ድለ

ኮንፉችያውያንን ክርስትያንን ዓውደ ዘተ ናይ መወዳእታ መግለጺ፡ ስኒት ዘለዋ ዓለም ምህናጽ ኮንፉችያውያንን ክርስትያንን ዓውደ ዘተ ናይ መወዳእታ መግለጺ፡ ስኒት ዘለዋ ዓለም ምህናጽ 

ኮንፉችያውያንን ክርስትያንን ዓውደ ዘተ ናይ መወዳእታ መግለጺ፡ ስኒት ዘለዋ ዓለም ምህናጽ

ኣብ ናይ መወዳእታ መግለጺ፡ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣብ ሴውል ደቡብ ኮርያ ዝተኻየደ ቀዳማይ ኮንፊችያውን ክርስትያናዊን ዓውደ ዘተ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ልምድታት ምሕዝነትን ዘተን ንምዕማቝ፡ ከምኡ’ውን ንምምዕባል ሰብኣውነትን መላእ ማሕበረሰብ ህይወትን ብሓባር ክሰርሑ ቃል ይኣትዉ።

ዜና ቫቲካን

“ሓቀይና ርክብ ንፍልልያት ኣይድምስሶን፣ ኣብ ክንድኡስ ምርድዳእ የዕምቆ፣ ምትእምማን የሐይል፣ ንኹላትና ድማ የሀብትም” ዝብል ናይ መወዳእታ መግለጺ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣብ ሶጋንግ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ፣ ኣብ ሴኡል ደቡብ ኮርያ ካብ ዕለት 4 ክሳብ 5 ነሓሰ ዝተኻየደ ቀዳማይ ኮንፉችያውያን ክርስትያናውን ዓውደ ዘተ ይንበብ።

እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤ ኮርያ፡ ኮንፉችያዊ ተቕዋም ኮርያ (ሱንግክዩንክዋን)ን ሶጋንግ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ብምትሕብባር ዘዳለዎ ዓውደ ዘተ፡ ካብ እስያ፡ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝመጹ ምሁራት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መምህራንን ሰብ ሞያን ኣኪቡ፡ “ሓድሽ ሰማይ፡ ሓዳስ መሬትን ዓብይ ስኒት/ዓብይ ሓድነት” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ዘተ ኮንፉችን ክርስትያንን ንምህናጽ ኣብነታዊ ሕብረተሰብ” ከም ዝዘተዩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ድምጺ ባህጊ ደቂ ሰባት

“ብመንፈስ ምሕዝነትን እንግዶትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን” ድሕሪ ዝተካየደን ዕለት 5 ነሓሰ ዝተዛዘመ ዕውደ ዘተ ኮንፉችን ክርስትንና እምነት ዝተዘርግሐ ናይ መወዳእታ መግለጺ፡ ተሳተፍቲ “ናይ ሓባር ጻውዒት ፍትሒ፡ ምክብባር፡ ርህራሄ፡ ሰላምን ስኒትን ዘለዎ ዓለም ንምህናጽን ክርስትያንን ኮንፉችያውያንን ኣብ ዝተፈላለየ ልምድታት ሱር ዝሰደዱ እኳ እንተኾኑ፡ “ምፍላይ ንምስጋርን ኩሎም ብሓባር ብኽብሪ ዝነብሩሉን ንሓድሕዶም ዝከናኸኑሉን ማሕበረሰብ ንምዕባይን ናይ ሓባር ባህጊ” ከለልዩ ከም ዝተባብዖም ተመልኪቱ ኣሎ።

ናይ ሓባር ክብርታት

እቲ ናይ መወዳእታ መግለጺ ቀጺሉ፡ ክልቲኦም ትውፊታት ዝተፈላለየ ሃይማኖታውን ፍልስፍናውን መሰረታቶምን ኣብ ምልኣት ደቂ ሰባትን ሕብረተሰብን ዘለዎም ተነጻጻሪ ኣረኣእያን እኳ እንተሃለዎም፡ ዝካፈሉዎም ብርክት ዝበሉ ክብርታትን እምነታትን ይዝርዝር።

