Misa oficiada por el cardenal Pietro Parolin, secretario de Estado del Vaticano, en la Catedral Metropolitana Misa oficiada por el cardenal Pietro Parolin, secretario de Estado del Vaticano, en la Catedral Metropolitana  (AFP or licensors)

ፓሮሊን ኣብ ጓቲማላ፦ ንዘይማዕርነትን ብልሽውናን ዘይኮነስ፣ ኣምላኽ ንጥሜት ደቂ ሰብ ኢዩ ዘዕግብ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ኣብ መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ምስ ቅድስቲ መንበር ንምዝካር ናብ ማእከላይ ኣመሪካ ምብጻሕ ኣካየዶም። ብፀዕነቶም ኣብ ሜትሮፓሊሳዊ ካቴድራል ኣብ ዘዕረገዎ ምሥስዋዕተ ቅዳሴ፣ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ንምእመናን "ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዓሚቝ ጥሜት ደቂ ሰብ ከዕግብ ዝኽእል፣" እዚ ድማ ጥሜት እንጌራ ጥራይ ዘይኰነስ፣ "ንጽምኢ ትርጕም ፍቕሪን ተስፋን፣ ጽምኢ ሓድሽ ህይወት" እውን ኢዩ ክብሉ ኣዘኻኸሩ። ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም ክርስቲያን ምእመናን ንዕቀትን ምጕዳል ፍትሕን ኬጥፍኡ ተማሕጸንዎም።

ዜና ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ ከም ክፍሊ ናይቲ ንዝኽሪ መበል 90 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ርክባት ምስ ቅድስቲ መንበር ናብ ማዕከላይ ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 2 ነሓሰ ኣብ ሜትሮፖሊታዊ ካቴድራል ጓቲማላ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ "ብስራት ወንጌል ንምስባኽ ዘሎና ባህጊ ንዅሎም ደቂ ሰብ ክንሓቍፍ ይድርኸና ኢዩ፣ ዝያዳ ፍትሓውን ሕውነታውን ደገፍ ሕብረተሰብ ናብ ምህናጽ ኪመርሕ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን መገዲ ኣይዓጽዎን ኢና፣ ነቲ ብሰንኪ ዘይማዕርነትን ብልሽውናን ዜምጽእ ዕቀትን ዘይምግዳስን ምጕዳል ፍትሕን ክንሰብር እውን ይድርኸና" ክብሉ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣካፈሉ።

እቲ ምስዛ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ዘሎ ታሪኻዊ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ምይይጥን ዘረጋግጽ ጽምብል፣ ብዕለት 1 ነሓሰ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጓቲማላ ላ ኣውሮራ ምስ በጽሑ እዩ ተጀሚሩ። ኣብኡ ድማ ምክትል ዋና ጸሓፊ እታ ሃገር ማሪያ ሉዊሳ ራሚረዝ ተቐበለቶም። ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 2 ነሓሰ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ንመናበዪ ኣረጋውያን ቅድስቲ ተሬዛ በዓልቲ ካልኩታን ከምኡውን ናብ ቤተ መቕደስ ክቡር ሓው ፔድሮ በጺሖም። ብድሕሪኡ እዚ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፣ ነቲ ኣብ ካቴድራል ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዱስ ቍርባን መሪሖም፣ ኣብኡ ድማ ርእሰ ብሔር በርናርዶ ኣሬቫሎን ምክትል ኣቦ መንበር ጉባኤ ካሮሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ጓቲማላን ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበርን፣ ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወት መነኮሳንን ከምኡ ውን ብኣማእታት ዚቝጸሩ ምእመናንን ተሳቲፎም።

ቃል ሰላምታ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝለኣኹሎም ቃል ሰላምታ፣ ንህዝቢ ጓቲማላ ኣመሓላለፉሎም፦ "ኣብ መጀመርያ እዚ ናይ ኣስተንትኖ ህሞት፣ ቅድም ቀዳድም ነቲ ክቡር ቅርበቶምን ቡራኬኦምን ከመሓላልፈኩም ዝሓተተኒ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ከምኡ ውን ፍቕራዊ ሰላምታኦም ከመሓላልፈኩም እደሊ" በሉ። ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ዝበጽሖሉ ምኽንያት ማለት፣ ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ርክባት ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ጓቲማላን፣ ከምኡ ውን ዝኽሪ መበል 400 ዓመት ዕለት ልደት ክቡር ሓው ፔድሮ ንምጽንባል፣ መለኮታዊ ሓልዮት ኣምላኽ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኰነ፣ ነታ ኣብዚ ዞባታት እዚ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ፈጺሙ ኸም ዘይጠንጠጎም ኣጕልሑ። "እዘን ክልተ ጽምላትን ዝኽረ በዓላትን በዚ ሕጂ ዝሰማዕናዮ ቓል ኣምላኽ ይብርሁልና፣ እዚ ድማ ነቲ ዓሚቝ ጥሜት ደቂ ሰብ ኬዕግብ ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ ክብሉ ድማ መስከሩ። ጥሜት እንጌራ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ጽምኢ ትርጕም ፍቕሪን ተስፋን ጽምኢ ምሉእን ትርጉም ህይወትን ናይ ዘለኣለም ነባራን እውን እዩ" ክብሉ እውን ኣመልከቱሎም።

