ኩባ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. 553 እሱራት ናጻ ትብል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኵባ “ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝተፈርዱ” 553 ሕቡሳት ሰባት ካብ ቤት ማሕቡስ ብምኽንያት 2025 ዓ.ም. ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ከም እትፈትሕ ኣፍሊጣ። እዚ ውሳነ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ እዚ ናይ ኲባ ርእሰ ብሔር ሚገል ዲያዝ ካነል ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝገለጹሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኵባ ዝወጸ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ምፍታሕ እሱራት ኣብ መንጎ ቫቲካንን መንግስቲ ኵባን ጥቡቕን ስሙርን ዝምድናታት” ምህላዉ ዝምስክር ምዃኑን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ መንጎ እታ ሃገርን ቫቲካንን ዝተገብረ ርክባት ዘርኣዮ እወታዊ ስጉምትታት ዝምክስር” ምዃኑ የረጋግጽ።
እቲ መግለጺ ብፍላይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ርእሰ ብሔር ዲያዝ - ካነልን ዝተኻየደ ርክብ ኣመልኪቱ፡ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ጸገም እሱራት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባ እትኽተሎ መምርሕታት ኣማእኪሎም ከም ዝዘተዩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣሜሪካ ንኩባ 'መንግስታዊ መወልቲ ግብረሽበራ' ዝብል መጸውዕ ከም ዝኣለየቶ
ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ንኩባ ከም ኣካል ናይቲ ቤተክርስትያን ክኡል ዝገበረቶም ስምምዕ፡ ንኩባ ከም መንግስቲ መወልቲ ግብረሽበራ” ዝብል ናይ ክሲ መጽውዕ ከስርዝ ድሌት ከምዘለዎን ነዚ ውሳኔ እዚ እውን ንናይ ሃገሩ ሕዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶን ከም ዘፍለጠን መንግስቲ ኲባ ኣስዒቡ፥ እቶም እሱራት ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታትን ሰሙናትን ክፍትሑ ትጽቢት ዝግበረሎም ኮይኑ፡ ባይደን ዕለት 20 ጥሪ ቅድሚ ምዝዛም ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኑ ዝፍጸም እውን ምዃኑ ከም ዝሓበረ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኵባ ዕለት 14 ጥሪ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እታ ሃገር “ምስ ቫቲካንን ር.ሊ.ጳጳሳትን ኣኽብሮታዊ፡ ግሉጽን ሃናጽን ዝምድና ከምዘለዋን፡ እዚ ድማ ከምዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተወስዱ ውሳነታት ንኽህሉ ዝሓገዘ እዩ” ከም ዝበለ የመላኽት።”
ፍራንቸስኮ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ እሱራት ክፍትሑ ዘቕረብዎ ጻውዒት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዝኣወጅሉ ሰነድ፥ “መንግስታት ተስፋ ንምምላስ ዝዓለመ ተበግሶታት ክወስዱ፤ ውልቀሰባት ኣብ ገዛእ ርእሶምን ኣብ ሕብረተሰብን ዳግማይ እምነት ንኽህልዎም ዝሕግዙ ተግባራት ምሕረትን ይቕሬታን፤ ከምኡ’ውን መደባት ዳግመ - ውህደት ኣብ ሕብረተሰብ፡ ንምኽባር ሕግን ጭቡጥ ተወፋይነት ክገብሩ” ከም ዝሓተቱን እሱራት ምፍታሕ እውን ቅድሚ ሕጂ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበረ ርክብ ዝምስክር እዩ።
ኩባ ዝወሰደቶ እሱራት ምፍታሕ ዝብል ውሳኔ ነቲ ኣቐዲሙ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበረ ርክብ ዘመልክት ኮይኑ ኣብ 1998 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኲባ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምስ ፊደል ካስትሮ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ ብዝተፈላለየ ገበን ዝተፈርዱ 200 እሱራት ናጻ ከም እተለቁን። ድሮ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ኵባ ንሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዝኣተዉላ መዓልቲ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ እሱራት መንግስቲ ኵባ ናጻ ከም ዝበሎምን፣ ኣስታት 3,500 ዚዀኑ ድማ ቅድሚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ንሓዋርያዊ ዑደት ናብታ ሃገር ቅድሚ ምንቃሎም ናጻ ከም እተለቁን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ሃቫናን ዝነበረ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብቲ እዋን ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ባራክ ኦባማን ርእሰ ብሔር ኩባ ራውል ካስትሮን ዳግም ከም ዘበገሱ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብዚ ስምምዕ ንኽብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝነበሮም ተራ ልዑል ምንባር ብምጥቃስ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።