ናይ ቅድቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ናይ ቅድቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር  

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናብ ሞስኮ፡ ስነ ሜላዊ ዝምድናን ዘተን ኣብ ምልክት ሰላም

ናይ ቅድቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ካብ ዕለት 24 - ዕለት 28 ነሓሰ ናብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም፡ እቲ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዘተን ኣኼባታትን ሸነኽ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ጳጳሳትን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ፈደራላዊት ሩስያን ኣኼባታት መሰረት ድማ ብቤተ ክርስቲያናዊ መዳይ እውን ዝማላእ ይኸውን።

ዜና ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳስ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ምስ ሰበስልጣን ፈደራላዊት ሩስያ፣ ወከልቲ ፓትርያርክ ሞስኮን ማሕበረሰብ ካቶሊክን ኣኼባታት ከካይዱ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ንኣርባዕተ መዓልታት ጽዑቕ ዘተን ኣኼባታትን ዝካየድ ኮይኑ፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሸነኽ ናይቲ ጉዕዞ ብቤተ ክርስቲያናዊ መዳይ እውን ዝድገፍ ኮይኑ፡ ምስ ጳጳሳትን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ፈደራላዊት ሩስያን ኣኼባታት ክካየድ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ተልእኾ እዚ ምስ ወከልቲ መንበረ ፓትርያርክ ሞስኮ ዝግበር ኣኼባ ሓዊሱ ኤቁመናዊ ሸነኽ እውን ክህልዎ እዩ። እዚ ዝክረ ነገረ እዚ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን ዝምድናታት ኣብ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ፈታኒ እዋን’ውን እንተኾነ መንገዲ ዘተ ንምቕጻል ዘለዎ ተወፋይነት ዘረጋግጽ እዩ።

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ክበጽሑ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን፡ ናይ መወዳእታ ዑደቶም ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ዝተኻየደ ኮይኑ፡ በቲ ኣጋጣሚ እቲ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ምስ መርሔ መግንስቲ ሚካኤል ሚሹስቲን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌይ ላቭሮቭን ከምኡ’ውን ኣብቲ እዋን ሓላፊ ክፍሊ ርክባት ወጻኢ ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ሞስኮ ዝነበሩ ሜጥሮጶሊታ ሂላርዮን ኣልፊቭን ከም እተራኸቡን ካብ 2022 ጀሚሩ ክፍሊ ናይ ፓትርያርክ ርክብ ጉዳያት ወጻኢ ሜጥሮጶሊታን ሂላርዮን ዝተክኡ ሜጥሮጶሊታ ኣንቶኒ ሰቭርዩክ ይምራሕ ከም ዘሎን እዚ ጉዕዞ ብጀካ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት መደባት ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሞስኮ ክራኸቡ ዕድል ዝህብ እዩ። ምስ ጳጳሳትን ወከልትን ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ክራኸቡን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉም ምስ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክራኸቡ እዮም። ኣብ ሩስያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብቑጽሪ ውሑዳትን ብመልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ኣብ ሰፊሕ መሬት ፋሕ ኢላ እትርከብን እያ። ግዝኣታዊ ኣወዳድባኣ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ርእሰ ሰበኻታት ኣመ ኣምላክን ኣብ ሳራቶቭ ዝርከብ ሰበኻ ቅዱስ ቀሌምንጦስን ኣብ ኖቮሲብርስክ ዝርከብ ሰበኻ ደብረ ታቦርን ኣብ ኢርኩትስክ ዘሎ ሰበኻ ቅዱስ ዮሴፍን ዘጠቓልል እዩ።

22 Aug 2026, 16:54