ድለ

2026.08.18 Orto Giardini Vaticani 2026.08.18 Orto Giardini Vaticani  (Governatorato_SCV)

እቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ዝርከብ ግራት ጳጳስ ምሉእ ብምሉእ ባህርያዊ ተፈጥሮኡ ይዕቅብ

እቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኒኮላስ ሳልሳይ ኦርሲኒ እተመስረተ፣ ኣብ ጥቓ ገዳም እኖ ቤተክርስቲያን ዝርከብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ምሉእ ብምሉእ ባህርያዊ ተፈጥሮኦ ይዕቅብ፣ እዚ ድማ ከምቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ፍራንቸስኮ ዝተኣመመ መስርሕ ትሕድርቲ ባህርያዊ ተፈጥሮ ኢዪ ዝካየድ ዘሎ።

ዜና ቫቲካን

እቲ ኣብ ጥቓ ገዳም እኖ ቤተክርስቲያን ኣብ ዝርከብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ተዓቂቡ ዘሎ ግራት ምሉእ ብምሉእ ባህርያዊ ተፈጥሮኡ ዝዓቀበ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሥነ ኣከባቢያዊ ዕቃቤ ዘውጽእዎ “ስቡህ ኣንተ” (Laudato si’) ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ከም ዘመልክቶ፣ ምሕደራን ዕላማን ሕርሻ፣ ዝለዓለ ምህርቲ ንምርካብ ዘይኰነስ፣ ንተፈጥሮኣዊ ዑደትን፡ ንዕቤት ነፍሲ ወከፍ ተኽልን፡ ዕቃቤ መሬትን ንምኽባር ከም ምዃኑ የመላኽት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ንኢጣልያውያን ተመራመርቲ ሕርሻን ክኢላታት ጫካን ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ ነዚ "ሓልዮት ተፈጥሮ" እዚ ኣጕሊሖም።

ምድሪ "ውህበት እምበር ጥሪት ኣይኰነትን፣" እቶም ዜማዕብልዋ ኸኣ፣ "ብኣኽብሮትን ብጥበብን ኣብ ዕዮ ፍጥረት ኣምላኽ ይሳተፉ" ስለ ዝዀኑ፣ ዕዮኦም ከም "ንኣዴና ምድርን ንመጻኢ ወለዶታትን ዝገብርዎ ጭቡጥ ዓይነት ልግሲ" ገይሮም ክርእይዎ ይግባእ ክብሉ ተማሕጸንዎም።

ንምድሪ ዜኽብር ሕርሻ ምምዕባል

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ካብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበሪ ገዛ ዝተረኽበ ድዅዒ፣ ኣብዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ስፍራ ኣታኽልቲ የገልግል ነበረ።

ኣብዚ እዋን እዚ ብመሰረት ወቕትን ድሌት እቶም ንኣትክልቲ ዝከናኸኑ ሰባትን፣ እተመርጸን እተመሰከረሉን ድዅዒ ጥራይ ኢዮም ዝጥቀሙ ዘለዉ።

ጽቡቕ ናይ ሕርሻዊ ልምድታት ከም ዘመልክቶ፣ ብዝሒ ተህዋስያን ንጥፈሮ ካብቲ ጕድኣት ከምጽእ ዝኽእል ማዕቀናት ንታሕቲ ስለ ዝጸንሕ፣ ንናይ ኣትክልቲ መከላኸሊ ንፍርያት እውን የነክዮ ኢዩ።

ነፍሲ ወከፍ ናይ ደቂ ሰባት ኣብ ተፈጥሮ ዝግበር ምትእትታዋት፣ ኣብ "ናይ ግራት መዝገብ ደብተር" እውን ተመዝጊቡ ከም ዘሎ፣ ከምቲ ብግዴታዊ መንገዲ ዝግበረሎም ሕክምናዊ ክንክናትን ማዕቀናትን  ክሕተት ዝከአል፣ ተፈጥሮኣዊ ንጥረ-ነገራት ግን ብባህርያዊ መንግዲ ዝግበር ክንዲ ዝኾነ ብዙሕ ምርምራት ኣየድልዮን ኢዩ።

