ድለ

2026.08.17 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መላእ ዓለም ንዝሳደዱ ክርስቲያን ይጽልዩ 2026.08.17 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መላእ ዓለም ንዝሳደዱ ክርስቲያን ይጽልዩ  (@Basilica Cattedrale Sant'Agata_Catania)

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መላእ ዓለም ንዝሳደዱ ክርስቲያን ይጽልዩ

ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ካታንያ ሲሲሊ ንዝኽሪ መበል 900 ዓመት ምምላስ ቅርስታት ቅድስሪ ኣጋታ ንር.ሊ.ጳ. ልዮን ወኪሎም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለግስዎ ስብከት፡ ምእመናን ስለቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝስደዱ ዘለዉ ብዙሓት ክርስቲያን ክጽልዩ ከም ዝዓደሙ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣንቶኔላ ፓሌርሞ ሓቢራ።

ዜና ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 17 ነሓሰ ምሸት ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ንቅዱስቲ ኣጋታ ዝተወፈየ ኢዮቤል፡ ኣብታ ነታ ቅዱስቲ ዝተወፈየት ካቴድራል ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝኽሪ መበል 900 ዓመት ካብ ቍስጥንጥንያ ናብ ካታኒያ ምምላስ ቅርስታት ቅድስቲ ኣጋታ ዘማእከለ ኮይኑ፡

ኣብ ዙርያ እቲ ጥንታዊ ውፉይነት ንቕድስቲ ሓላዊቶም ዝተኣከቡ ዜጋታት ብሓጎስ ብመንፈስ ኣብ ዝጽምበሩሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ፍቕርን ቡራኬን ናብታ ፍቕሪ መሬት ሲቺሊያ ኣረጋጊጾም፡ “ነዚ ዝኽሪ ምብዓል ማለት ጐይታ ኣብ ዘመናት ንቤተ ክርስቲያኑ እሙን ምዃኑ ኣፍልጦ ዝህብ፣ ኣብ እዋን ፈተና ምድጋፋ፣ ኣብ ጸገማት ምንጻሕ፣ ብቐጻሊ ብናይ ቅዱሳን ምስክርነት ከም ብሓድሽ ከም እትዕምብብ ምግባር ማለት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረት ልእኽቲ ዜና ቫቲካን ፓሌርሞ፡ ብጹዕነቶም ነቶም ብዙሓት “ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምእንቲ ስም እግዚኣብሔርን ስለ ወንጌሉን ስደት ዝሳቐዩ” ክጽልዩ ሓያል ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጣ።

ኣብ ቤተ መዘክር ዝኽሪ ዘይምልከት ቅድስና

 “ቅድስቲ ኣጋታ ናይ ካታንያ ታሪኽ ጥራይ ኣይኮነትን: ሎሚ ናይ ኣምላኽ እያ: ምስ ህዝባ ድማ ምጉዓዝ ትቕጽል ኣላ ምስ በሉ፡ ቅዱስ ኣጉስጢኖስን ተርቱልያንን ብምጥቃስ ኣገዳስነት ሰማእታት እንከዘኻኽሩ፣ ብሰንኪ መከራኦም ዘይኮነስ፣ ስለ ዝጸንዑ ክምስገኑ ዝግብኦም እዩ። እቲ ካብ ካርቴጅ ዝመጸ ክርስትያን ይቕሬታ ዝሓትት “ደም ሰማእታት፡ ምልክት ስዕረት ዘይኰነስ፡ ቤተ ክርስቲያን ብቐጻሊ ከም ብሓድሽ እትዕምብበሉ ዘርኢ እዩ” ቢሎም፡ ንሳ “ኣብ ቤተ መዘክር እትቕመጥ ዘይኮነስ፣ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ዘመንጩ ቅድስናኣ ቀጻሊ እዩ” ከም ዝበሉ ፓሌርሞ ትሕብር።

ኣምላኽ ዋላ ኩሉ ዝጠፍአ ኣብ ዝመስለሉ እዋን እሙን ኮይኑ ይቕጽል

ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ንባባት ናይቲ ዕለት ሊጡርጊያ ጸብጻብ ሰማዕትነት ሸውዓተ መቃብያውያን ኣሕዋትን ኣዲኦምን፡ ከምኡ’ውን ካብ መልእኽቲ ጳውሎስን ተወኪሶም ናይ ክርስቶስ ምዃን ኪኖ ኩሉ እምነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ፈተና ከም ዝኸይድ ኣስሚሮም፡ ሰማእትነት ኣጋታ “ብቐዳምነት ብዛዕባ እቲ ዘሳቐያ ዓመጽ ዝገልጽ ጸብጻብ ዘይኰነስ፡ ዝዀነ ይኹን ዓመጽ ኬጥፍኦ ዘይከኣለ ፍቕሪ ዝገልጽ እዩ - ቢሎም - እዚ ንጳውሎስ እውን ርኡይ እዩ ነይሩ፣ ንሱ ግጉይ ምርድዳእን መስጐጕትን ድኻምን ዘጋጠሞ: ግናኸ ‘ብዘገርም ህድኣት ንክርስቶስ ካብ ምዋጅ ዓዲ ኣይወዓለን’ ከም ዝበሉ ፓሌርሞ ተመላኽት።

