“መራሕቲ ሃይማኖት ድሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ከረጋግጹ ይግባእ”
ዜና ቫቲካን
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ሰራሕተይናታት ረድኤት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣብ ቫቲካን ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ጽላል ትካል ካቶሊካውያን ግብረ ሰናይ (ካሪታስ) ዝሓቑፍ ካሪታንስ ኢንተርናዚኦናሊስ፡ ብሰንኪ ጥቡቕ ምትእስሳሮም፡ ኣብ ጎንጺ ዝርከቡ ወገናት ሰብኣዊ መትከላት ከኽብሩ ከተባብዕዎም ከምዝኽእሉ ዕለት 19 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፡ ከም ኣብነት እቲ ትካል ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ንጳጳስ ኣውሬልዮ ጋዘራ ጠቒሱ፡ ዋላ እኳ ርኡይ ናይ ጸጥታ ሓደጋታት እንተጋጠመ፡ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይ ሰበኻ ባንጋሶው ጳጳሳት ኣውረሊዮ ጋዛራ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ኣስላምን ፕሮቴስታንትን ብምዃን ምስ ሰበስልጣንን ዕጡቓት ሓይልታትን ማሕበረሰባት እቲ ከባቢን ዘተ ብምክያድ በዚ ኸምዚ ድማ መስመራት ርክብ ክፉት ንኽኸውን ይሕግዙ።
ንኣህጉራዊ ሕጊ ምጉስጓስ
ኣህጉራዊ ጽላል ትካል ካቶሊካውያን ግብረ ሰናይ ማሕበራት ግብረ ሰናይ (ካሪታስ) ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጀነቫ ዝርከብ ኣህጉራውን ልምዓታውን ምስ ትካላት ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር “ምድልዳል ግብረ ገባዊ ሓይሊ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ብሃይማኖታት ምጉስጓስ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘካየዶ መጽናዕቲ ጠቒሱ፡ እቲ ስራሕ፡ ተኣማንነትን ከባብያዊ ህላወን መራሕቲ ሃይማኖት፡ ንኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ንዝግበር ጻዕርታት ምጉስጓስ ከተባብዕ ይኽእል እዩ ዝብል ኣምር ዝድግፍ እዩ።
ዕለት 19 ነሓሰ ኣብ ዓለማዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ፡ ኣብ ቅልውላው ዞባታት ንዝርከቡ ሰራሕተይናታት ረድኤት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋ ኣቓልቦ ገይሩ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ልዕሊ ሽሕ ሰብኣዊ ሰራሕተይታት ከምዝተቐትሉን መብዛሕትኦም ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰቦም ዝሰርሑ ደቂ ዓዲ ከምዝኾኑን እውን ከም ዘስመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።