ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ከም መገዲ ኣብ ምፍታሕ እዋናዊ ጸገማት
ዜና ቫቲካን
ኣብ ዝቕጽሉ ሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ብመልክዕ ምርኢታት፡ ሽማግለን፡ ሕትመታትን ህዝባዊ መደባትን ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ከአንግዳ እየን። እዚ ናይ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ስሉሳዊ ስነ ጥበብ ሕታም ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኣህጉራዊ ተበግሶ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳያት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝድገፍ ኮይኑ ስነ - ጥበባውያንን ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብን ናይ ዝተፈላለያ ስነ ባህላውያን ትካላትን ዘራኽብ እዩ።
ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳያት ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ንስነ-ጥበባዊ ፍጥረት፡ ስነ ትምህርታዊ ምርምርን ዘተን ዝውፈ ውጥን ኮይኑ ከም ዝጀመረን። ስሉሳዊ ዓመታዊ መደብ፡ ስነ-ጥበብ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ ብኸመይ ተራ ከም ዘለዎ ንምድህሳስ ዝውፈይ ኮይኑ፡ ኣብ ቬነዚያ ክዛዘም እዩ።
ናይ መጀመርታ ምርኢት
እቲ “ኣብ ርህራሄ ምዕባይ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ናይ መጀመርታ ሕታም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም፡ ማለት ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ፡ ሳንትያጎ፡ ቦጎታ፡ ቦስተን፡ ሚላኖ፡ ሊዝበንን ሉዋንዳን ክካየድ ከም ዝኾነን፡ ዝተፈላለያ መናብርተ ጥበብን መሻርኽትን ኣብ ሓደ ብምምጻእ፡ ብዛዕባ ተራ ላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ርክብ ደቂ ሰባትን ኣምር ርህራሄን ከስተንትኑ እዮም፡
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝለገስዎ Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ዘእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ “ንርህራሄን ምርድዳእን ክመስሉ ይኽእሉ እዮም፣ ግን እንታይ ከም ዘፍርዩ ኣይርድእዎን እዮም፣ ምኽንያቱ ደቂ ሰባት ብጥበብ ዝዓብዩሉ ስሚዒታዊ፣ ዝምድናውን መንፈሳውን ኣረኣእያ ስለዘይብሎም” (ፍቕዲ. 99) ዝብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምቕላሕ። ስሉሳዊ ዓመታዊ ሕታም፡ ነቲ ብመሰረቱ ሰብኣዊ ዝኾነ ነገር ንምሕላው ዝግበር ህዝባዊ ክትዕ ንምዕማቝ ዕድላት ንምቕራብ ዝዓለመ እዩ።
ማእከላት ምህዞ
ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳያት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ኣብዚ ሕጂ እቲ ዓቢይ መርሓ ሰነድ ናይ ካቶሊካውያን መናብተ ጥበብ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንመናብርተ ጥበብ “ከም ማእከላት ምህዞን ጸርጊ ጽልዋን መጠን ፡ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ብዝተሓደሰ ጸዓት ከተግብሮ ዝጽዋዕ መደብ የቐምጥ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘዘኻኸር ምዃኑ ሓቢሮም፡
"መንነት ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ነቲ ኣብ ትምህርተን ዘለወን ዘይነጻጸል ራእይን ክትገልጽ እትኽእል ሓንቲ ቃል እንተትህሉ፡ እታ ቃል ርህራሄ - ቡቕባቔ ምኾነት። ርህራሄ ኣብ መበገሲ ናይዚ ናይ መናብርተ ጥበብ ውጥናት እዩ ዘሎ።"
መናብርተ ጥበብ ትምህርታዊ ማሕበረሰብ ኮይነን ነቲ ሰብኣዊ ናይ ምፍጣር ክእለት የሐይላ- ሓደስቲ ሓሳባት፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገማመዐ ምውዳብ፡ ከምኡ’ውን ሓደስቲ ስሪት ዓለም ኣብ ኣእምሮኻ ክትሓስብ። ኣብ ክንዲ ከም ግብራዊ ልምምድ ምድግጋም ጥራይ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደ “ሓባራዊ ምፍጣር” ተግባር ንምጽንባር ከም ዕድመ ክረኣዩ ይግባእ።
ሕጂ'ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ዓዋዲት መልእክቶም፡ መናብርተ ጥበብ ነቲ ናይ ሎሚ ዓለም ዝተሓላለኸ ነገራት ብፈጠራ ክትምልስን “ህይወት ሕብረተሰባትና ዝያዳ ፍትሓውን ሕውነታውን ንምግባር" ክውፍያ ይላቦ (ፍቕዲ 47 )።
"ንርህራሄ እትምህር ስድራቤት ብዘይ ፍርሒ ፍልልይ ክገጥሙ ዝኽእሉ ሰባት እያ ትፈጥር። ርህራሄ ዘማዕብል መንበረ ጥበብ ንኻልኦት ናብ እኩብ ጸብጻብ ወይ ተግባራት ዘየጉድሉ ሰብ ሞያ የዳሉ። ብርህራሄ ዝተቐርጸ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ናይ ኣፍራይነት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ሓድሕዳዊ ምልላይ ቦታ ይኸውን።"
ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብብ ኣብ ስሉሳዊ ሕታም ስነ ጥበባዊ ዓመት ነዚ ጳጳሳዊ ጻውዒት ኣወንታዊ ምላሽ ንምሃብ ይሰርሕ ኣለዋ።
"ኣምር ርህራሄ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ስነ-ጽባቐን ስነ-ምግባርን ናብ ዘተ ንምምጻእ ፍረ ዘለዎ ዕድል ዝህብ ኮይኑ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዓውዲ ፍልጠት ናብ ኣብ መንጎ ሞያታት ዝግበር ዘተ ዝዕድም እዩ። በቲ ጠለብ ዘለዎ፡ ትዕግስቲ፡ ግን ከኣ ብዕምቆት ዓስቢ ዘለዎ ልምዲ ሓድሕዳዊ ኣፍልጦ ኣብ ነንሕድሕድና ምቅርራብ የሀሉ።"