እርጋን፡ 'እተመሓድሮ ጾር ዘይኮነስ፡ ከተኽብሮ ዘለካ ህያብ' እዩ
ሎሬና ልዮናርዲ
"ኣገልግሎታት ምውዳብ እኹል ኣይኮነን፤ ዝምድናታት ክንሃንጽ ኣሎና" በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ እዩ "ብኣምላኽ ናይ ዘይምርሳዕ ርግጸይናነት ብቁምስናታትን ኣባይቲ ስድራን ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዘይምርሳዕ መዓልታዊ ተመክሮ" ክኸውን ዝኽእል - እንክብል ብዛዕባ እቲ ካብ ዝጅምር ሻድሻይ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ መደብ ሓዋርያዊ ጒስነት ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዝተወፈየ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ኣጒሊሑ፡ ሎሚ ዓመት ሰንበት ዕለት 26 ሓምለ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን እያቄምን ሃናን ወለዲ ቅድስት ድንግል ማርያም - ብኻልእ ኣዘራርባ "ኣቦ ሓጎን ኣደ ሓጎን ኢየሱስ በዓል እዩ” እንክብል የስተብህል።
ዓለማዊ መዓልቲ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ሎሚ ዓመት ኣብ ሻድሻይ 'ሕታሙ' በጺሑ። ንድሕሪት ተመሊስና ክንርእዮ እንኮለና፡ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ጉዕዞ እንታይ ገምጋም ክግበር ይከኣል? ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ዓለምለኸ መዓልቲ በብቑሩብ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ስሩዕ ቆጸራ ኮይኑ ክቕጽል ከም ዝጀመረን። ለበዳ ኮቪድ - 19 ዘምጽኦ ተነጽሎ ምላሽ ንምሃብ ዝተወልደ መዓልቲ ኮይኑ፡ ንኣስተንትኖ እርጋን ዝሰፍሐን ዝያዳ ውሁድን ማዕቀፍ ዝሃበ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ዕላማ ፍሉይ መዓልቲ ንምብዓል ጥራይ ኮይኑ ኣይፈልጥን፣ እንታይ ደኣ ንኣረጋውያን ዝኸውን ሓቀይና ጉስነታዊ ኣገልግሎት ንምምዕባል፣ ኪኖ’ቲ ኣብ ሓልዮትን ሓገዝን ዝተሓጽረ ርድኢት እርጋን ክሰግር ዝኽእል እዩ። ኣረጋውያን ድሕሪ ሕጂ ከም ተቐበልቲ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ከም ንጡፋት ኣካል ጒስነታዊ ህይወት ቤተ ክርስቲያን እዮም ዝረኣዩ። ንሳቶም ርኡይ ክፋል ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ኮይኖም፡ ዝግብኦም ጒስነታዊ ኣቓልቦ ክረኽቡ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ብድሆ ነዚ ንቕሓት እዚ ናብ ተራ ጉስነት ምቕያር እዩ፣ ኣብ ቅርጻዊ ጉዕዞ ዓቕለሲያዊ ማሕበረሰባት ምትእትታው እዩ።
እቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናይቲ ለምዘበል ተዘኪሩ ዝወዓለ ሻድሻይ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን እኖ ሓጎታትን ቅዉም ሓሳብ "ፈጺመ ኣይክርስዓካን እየ" (ኢሳ 49፡15) ዝብል ቅርበት ኣምላኽን ተወፋይነት ሕብረተሰብ ምስ ኣረጋውያን ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዝዮም በይኖም ዝኾኑ ዘጉልሕ እዩ። እዚ መልእኽቲ እዚ እንታይ ጭቡጥ ኣረኣእያታት ይኸፍት? ቃላት ነቢይ ኢሳያስ ገለ ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ ኣረኣእያታት ይኸፍት። ብቐዳምነት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ጓሓፋይ (ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል) ባህሊ" ኢሎም ዝገለጽዎ ክንሰግሮ ይጽውዓና፣ ማሕበረሰባት ወጺኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ክደልዩ ይላቦ። ዋጋ ሰባት ብብቕዓቶም ኣብ ዝዕቀነሉ እዋን፡ እቶም ሓይሎም ወይ ዝኽሮም ዝስእኑ ሰባት ዝተረሰዑ ኮይኑ ክስምዖም ዝድርኽ ሓደጋ ኣለዎ። ልዮን መበል 14 ወሲኾም "ንማንም ዘይርስዕ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ መልሲ ነቲ ህይወት ወዲ ሰብ ብዙሕ ዘጋጥም ዘይፍሉጥነት ገዛእ ርእሱ ናይ ምጥፋእ ክውንነት እዩ።" እቲ መልእኽቲ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ነዚ መለኮታዊ "ዘይምርሳዕ" ርኡይን ዝጭበጥን ምግባር ምዃኑ የዘኻኽረና፣ እዚ ድማ ብዓዋዲ መልእኽቲ Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ክብሪ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ብቃላት