ፍርያምነት ሓመድ ብፍሉይ ሜላታት ማለት እንተላይ ብምቕያር እኽሊ ከይተረፈ ክዕቀብ ይከኣል ኢዩ።

ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ሳዕሪ ባሕሪ እተገብረ ድዅዒ እውን ኣብ ግራት ኮሚደረ ይፍተን ኣሎ።

እቲ ዘርኢ ካብ ወጻኢ እዩ ዚመጽእ፣ ድሮ ድማ ብተፈጥሮኣዊ ሜላታት እዩ ዝተሓዝ ዘሎ። እቲ እተዓደገ ተኽሊ ንብምሉኡ እቲ እኽሊ ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ዝኽእል ሕማማት ኣትክልቲ ንኸይዝርጋሕ ዘለዎ ሓደጋ ንምቕናስ፣ ኣብ ውሽጢ ዕጽው ቤት ካብ ዝግበር ፈልሲ ኣታኽልቲ እዩ ድማ ዝምረጽ ዘሎ። ይኹን እምበር ኣብቲ ቦታ ናይ መፍለሲ ከምኡውን ንዕጽው ቤት መፍለሲ ኣእዋም ዝኸውን መደባት ድሮ ይጽናዕ ኣሎ።

ኣሓት ደናግል ድማ ሰራሕተይናታትን ኣታኽልትን መንእሰያትን ይተሓጋገዛ ኣለዋ

እቲ ግራት ብክኢላ ጫካ ስቴፋኖ ጃምፓኦሎ ዝምራሕ ኣገልግሎት ስፍራ ኣታኽልትን ኣከባብን፣ ከምኡ ውን ኣብ ትሕቲ ምሕደራ መሰረታዊ ልምዓትን ኣገልግሎታትን ምሕደራ ከተማ ቫቲካን ብዝኾነ ብዳይረክተር ሳልቫቶሬ ፋሪና ኢዩ ዝምራሕ ዘሎ።

ጊልበርቶ ቢያንኪ ዝስሙ ምኩር ሰራሕተይና ኣታኽቲ ድማ ነቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣብ ትሕቲ 400 ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓቱ መሬት ኣብ ዘለዎ ኣርባዕተ ሰገነታት ይከናኸን ኣሎ።

ንእተወሰነ እዋን ብጕጅለ መንእሰያትን ሰራሕተኛታትን ድማ ይሕገዝ ኣሎ፣ በብቝሩብ ነቲ ጠቓሚ ተመክሮኡ ከአ ናብኣቶም የመሓላልፎ ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ፣ እዚ ብንኣሽቱ መዓልታዊ ተግባራት ዝቘመ ፍልጠት፣ ከምቲ ዘመናት ይገብር ፍልጠት ካብ ሓደ ገዳም ናብ ካልእ ገዳም ኪመሓላለፍ ከሎ ምእንቲ ኸይጠፍእ እምበር ኪዕቀብ ብዝብል ሓሳት ከም ዝንበረ እውን የመልክት።

እተን ዝሕግዛ ኣባላት ገዳም ዝኾና ኣሓት ደናግል እውን፣ ነዚ ወቕታዊ ስራሓትን፣ ከምኡ ውን እቲ ግራት በብግዜኡ እንታይ ፍረ ክትህብ ከም ዝኸል ኣብ ግምት ብምእታው፣ ሓሓሊፈን ኣየናይ እኽሊ ኸም ዜድሊ ይገልጻን ይተሓባበራን እየን ዘለዋ። መስኖ እዚ ግራት እዚ ድማ ክሳዕ ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ብሓይሊ ሰብ ኢዩ ዝስራሕ ዘሎ።

ወቕታዊ ፍርያት ጥራይ

ዓውደ-ኣዋርሕ ሕርሻ ንወቕትታት ዘመን ኣጸቢቑ ኢዩ ዝስዕብ፣ እዚ ኸኣ ሓድሽ ጻዕዳ ሽጉርቲ ባሲል ተኽሊ ቺሊ በርበረ እንተላይ እቲ ብጽዑቕ ዕምቈት ዚፍለጥ ዓይነት ኣታኽቲ ፔሩ ዘብቍል ሲትረስን ዱባን ክሳዕ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ዝበስል ተተኺልዎ ይርከብ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት እዚ ናይ መጀመርታ ተኽሊ ኪዊ እውን ከም ድላይ እተን ኣሓት ደናግል ተተኺልዎ ይርከብ ኣሎ። ካብ መወዳእታ ውርሒ ነሓሰ ክሳዕ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ቈራሪ ወርሓት ኣሕምልትን ሰላጣን እውን ክዝራእ ክጅምር ኢዩ።

