2026.08.06 Cardenal Pietro Parolin, Diálogo Nacional por la Paz MX

ካርዲናል ፓሮሊን፦ ሰላም ንስቓይ ካልኦት ድጋጸ ብምህላው እዩ ዝጅምር

ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ናብ ሃገረ ሜክሲኮ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ፣ ምስ ተወከልቲ ሃገራዊ ምይይጥ ንሰላም ተራኺቦም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ሰላም ኣብ ምህናጽ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ብዓይኖም ክርእዩ ድማ ተረኽቡ።

ዜና ቫቲካን

ብመሰረት ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሜክሲኮ እተዋህበ መግለጺ፣ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 5 ነሓሰ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ምስ ተወከልቲ ሃገራዊ ምይይጥ ሰላም ተራኺቦም።

ኣብቲ ኣኼባ ሊቃውይንቲ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ እተን ንዝጠፍኡ ቤተሰበን ዝደልያ ኣዴታት፡ ኣባላት ፖሊስ፡ መራሕቲ ንግዲ፡ ከምኡውን ተወከልቲ ግዝኣታት ሳን ሉዊስ ፖቶሲ፡ ኦአክሶካ፡ ኲረታሮ፡ ፑብላ፡ ግዝኣት ሜክሲኮ ከምኡውን ሜክሲኮ ሲቲ ዝተሳተፍዎ ኢዩ ዝንበረ።

ኣብቲ ዘካየድዎ ኣኼባ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሰላም ንስቓይ ካልኦት ድንጋጸ ብምህላው ከም ዝጅምር እውን ኣጕልሑ፣ ሓንቲ ኣደ ነቲ ኣብ ግዝኣት ፑብላ ዝጠፍአ ወዳ ትደሊ ዘላ ንዘካፈለቶ ምስክርነት ብምጥቃስ ድማ ሰፊሕ መግለጺ ኣካፈሉ። ሰላም ጥበብ እተሰርሐ ዕዮ ምዃኑ ብምዝካር፣ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ተጋባእቲ ብጻዕርታቶም ተስፋ ኸይቈርጹ ኣተባብዖም። እዚ ተመክሮ እዚ ነቶም ብዓመጽ እተሳቐዩ ዘለዉ ኻልኦት ክፋላት ዓለም ምንጪ ምትብባዕ ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ገለጹ።

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሜክሲኮ እውን ብወገኑ፣ ተሳተፍቲ ኣብ ምህናጽ ሰላም ናይ ምትሕብባር እተፈላለየ ኣብነታት ከም ዘካፈሉ ገለጸ። ሓደ ምስክርነት ኣብ መንጎ እቶም ዝጠፍኡ ዜፍቅርዎም ሰባትን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ኣብ ግዝኣት ፑብላ ዝርከባ ውድባት ስድራ ቤታትን እተገብረ ሓባራዊ ጻዕርታት ብምግላጽ፣ ሃገራዊ ምይይጥ ንሰላም ብኸመይ ንሲቪላውን ፖለቲካውን መሪሕነት ሓይሊ ከም ዝረከብ ከም ገብሮ ኣጕልሑ።

ሓደ ብዓል ስልጣን ፖሊስ ሜክሲኮ፣ ካብ ኢካቴፐክ ዝመጸ ብዛዕባ ምትሕብባር ኣብ መንጎ እተፈላለያ ክርስትያን ማሕበራትን ኣብያተ-ክርስትያን ሰላም ንምድንፋዕን ናይ ማሕበረሰብ ዕቃቤ ሞደል ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ብኸመይ ከም ዝሕግዝ እውን መስከረ። ተወከልቲ ግዝኣት ኲረታሮ ብወገኖም፣  እቲ  ሃገራዊ ምይይጥ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ሰባት ብኸመይ ከም ዜሕብሮም ንምብራህ ምስሊ ባሌሮ (ባህላዊ ማሕበር ኵዕሶን ስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን) ተጠቒሞም። ተወከልቲ ኦኣካካ ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነቶ፣ ሃገራዊ ዝርርብ ነቶም ኣብ ልዑል ሓደጋ ዝርከቦ ቦታታት ዘገልግሉ ካህናት ብኸመይ ምጽንናዕን ደገፍን ከም ዝህብዎም ክገልጹ ኸለዉ፣ ተወካሊ ሳን ሉዊስ ፖቶሲ ድማ ኣብያተ ክርስትያናት ዝያዳ ኣብ ዕዮ ህንጸት ሰላም ንኽሳተፉ ምትብባዕ ብድሆ ምዃኑ ገለጹ።

ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ንኣባላት ሃገራዊ ምይይጥ ሰላም ጽን ኢሎም ድሕሪ ምስማዕ፣ ነቲ ኣብዚ ትዕግስቲ ዝመልኦ ዕዮ ሰላም ንምህናጽ ዝገብርዎ ዘለዉ መዓልታዊ ጻዕርታት ከም ዝደገፉ ገለጹ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ፣ ነቶም ብዓመጽ ዝሳቐዩ ኣብ ብዙሓት ክፋላት እታ ሃገር ንዝርከቡ ምንጪ ተስፋ ምዃኑ ብምግላጽ ደገፍ ቅድስቲ መንበር ከም ዘለዎም እውን ኣረጋገጹሎም። እቶም ተሳተፍቲ ንስራሖም ኣፍልጦ ስለ ምሃቦም ንካርዲናል ሰላም ንምህናጽ ኣብ ዝገበርዎ ሓባራዊ ቘራጽነት ምሳታቶም ቅርበት ክህልዎም ከም ዝደልዩ ብምግላጽ ኣመስገንዎም።

07 Aug 2026, 19:17