ምርግጋጽ እኹል ኣይኮነን፤ ክንረኽቦም ክንወጽእን፣ ብምብጻሕን ወይ ብሕቑፊ ክንቀርብ ከም ዘሎና ይቃላሕ። ብግብራዊ ኣዘራርባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣረጋውያን ክንበጽሕ ይሓቱ ኣለዉ - እዚ ዕድመ እዚ ኣብዚ እዋን ፍሉይ ክብደት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ብዋዒ ሓጋይን መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ካልእ እዋን ዝያዳ ጽዑቕ ዝኾነ ጽምዋን ዝልለ እዩ። እዚ ዝያዳ ማሕበራዊ ስክፍታ ንኽህሉ ዝጽውዕ እዩ። ምስናይዚ ግን ከምዚ ዓይነት ቅርበት ዝተነጸለን ፍልዩን ምልክት ምዃኑ ዘቋርጽ ኣረጋውያን ብሓቂ ኣብ ማእከል ህይወት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝቕመጡ ጥራይ ምዃኑ ተመኩሮ ይምህረና። ሽዑ ኩሉ ሰብ ህላወኦም ክሳብ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ክግንዘብ እዩ: እተመሓድሮ ጾር ዘይኮነስ ክትሕብሕቦ ዝግበኣካ ህያብ እዩ።
ብተግባር እዚ እንታይ ይመስል? ብተግባር እዚ ማለት እቲ ሕብረተሰብ ንጽምዋ፡ ማለት ነቲ ሓቀይና ድኽነት እርጋን ናይ ምፍታሕ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ። ኣገልግሎት ምውዳብ እኹል ኣይኮነን፤ ዝምድናታት ክንሃንጽ ኣሎና። ከምቲ ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እንብሎ፡ እቲ ብድሆ "ካብ ሓገዝ ናብ ህላወ" ምስግጋር እዩ፡ ኣረጋውያን ናይ ሓደ ሓባራዊ "ንሕና" ምዃኖም ክስምዖም ዝገብር ኣገባባት መነባብሮ ምፍጣር እዩ። ብእግዚኣብሔር ዘይምርሳዕ ርግጸይናነት ብቁምስናታትን ኣባይቲ ስድራን ዘይምርሳዕ መዓልታዊ ተመክሮ ክኸውን ኣለዎ።
ኣብዚ ዓመታት እዚ ካብ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ተመክሮታት ኣኪብኩም ኣለኹም። ብፍላይ ዕዉታት ተበግሶታት ወይ ጽቡቕ ልምድታት ኣለዉ ድዮም፡ ንቕሓት ንድሌታት ኣረጋውያን እናዓበየ ዝኸይድ ምህላዉ ዘንጸባርቕ?
ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝገብሮ ዘሎ ቀጻሊ ምክትታል፡ ከከም ስነ መልክዓ ምድራዊ ኵነታት ዝተፈላለየ ምላሽ ዝህብ፡ ዘደንቕ ደረጃ ጉስነታዊ ፈጠራ ዘቃልዕ እዩ። ኣብ ብዙሓት ሰበኻታት ላቲን ኣመሪካ እቲ በዓል ምስ ውፉይነት ቅድስቲ ሃና ብቐረባ ዝተኣሳሰር እዩ። ኣብ ቬንዙዌላ ብፍላይ ድማ ኣገልግሎት ጉስነት ኣረጋውያን "ፈጺመ ኣይርስዓኩምን እየ" ዝብል መልእኽቲ ናብ ኩሎም በቲ ርእደ መሬት ዝተሃስዩ ኣረጋውያን ዝበጸሐ ኮይኑ፡ ኣብ እስያን ኣፍሪቃን እውን ካብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ጀሚሮም ንኣረጋውያን ናብ ሕመረት ዓቅለሲያዊ ህይወት ዝመልሱ ብዙሓት ተበግሶታት የቕርባ። ኣብ ኡጋንዳ ርእሰ ሰበኻ ካምፓላ ምናልባት እቲ ዝሰፍሐን ዝዓበየን ንጥፈታት ዘለዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ህንዲ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ዓለማዊ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ንምልላይ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጎስጓሳት ዝፈጠሩ መንእሰያት እዮም። ሓደ ካብቲ ኣብ ኩሉ ዝዝርጋሕ ዘሎ፡ ኣትሪርና ዘተባብዕናዮ ድማ፡ ንበይኖም ዝነብሩ ኣረጋውያን ምብጻሕ እዩ። ብዙሓት ሰበኻታት ብውፉይ ናይ ወለንተይናታት መደባት ኣቢለን ስሩዕ ናይ ምሕዝነት ምብጻሕ ኣዳልየን እየን። ኣብ ኤውሮጳ፡ "ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝግበር ምሕዝነት" ዘተባብዑ ውጥናት ጐሊሖም ይረኣዩ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ንህሞታት ጸሎት ወይ መዘናግዒ ኣብ ሓደ ብምምጻእ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ንኽልቲኦም ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘድክም ወለዶኣዊ ምፍልላይ ይሰግሩ። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ናብ ማእከል ሕብረተሰባዊ ህይወት ምስ ተመልሱ፡ ምሉእ ሕብረተሰብ እዩ ረባሒ ዝኸውን።
ቅዱስ ኣቦና ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣረጋውያን ምቅርራብ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተሓጽረ ነገር ዘይኮነስ ተራ ቅዲ ዓቅለሲያዊ ሕይወት ክንገብሮ ይዕድሙና። ሎሚ እዚ ንኽኸውን ቀንዲ ብድሆታት እንታይ እዮም?
