ድለ

2026.07.05 Inizio periodo di riposo del Santo Padre Leone XIV 2026.07.05 Inizio periodo di riposo del Santo Padre Leone XIV  (@Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወትሩ ከም ጓሳ ነፍሳት መጠን ኢዮም ዝዛረቡ

ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካንን ኣሰናዳኢ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ኣንድርያ ቶርኒየሊ ብዛዕባ ግደ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ሥልጣነ ኣስተምህሮቶምን የስተንትን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ ውግእን ሰላምን ስደትን ወይ ኣብ መዋእል ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (artificial intelligence) ብኸመይ ከም ደቂ ሰባት ክትቅጽል ከም እንኽእል ኪዛረቡ እንከለዉ እውን ከይተረፈ፣ እቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ልዕሊ ዅሉ መንፈሳዊ መራሒ ከም ምዃኖም መጠን ኢዮም፣ ኣገልግሎቶም ዝፍጽሙ ዘለዉ። ናይ ሮማ ጳጳስ ብመሰረት እቲ ብ1929 "ንሮማዊ መሕትት" መልሲ ንምሃብ እተገብረ ውዕል ላተራን፣ ሉዓላዊ ናይታ ኣብ ዓለም ካብ ፍርቂ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዘትውሕድ፣ ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ኢጣልያ እትርከብ፣ ዝነኣሰት ሃገር ማለት ቫቲካን መራሒ ከም ምዃኖም መጠን ድማ፣ ንጕዳያት ደቅሰብ ዝምልከት ዛዕባት ኣመልኪቶም ክዛረቡ እንከለው፣ ከም ፖለቲከይና ዀይኖም ይዓዪ ወይ ይዛረቡ ማለት ግን ኣይኰነን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፣ ብዕለት 4 ጥቅምቲ 1965 ዓ.ም. ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ነዚ ብጽቡቕ ገሊጾምዎ ይርከቡ፦ "እዚ ኣኼባ እዚ ከምቲ ዅላትኩም ኣጸቢቕኩም እትፈልጥዎ፣ ክልተ ዓይነት ባህርይ ኣለዎ፣ ኣብ ሓደ እዋን ብተራን ብዕቤትን ድማ እዩ ዚፍለጥ። እዚ ዚዛረበኩም ዘሎ፣ ከማኻትኩም ሰብ እዩ እሞ ብተራ ቃላት ኢዩ ዝዛረበኩም ዘሎ። ንሱ ሓውኩም ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሓደ ኻብቶም ንሉዓላውያን ሃገራት ዝውክሉ ዝነኣሱ ሰባት እዩ፣ ከመይሲ በዚ ኣረኣእያ እዚ ኽትርእዩና እንተ ደአ መሪጽኩም ንእሽቶን ምሳልያውን ግዝያዊ ሉዓላውነት ጥራይ እዩ ዘለዎ፣ እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ተልእኾኡ ንምፍጻም፣ ናጻ ንኪኸውን ከምኡውን ነቶም ምስኡ ዝተሓባበሩ ሰባት ካብ ዝዀነ ይኹን ሉዓላውነት እዛ ዓለም እዚኣ፣ ናጻ ምዃኑ ንምርግጋጽን ዜድሊ ዘበለ ኩሉ ዝተሓትት እዩ" ክብሉ ኣመልከቱሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኺበጽሑ ኸለዉ ብኡንብኡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኣብ ዝተዛረቡሉ፣ "ምሳኻትኩም ኣብ ውድድር ኪኣቱ፣ ህርፋን ግዝያዊ ስልጣን የብለይን። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ እንሓቶ ነገር እውን የብልናን፣ ዘለዓል መሕትት እውን የብልናን። እንተ ኾነ ባህግና መስመር ንምትሓዝን ሓሰስ ንምባል ፍቓድ ንምርካብን ኢዩ፦ እዚ ድማ ኣብ ዓውዲ ተልእኾና ንኸነገልግለኩም ፍቓድ ንኽንረክብ፣ ብዘይ ዝኾነ መኽሰብ፣ ብትሕትናን ብፍቕርን ከነገልግለኩም ፍቓድኩም ንምሕታት ኢዩ።"

ልክዕ እዩ ንናይ ክርስቶስ ተወካሊ ምሉእ ሓርነት ንምርግጋጽ፣ ዳርጋ ሓደ ዘመን ይገብር፣ ናይ ሮማ ጳጳስን ጓሳ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያንን ሉዓላዊ ዝዀኑሉ ንእሽቶ መሬት ከም ዝህሉ ዝከሓድ ኣይኰነን። እዚ ግን ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሃገር ናጻ ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ ብልክዕ ኣፍልጦ ንምሃብ ተባሂሉ እተገብረ ደኣ እምበር ድርብ ተልእኾ ንምርግጋጽ ኣይኰነን። ዝዀነ ይኹን ክብሪ ወይ ምግናን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ርእሲ ሃገር መጠን ዘለዎም ግደ ምጕላሕ፣ ኣብ ኣገዳስነት እዚ ግደ እዚ ናይ ኣጋንኖ ጌጋ እዩ፣ ምኽንያቱ ነቲ ከም ኣድማሳዊ ጓሳ መጠን ዘለዎም ሓቀይና ተልእኾ ስለ ዝኸፋፍሎ። ንካቶሊካውያንን ካልኦት ክርስቲያን ምእመናንን ከምኡውን ንዅሎም እቶም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዝኾኑ ሰባት፣ ወንጌል ንምስባኽ ጥራይ ዝምስክሩ ጓሳ ኢዮም።

እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ልዑል ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሞንቲኒ፣ ሊቀ ጳጳሳት ሚላኖ ዝንበሩ፣ ብዕለት 10 ጥቅምቲ 1962 ዓ.ም.፣ ኣብ ድሮ መኽፈቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ ኣብ ካምፒዶሊዮ ኣብ ዘካፈልዎ መደረ፣ ነዚ ተልእኾ እዚ ብግቡእ ገሊጾምዎ ኢዮም። ኣብቲ መደረ እቶም ናይ መጻኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ብዛዕባ መወዳእታ ግዝያዊ ስልጣን ቤተ-ክርስትያን፣ ብ1870 ዓ.ም. ግዝኣት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ወደቐት ከምዚ በሉ፦ "ኣብቲ ግዜ እቲ እዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ከም መምህር ህይወትን ምስክር ወንጌልን መጠን፣ ብዘይተለምደ ብርታዐ ዕዮኦም ዝቐጸሉ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ምምሕዳር ቤተ-ክርስትያንን፣ ኣብ ዓለም ኣብ ዘለዎም ስነ-ምግባራዊ ