ቫቲካን - ኢማራት፡ ምድላዋት ንሻምናይ ሕታም ሽልማት ዛየድ ንሰብኣዊ ሕውነት
ዜና ቫቲካን
እዚ ሽልማት ካብ ክብርታት ናይቲ ኣብ 2019 ኣብ ኣቡዳቢ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ሲኒ ዓቢ ኢማም ዶክተር ኣሕመድ ኣል - ጣየብን ዝተኸተመ ታሪኻዊ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ንሰላም ዓለምን ሓባራዊ ናብራን - Documento sulla fratellanza umana per la pace mondiale e la convivenza sociale ዝተበገሰ ምዃኑ ይዝከር።
ድሮ 20 ተዓወቲ ካብ 20 ሃገራት
እቲ ሽልማት ሓደ ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሽልማት ዘጠቓልል እዩ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት 2026 ናይ መወዳእታ ሽልማት ዛየድ፡ ንርእሰ ብሔር ኣዘርባጃንን ኣርመንያን፡ ኢልሃም ዓሊየቭን ኒኮል ፓሺንያንን ዝተዋህበ ከም ዝነበረን ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጸመ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ኣፍልጦን ክብርን ዝሃበ ሽላማት እውን እዩ። ካብ 2019 ጀሚሩ ሽልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት ካብ 20 ሃገራት ንዝመጹ 20 ተሸለምቲ ኣብ ሰፊሕ ሰብኣዊ ዓውድታት፡ ማለት ኣብ ክንክን ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ዘላቕነት፡ ሓገዝ ስደተይናታት፡ ልምዓት ማሕበረሰብ፡ ሓገዝ መግቢ፡ ከምኡ’ውን ምሕያል መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ዝሀበ ኮይኑ፡ ናይ 2027 ሻምናይ ሕታም ተሰለምቲ ሕጹያት ኣስማት ዝቐርበሉ መመልከቲ ግዜ ክሳብ 1 ጥቅምቲ 2026 ዝጸንሕ መደብ ብመንገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሽልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት ከም እተበገሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።