ልዕሊ ኩሉ ድማ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ የድሊ- ኣብ ሕብረተሰብ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ኣረጋውያን ባዕሎም እውን። ዕስራ ወይ ሰላሳ ዓመት ብዘይ ዕላማ ወይ ተልእኾ ምሕላፍ፡ ወይ ካልኦት ከሕልፉ ምፍቃድ ቅቡል ኣይኮነን። እርጋን ናይ ገዛእ ርእሱ መንፈሳውነት ክረክብ ዘለዎ ወቕቲ ህይወት እዩ፤ መወዳእታ እናተጸበኻ ክትመልኦ ወይ ክተመሓደር ዝግብኣካ ባዶ ግዜ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ከምዘየለ ኣምሲልና ግዜ ሓሊፉ ከምዘይፈልጥ ጌርና ምንባር ክንቅጽል ኣይንኽእልን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መልእኽቶም ብቐጥታ ንኣረጋውያን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ "ካብ ድኻም ኣይትፍርሑ!" እዚ ድኽመት እዚ ተቐባልነት ምስ ዝረክብ ንጸሎት ልቢ ከም ዝኸፍትን ንባዕሉ ጸዋዕታ ከም ዝኸውንን ይገልጹ። ናይዚ ጭቡጥ ምልክት ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብልክዕ ንኣረጋውያን ዝህብዎ ተልእኾ እዩ፡ ማለት ኣብ ቀረባ እዋን ሰላም ናብ ዓለም ምእንቲ ክመጽእ ኣብ ጽኑዕ ጸሎት ምስኦም ክጽንበሩ ዘቕረብዎ ጸዋዕታ፡ ስለዚ እርጋን ጸዋዕታ እምበር እምበር መንፈሳዊ ጡረታ ማለት ኣይኮነን።
ምስ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን እኖ ሓጎታትን ንምስናይ ጸጋታት ጉስነት፡ ወግዓዊ ጸሎትን ካልእ ንዋትን ተዳልዩ እዩ። ንመን እዮም ተሓሲቦም፡ ማሕበረሰባት ነዚ ኣጋጣሚ ብጭቡጥ መንገዲ ከብዕልዎ ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ?
እቶም ዝተዳለዉ ጸጋታት - እቲ "ጓሳዊ ዕጥቂ" ዝበሃል፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ዓለማውያን ምመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝርከብ - ንዕዮ ዓቕለሲያዊ ማሕበረሰባት ንምድጋፍ ዝተዳለዉ ግብራዊ መሳርሒታት እዮም። እቲ እማመ ኮነ ኢልካ ቀሊል እዩ: ምስ ኣረጋውያን ቅዳሴ ምብዓል: ብዝበለጸ ኣብ ቤተክርስትያን ካቴድራል: ከምኡውን ንበይኖም ዝነብሩ ኣረጋውያን ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ምብጻሕ። እዚኦም ኣዝዮም ጭቡጣት መምርሒታት እዮም። ምስ ናይ ሎሚ ዓመት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን መርሕ ቃል ብምስምማዕ፡ ማሕበረሰባት ንማንም ከይርስዑ፡ ስለዚ ድማ ነቶም ኣብ ካብ ዓራት ክትንስኡ ወይ ኣብ ንጥፈታት ቁምስናታት ክሳተፉ ዘይክእሉ ከይተረፉ ክበጽሑ ይሕተቱ። ንዓኣቶም እውን ዓለማዊ መዓልቲ ጻውዒት ምሕዳስን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንሰላም ክማልዱ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብዕቱብ ክወስድዎን እዩ፡ እንክብል ብምኽንያት ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦ ሓጎታትን እኖ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዓለማውያን ምእመናንን ኣባይቲ ስድራን ህይወትን ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ጉዳያት ሓዋርያዊ ጒስነት ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ሓላፊ ቪቶርዮ ሸልዞ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።