ድለ

ምንጻል ጥንሲ ናይ ብሓቂ ምርጫ ኮይኑ ኣይፈልጥን ምንጻል ጥንሲ ናይ ብሓቂ ምርጫ ኮይኑ ኣይፈልጥን  ርእሰ ዓንቀጽ

ምንጻል ጥንሲ ናይ ብሓቂ ምርጫ ኮይኑ ኣይፈልጥን

ምኽትል ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ማሲሚልያኖ መኒከቲ፡ ኣብ ኮሎምብያ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ንሓንቲ ኣደ ምድሓን ምስ ዝቕየር ሕግታት ምንጻል ጥንሲን ሓቀይና ምርጫ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶን ብምንጽጻር፡ ዋጋ ህይወት ወዲ ሰብ የስተንትን።

ማሲሚሊያኖ መኒከቲ

ዳርጋ ናብ ኩሉ ዝበጽሕ፡ ንሓቂ፡ ጽባቐ፡ ሓድነት ዘጉልሑ፡ ተስፋ ዝህቡ ምስልታትን ዛንታታትን ኣለዉ፡ ከምቲ ካብ ኮሎምብያ ድሕሪ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ብተኸታታሊ ዝመሓላለፉ ምስልታት፡ ድሕሪ ምፍራስ፡ ብሰንኪ እቲ 7.4 ረኽተል ዝዓቐኑ ርእደ መሬት፡ ኣብ ከባቢ ሲዩዳድ ካፕሪ ካሊ ዝርከብ በዓል ሓሙሽተ ደርቢ ህንጻ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ሓንቲ ኣደ ንሓድሽ ዝተወልደ ወዳ ብናይ ገዛእ ርእሳ ኣካላታ ክትከላኸል ዘርኢ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ፈነወ ሓበሬታን ዝተፈነወ ምስሊ፡ ራዕዲ ናይቲ ዕንወት፡ እቶም ረድኤት ዝህቡ ሰባት ምስ ግዜ እናተጓየዩ ኣብ ፍርስራስን ዝተዓጸዉን ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ዝተረፈኑን ብህይወት ንምድላይ ኣብ ዝደኽምሉ እዋን፡ ዘድሓንወን ኣደን ውላዳን ሕጂ ድማ ካብ ሓደጋ ወጺአን ዘርእይ ምስሊ ዝትንክፍ እዩ።

እቲ ምስሊ፡ ኣብ ኩሉ መዓት፡ ንምድሓንወን፡ ንምሕላይ፡ ንኻልኦት ሓላፍነት ክወስድ፡ ​​ንነብሱ ንምድሓን ዝዓለመ ምሉእ ሕውነታዊ፡ ደጋፊ ማሕበረሰብ ዘርኢ እዩ። ክንደይ ጸጋታት ዝሓትት እውን ይኹን ፍልልይ የብሉን፤ እቲ ዕላማ ዋላ ሓደ ጥራይ ይኹን ህይወት ምድሓን እዩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ማሳቹሰትስ፡ 4300 ኪሎ ሜተር ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ግዛኣት እቲ ትርኢት ፍጹም ዝተፈልየ፡ ናይ ምኽታም ተግባር እዩ። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዘሎ ህይወት ህጻን ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣይርአን፤ ካልእ ነገር ይስዕር። ኣብዚ፡ “ተበጻሕነት ሕሙማት ክንክን ቀዳምነት ዝሕብ ሕጊ” ተፈሪሙ ኣሎ፡ እዚ ሕጊ እዚ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ኮይኑ ካሳብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ሰሙን ዝብል ገደብ ብወለንታ ምቁራጽ ጥንሲ ዘወግድን ንሞያዊ ፍርዲ ናይ ሓኪም ውሳነን ዝያዳ ቦታ ዝህብን እዩ። “ሓልዮት” ዝብል ቃል ኣብዚ ሕጊ’ዚ ኣሎ፡ ኣብዚ ግን ምስ ሞት ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ይርከብ።

ሕጂ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓሰርተ ግዝኣታት ኣለዋ ኣብ ምንጻል ጥንሲ ሓፈሻዊ ገደብ ዘይህባ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ እቲ ዘሕዝን ህይወት ኣይኰነትን ተዓዊታ።