ካብዚኦም “ውልቃዊ ለውጢ፣ ስነ-ምግባራዊ ናብራ፣ ንኻልኦት ምሕብሓብ መሰረት ጥዑያት ስድራቤታት፣ ማሕበረሰባትን ሕብረተሰባትን እዮም” ዝብል እምነት፤ “ፍትሓውን ሰላማውን ሕብረተሰብ ኣብ ቅንዕና፣ ትሕትና፣ ኣገልግሎትን ሓልዮት ሓባራዊ ረብሓን ዝተሰረተ መሪሕነት ከምዝምርኮስ፤ ንተቓላዕቲ፣ ንመጻኢ ወለዶታትን ናይ ሓባር ገዛናን ምሕብሓብ ግብረ ገባውን መንፈሳውን ሓላፍነት ምዃኑ፤ ተስፋ ዝሓሸት ዓለም ብናይ ሕጂ ፈተናን ዘይፍጽምናን ብሓባር ክንሰርሕ ይጽውዓና፤ ከምኡ’ውን ኩሉ ምዕባለታት እደ ጥበብ ሰብኣዊ ክብርን ስነ-ምግባራዊ ክብርታትን ብንጥፈት ከዕቢ” ከም ዝኽእል ተመልኪቱ ኣሎም።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓለማዊ ጉዳያት፡ ማለት ማሕበራዊ ምብትታን፡ ጽምዋ፡ ግዱድ ስደት፡ ምስፋሕ ዘይምዕሩይነት፡ ዕንወት ከባቢ፡ ኲናትን ኣድልዎን ከምኡ’ውን ቅልጡፍ ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ከም ዝዘተዩን፡ “እዞም ብድሆታት ብእደ ጥበብ ወይ ብቑጠባ ጥራይ ክምገቡ ኣይክእሉን እዮም፤ ስነ-ምግባራዊ ጥበብ፣ መንፈሳዊ ዕምቆት፣ ናይ ማሕበረሰብ ስምዒት፣ ከምኡ’ውን ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብውነት ሰብን ንሓባራዊ ረብሓን ዝተሓደሰ ተወፋይነት ዝሓትት እዩ” ከም ዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣

ኣብቲ ሰነድ፡ ተሳተፍቲ ብመጽናዕቲ፡ ትምህርቲ፡ ዘተን ግብራዊ ተበግሶታትን፡ ከምኡ’ውን “ንመንእሰያት ብምውፋርን ስነ-ምግባራዊ ትርጉም ናይ ዝቕልቀሉ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለታት ብሓባር ብምድህሳስን” ቀጻሊ ምትሕብባር ክርስትያንን ኮንፉችን ክህሉ ይጽውዑ። ብተወሳኺ “ኣብ መንጎ ኮንፉችያውያንን ክርስትያንን ምሕዝነትን ዘተን ንምዕማቝ” ቃል ኪዳን የሐድሱ፤ “ኣብ ርህራሄ፣ ፍትሒ፣ ስኒትን ሓባራዊ ሓላፍነትን ዝሰረቱ ሕብረተሰባት ንምድንፋዕ”፤ ከምኡ’ውን “ንምዕባለ ሰብኣውነትን መላእ ማሕበረሰብ ህይወትን ብሓባር ምስራሕ” ክውፈዩ ቃል ይኣትዉ።

እቲ መግለጺ ተሳተፍቲ “ነፍሲ ወከፍ ሰብን ነፍሲ ወከፍ መሰረታዊ ማሕበረሰብን ብኽብሪ፡ ብሰላም፡ ብተስፋን ብስኒትን ዝነብረላ ዓለም ምህናጽ ክንቅጽል” ብዝብል መብጽዓ ይዛዘም።

06 Aug 2026, 17:27