ወርሒ ግንቦት ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ እታ ዝበለጸት ኣፍራዪት ወርሒ እያ።

ወርሓት ሓጋይ ብምኽንያት ብርቱዕ ሃሩር፣ እቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ወቕቲ እዩ፣ ኮሚደረ በርበረ ቀጠልያ ባልደንጓ ዙኩቺኒ ከምኡውን ኪያር እንተላይ ካብ ፑግሊያ ዝመጹ እተፈላለየ ዓይነት ወቕቲ ዘለዎም ኣብ መወዳእታ ዑደቶም ክበጽሑ ኢዮም።

እቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ዝርከብ ኣእዋም ኣስታት 150 ዓመት ዝገበረ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እተፈላለዩ ዓሌታት ብተወሳኺ ተተኺሎም ይርከቡ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ኣብ ዕዳጋ ዝርከቡ ኣትክልቲ ኣባኡ ክትከሉ ኣይከኣልን ኢዩ። ብዘይ ዝዀነ ይኹን ከሚካላዊ ሕክምና ዝበቍል ፍረ ስለዝኾነ ድማ ምስ ሽፋኑ እውን ከይተረፈ ክብላዕ ዝከኣል ኢዩ። እተን ደናግል ድማ ክሳዕ ሕጂ ማርሜላታን ከምኡውን ብሽኮቲ ንምድላው ነቲ ቆርበት ወይ ሽፋን ናይቲ ፍረታት ይጥቀማሉ ኣለዋ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ንኣጋይሽ ይቐርብ ገሊኡ ኸኣ ይሽየጥ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ኻብዚ ንእሽቶ መሬት ዝተረኽበ ፍርያት ንከም ንማዕከን ምጽዋት ዘማርያም ዝኣመሰለ ናይ ግብረ ሰናይ ትካላት እውን ኣበርክቶ ገይሩ ይከብ ኣሎ።

ናይ 800 ዓመት ታሪኽ ዘለዎ ስፍራ ኣታኽልቲ

ታሪኽ እዛ ንእሽቶ ስፍራ ኣታኽልቲ እዚኣ፣ ኻብ ማእከላይ ዘመን ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኒኮላስ ሳልሳይ ኦርሲኒ፣ ካብ 1277 ክሳዕ 1280 ንመንበሪ ገዛ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ላተራን ናብ ቫቲካን ምስ ኣግዓዝዎ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓድሽ መናድቕ እተዓጽወ ስፍራ ኣታኽልትን ሓቀይና ግራትን ክህነጽ ኣዘዙ። ንመንበሪ ገዛ ጳጳስ ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ዝሕግዝ ፍርያምነት ዘለዎ ግራት ከኣ ኢዩ ዝንበረ።

ድሕሪ ሸሞንተ ዘመን እዚ ተልእኾ እዚ ገና ኣይጠፍአን። ኣብ ጥቓ እቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እተመስረተ ካብ 1992 ክሳዕ 1994 ኣብ ዝነበረ እዋን እተሃንጸ ገዳም እውን ዳርጋ ኣይተቐየረን።

እተን ኣባላት እዚ ገዳም ዝኾና ደናግል እውን ባዕለን ኣብ ፈለማ ኣብቲ ግራት ዝዓያ እየን ዝንበራ።  ብዕለት 26 ነሓሰ 2009 ኣብቲ ግዜ እቲ ሓለቓ እቲ ገዳም ዝነበራ በነዲክትዊት ድንግል ክብርቲ እናቴ ማሪያ ሶፍያ ቺቸቲ ንዕለታዊ ጋዜጣ ሃገረ ቫቲካን ሎሰርቫቶር ሮማኖ ከም ዝገለጻኦ "ሕርሻ ብኣእዳው ዚግበር ጸሎት እዩ" በላ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 እውን ኣብዚ ቦታ እዚ ምዝዋር ይፍተዎም ነበረ።

20 Aug 2026, 12:30