ኣብ ቃዛ ተኹሲ ናይ ምቍራጽ ኣወጅ ተሰሚዑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ ቀጠር መሓመድ ኣል ታኒ፣ ብሳላ እቲ ኣብ ቃዛ እተገብረ ተኹሲ ናይ ምቍራጽ ውዕል፣ 33 ጅሆ ተታሒዞም ዝነብሩ እስራኤላውያን ከም እተፈትሑ ኣረጋጊጹ። ንሳቶም ካብቶም ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 እተጨውዩ ዀይኖም፣ ሕጂ ምስ ስድራቤቶም እንደገና ኺራኸቡ እዮም። እቲ ውግእ ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2023፣ ወተሃደራት ሃማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዎም፣ 1,200 ሰባት ምስ ቀተሉ 250 ዝዀኑ ድማ ብምጭዋዮም ዝሰዓበ ኢዩ ዝነበረ ።
ናብ ነባሪ ርግኣትን ሰላምን ዝመርሕ ስጉምቲ
እቲ ቕድሚ ኻልእ መግለጺታት ምውጽኡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እዚ ውዕል እዚ ሓደ "ንነዊሕ እዋናት ትጽቢት እተገብረሉ" ምንባሩ ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣብቲ መግለጺ "ድሕሪ ሕጂ ኣብ ቃዛ ግብረ-ሽበራውያን ኣይኪህልዉን እዮም" እውን ይብል፣ ነቲ “ውዕል ኣብርሃም” ውን ከም ዘስፍሖ ተመባጽዐ። ምምሕዳር ባይደን ውን ነቲ ውዕል ኣጽዲቕዎ ይርከብ ኣሎ፣ ኣብ መላእ ቃዛ ድማ ጽምብላት ይካየድ ኣሎ ።
ኣደ መንበር ሽማግሌ ሕብረት ኤውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ለየን ሰብኣዊ ናይ ግብረሰናይ ረድኤት ናብ ሕዝቢ ቃዛ ኺበጽሕ ከም ዚኽእል ውን ኣመልኪታ ። ኣስዒባ ውን ንኽልቲኦም ወገናት እዚ ውዕል እዚ ናብ ነባሪ ርግኣትን ሰላምን ዲፕሎማስያዊ ፍታሕን ከም ዝመርሕ ስጉምቲ ገይሮም ምሉእ ብምሉእ ክፍጽምዎ ተማሕጸነቶም ።
ኣብ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ጽምብላት
ፍልስጥኤማውያን ነቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት እተገብረሉ ተኹሲ ናይ ምቍራስ ውዕል ንምጽንባል መለኸቶም ይነፍሑ ሰንደቕ ዕላማ ፍልስጥኤም ውን የንበልብሉ ኣለዉ። ስድራ ቤታት ድማ ብዛዕባ ጥሜትን ቦምብታትን ሞትን ዕንወትን ፍርህን፣ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ብተደጋጋሚ ዝፈሸለ ዘተታትን ይዛረቡ ኣለዉ። ሕጂ ግን እቲ ዝዓበየ ተስፋኦም መዓልታዊ ብዛዕባ እቶም ግዳያት ምዝራብ ኣቋሪጾም ድሕንነትን ውሕስነትን ብኸስተማቕሩ ኢዩ ። ብዙሓት ሰባት "ዋላ እውን ኩሉ እንተ ዓነወ ኵሉ ሰብ ናብ ቤቱ ብዛዕባ ምምላስ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ" ይብሉ። ገለ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ዘተሓሳስበና ብዛዕባ ሰብኣዊ ናይ ግብረሰናይ ረድኤት ጥራይ ኢዩ ይብሉ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ቃዛ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝውጽኦ መግለጺ፣ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዙ 46,600 ሰባት ኣብቲ ኣብ እስራኤል እትካየደ ወራር ከም እተቀትሉን፣ ልዕሊ ፍርቂ ካብዚኣቶም ከኣ ኣንስትን ቈልዑን ሽማግሌታትን ምዃኖም ተፍሊጡ ኣሎ።