ኣብ መላእ ዓለም፡ ደረጃ ብደረጃ፡ ኣብ ስቕታ ፖለቲካዊ ቅንዕና ብዝብል ምስምስ ወይ ድምጺ ምርካብ ጥራሕ ብዝብል ምርጫ ስነ - ሓሳባዊ ምግጣምን ተቓውሞን፡ ንፋሳት ሞት ኣንጻር ሰብ ይዝርጋሕ ኣሎ። ንኣብነት፡ ሎሚ ዓመት ጥራይ፡ ሉሰምበርግ ኣብ ቅዋማ፡ ምንጻል ጥንሲ ምርጫ ናጽነት ኣካቲታቶ ትርከብ - ድሕሪ ፈረንሳ ኣብ መሰረታዊ ናይ ውሳነ ሰነድ ብግልጺ ዘንበረት ካልኣይቲ ሃገር - ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ካብ ማዕቀፍ ቁጽጽር ወጻኢ ምስ ዝፍጸም እውን ካብ ገበን ነጻ ገይራቶ ትርከብ። ዳርጋ ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለምና ኣብ ማህጸን ጓል ኣንስተይቲ ዝርከብ ህጻን ክቕተል ዘፍቅድ ሕግታት ዝጸድቐ እውን እተኾነ፡ ነዚ ቅትለት ንምክልኻል ዝዓለመ ዓንቀጻት ኣሎ፡ ማለት ብሓገዝ፡ ሓልዮት፡ ቅርበት፡ ደገፍ ዝፍጸም። እዞም ድንጋገታት እዚኣቶም ግን፡ ብሓቂ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ወይ ኣብ መብዛሕትኡ ጉዳያት ዘይተተግበሩ ኮይኖም ይርከቡ። ምኽንያቱ ኣዝዮም ጾር ስለ ዝኾኑ።

ብዛዕባ ምርጫታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ንዛረብ፡ ገና ግን ዝኾነ ሓቀይና ምርጫ ፈጺሙ ኣይቀርብን እዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ዝቐለለ ዝመስል መንገዲ ይቐርብ፡ እዚ ድማ ኣብ ክውንነት ክርእየ እንከሎ ግን ከምቲ ዝበሃሎ ቀሊል ኣዮነን። እቲ እማመ ብቕልጡፍ ጣልቃ ምእታው፡ ነቲ ጸገም ንምውጋድ፡ ዓይኒ ምዕማት፡ ካብታ ዝጽንሰላ ህሞት ጀሚሩ፡ ነቲ ሰብ ዝቐርጽ ደው ዘይብል መስርሕ ከመይ ከም ዝጅምር ዘርኢ ነፍሲ ወከፍ ስነ ፍልጠታዊ ርኽበት ምኽሓድ እዩ።

ብግልጺ ኣይተብሎ እምር ምቕታል ዝፈቕድ ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ ክንድኡ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓቀይና ምርጫ ማለት ጉዕዞ ዝሓትትን፡ ስነ - ኣእምሮኣዊ፡ ቁጠባውን መንፈሳውን ደገፍ ምቕራብ ማለት እዩ፡ እዚ ግን ብመንጽር ቍጠባን ጸጋታትን ዝለዓለ ወጻኢታት ኣለዎ፡ ስለዚ ስቕ ምባል ይምረጽ።

ሓንቲ ሃገር ንዜጋታታ ክትከናኸን፣ ሰላም፣ ማዕርነት፣ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ከተውሕስ፣ ህይወት ክትሕሉ እንኮላ ኩሉ ኣርሒቓ ምርኣይን ስፍሓት ራእያን እያ እተቕርብ፤ ዜጋታት ነቲ ካልእ ከለልይዎ፡ ክሕግዝዎ፡ ክድግፍዎ፡ ከሰንይዎን፡ ከፍቅርዎ፡ ኣብ ህሉው እዋን ሱር መጻኢ ከንብሩ ዝኽእሉ ሕብረተሰብ ክሃንጹ እንከለዉ።

ምንጻል ጥንሲ እምበኣር ቅኑዕን ጌጋን፡ ኣንጻር ህይወትን ንዕኡ ዝድግፍን ምርግጋጽ ወይ ምዝባዕ ይኸውን። እቲ ምዝባዕ ኣብ ክንዲ ነቶም ኣብ ጽንኩር ኩነታት ዝረኽብዎምን መውጽኢ ክረኽቡ ዘይክእሉን ምሕቋፍን ቀረባ ምዃንን፡ ስቓይን ጸገምን ቃንዛን ክትሓብእ ኣብ ምድላይ እዩ ዘሎ። ኣብዚ እዩ ሰብኣውነት ዝዕቀን: ዘይቀትል: ግን ከኣ ዘፍቅርን ሓላፍነት ዝወስድን ሰብኣውነት፤ ህይወት ንምድሓንን እዚ ምስ ዝኸውን ምሉእ ብምሉእ ክሕጐስን ብተኣፋፍነት ክሓልፍ ፍቓደይና ዝኾነ።

14 Aug 2026, 17:22