት ከም ዘቕረበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ዓለም ለኸ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ኣበርክቶ ንምግባር ድልውነቱ ከም ዘረጋገን እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ካብ ዝግለጽ ንደሓር ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 32 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ሰራሕተይናታት ኣድሕን ህይወት ከም ዝሓበሩን ብመሰረት መግለጺ ቤት ጽሕፈ በርገሳዊ ምክልኻል ቓዛ፡ ሓያሎ ኣባይቲ ዘለዎ ህንጻ ብቦምታት እስራኤል ከም ዝዓነወ ይሕብር።