ሓይሊ ናይ ኣምላኽ እምበር ናይ ደቂ ሰባት ኣይኮነን

ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ቤተ ክርስቲያን ሓሳቦም ኣቕኒዖም፡ ቤተ ክርስቲያን “ብጸጋ እግዚኣብሔር እምበር ብብቕዓታ ኣይትነብርን እያ፤ ኣብ ክእለት ኣባላታ ዘይኮነስ ኣብ ተኣማንነት ናይቲ ብድኽመት ደቂ ሰባት ዝሰርሕ ጐይታ ዝተመስረተት እያ” ቢሎም፡ ናብቲ ኣብ ምሉእ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝዝርጋሕ “ኣይትፍራህ!’ ዝብል ቃል መሰረት ገይሮም፡ እዚ ስነ - ኣእምሮኣዊ ምትብባዕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መሰረት ክርስትያናዊ ሕይወትና እዩ። ኢየሱስ ካብ ፈተናን ጸበባን ነጻ ዝኾነ ህላወ ኣይመባጽዕን፡ ካብዚ ዝዓቢ ነገር እዩ ቃል ዝኣተወልና . . . ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ንሓደጋ ኣሳዶ ዝተቓልዑ ክርስትያናት እናሓሰቡ፡ “እምበኣር ኣብዛ ህሞት እዚኣ ስለእቶም ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምእንቲ ስም ጐይታን ስለ ወንጌሉን ዝስደዱ ኣብ ስቓይ ዘለዉ ንዘክርን ንጸልን - ቢሎም - ደም ዘይብሉ ሰማዕትነት’ውን ከም ዘሎ ኣይንረስዕ” ከም ዝበሉ ፓሌርሞ ትሕብር።

መዓልታዊ ቅድስና፡ ሰማዕትነት ተኣማንነት

ስለዚ ንክርስቶስ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ፍቕሪ ንምግላጽ ክልተ መገድታት ኣሎ፡ ሰማዕትነት ደም፡ ከምኡ’ውን እቲ ምናልባት ውሑድ ርኡይ መልክዕ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ከጋጥሞ ዝኽእል፡ “መዓልታዊ ሰማዕትነት ተኣማንነት” እንክብሉ ገሊጾም፡ ከም ኣብነት ድማ ኣብ መንጎ ጸገማት ፍቕሮም ዝዕቅቡ መጻምድቲ ጠቒሶም፤ ደቆም ብክርስትያናዊ እምነት ዘዕብዩ ወለዲ፤ ንዝበርስ ባህሊ ኢዶም ምሃብ ዝኣበዩ መንእሰያት፤ ካህናትን ውፉያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብልግሲ ሕይወቶም ዘወፍዩ፤ መከራኦም ብተኣማንነት ዘቕርቡ ኣረጋውያን፤ ከምኡ’ውን ኩሎም እቶም ብጽሞና ካብ ምስምማዕ ፍትሒ፡ ኣብ ልዕሊ ምቹእነት ሓቂ፡ ካብ ሕነ ምፍዳይ ድማ ይቕሬታ ዝመርጹ። እዚ ድማ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተዛረበሉ ዕለታዊ ቅድስና ምዃኑ ኣጽኒዖም ከም ዘብርሁ ፓሌርሞ ትሕብር።

ክፍኣት ብዝያዳ ክፍኣት ኣይሰዓርን እዩ

ኣብ መደምደምታ ካርዲናል ፓሮሊን ካታንያ ናይ እምነት፣ ባህሊ፣ ፍርሃተ እግዚኣብሔርን ግብረ ሰናይን ዝብል ዘይተኣደነ ቅርሲ ከም ዘለዋ ተዓዚቦም፣ እዚ ቅርሲ እዚ ክባኽን ወይ መኻን ክኸውን የብሉን፣ እንታይ ደኣ ፍረ ምእንቲ ክፈሪ ክሕሎ ኣለዎ። በዚ ኸኣ ነቲ ናይ ቅዱሳት ትምህርቲ ማለት ክፍኣት ብዝያዳ ክፍኣት ከም ዘይሰዓር፡ እንታይ ደኣ በቲ ካብ መስቀል ዝተወልደ ፍቕሪ፡ ካብ ውሽጡ ንታሪኽ ዝቕይር፡ ብኣጽንዖት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ናይቲ ከባቢ ብዙሕ ብድሆታት፡ ድኽነት፡ ዘይምዕሩይነት፡ ናይ ብዙሓት መንእሰያት መጻኢኦም ኣብ ካልእ ቦታ ክደልዩ ዘገድዱ ጸገማት፡ ኣባይቲ ስድራ ዘጋጥሞም ቃልሲ፡ ከምኡ’ውን ተርእዮታት ናይ ሓደስቲ መልክዕ ንዋታውን መንፈሳውን ድኽነት ምግጣም ይከኣል እዩ” ከም ዝበሉ ፓሌርሞ ሓቢራ።

18 Aug 2026, 17:09