ገለ ዝብላዕ ሃብዎ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ብምስትንታን፣ እዛ ሰንበት እዚኣ ከም እትገልጸልና፣ ንቤተ-ክርስትያን ነቲ ሓቀይና ጸዋዕታኣ እትረኽቦ ኣብዚ ሰብኣዊ ክውንነት እዚ ምዃኑ ሓበሩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ገለ ዝብላዕ ሃብዎ" ብዝብል ትእዛዝ ብምሃብ፣ እንጌራ ቃልን እንጌራ ቅዱስ ቍርባንን ኣብ ኵሉ ግዜን ቦታን ንዝርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን ከተምጽእ ንቤተክርስቲያን ተማሕጺንዋ ኢዩ። እዚ ጽውዓ እዚ "ኵሉ ሳዕ ኣበርቲዑ ዝማዕ ኢዩ፣ ከም ነብዪ ኢሳይያስ 'ዝጸምአ ናብ ማይ ይምጻእ፣ ገንዘብ ዜብሉ ኸኣ መጺኡ ይብላዕ' እናበለ ይጭድር ዝንበረ፣  እዚ ኣምላኽ "ገለ ዝብላዕ ሃብዎ" ክብል ንዘቕረቦ ጻውዒት፣ "ብዛዕባ ግድነታት ብጻይና ግዲ ዘብሎም ክንከውን ከም ዘይብልና" እዩ ዝምሕጸነና በሉ።

ነቲ ውሑድ እንውንኖ ጥሪትና ኣብ ኢድ ኢየሱስ ብሕድሪ ምውፋይ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ድኽነት ጽምዋ ምጕዳል ፍትሒ ከምኡውን ስቓይ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ሳዕቤን ብልሽውና ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብዙሕ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ከም ዘየለ እውን ገለጹ። ይኹን እምበር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዘሎናን እንኽእሎን ኽንገብር እዩ ዝዕድመና። "ሓሙሽተ እንጌራናን ክልተ ዓሳናን እኹል እኳ እንተ መሰለና፣ ንሕና እውን ብትሑት ክእለትና መገብቲ ጥራይ እኳ እንተ ዀንና፣ እቲ ተኣምር ዝገብር ኣምላኽ፣ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ፣ ነቲ ሒደት ጥሪቶም ኣብ ኢድ ኢየሱስ ምስ ኣወፈይዎ እዩ ዝበዝሓሎም። ኣብ ህይወትና እውን ከምኡ እዩ ዜጋጥመና፣ ንጐይታ ግዜናን ክእለትናን ልግስናን ድሩትነትናን ክንህቦ ኸለና፣ ነዚ ውህበታት እዚ ንረብሓ ብዙሓት ክኸውን የብዝሖ" ክብሉ እውን ኣጕልሑ።

መደባት ናይቲ ብፁዕነቶም ዘካየድዎ ምብጻሕ

ትማሊ ሰኑይ ዕለት 3 ነሓሰ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ሃገረ ጓቲማላ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምስ ርእሰ ብሔር እታ ሃገር ኣሬቫሎን ብድሕሪኡ ድማ ምስ ተወከልቲ ደቀባት ርክባት ዘጠቓለለ ኢዩ ዝንበረ። ቀጺሎም ድማ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ካርሎስ ራሚሮ ማርቲነዝን፣ ተወከልቲ ዲፕሎማስያዊ ኣካላትን ተራኺቦም። ሎሚ ሰሉስ ዕለት 4 ነሓሰ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ምብጻሕ ብምዃኑ፣ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ምስ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን እታ ሃገር ተራኺቦም። እቲ ምብጻሕ ኣብቲ ኣብ ምምሕዳር ሜክሲኾ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ቀዋሚ ስግደት ቅዱስ ቍርባን ዝካየደሉ ናይቲ ርእሰ ሰበኻታት መካነ ንግደት ብዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳስዌ ኢዩ ክዛዘም።

04 Aug 2026, 16:50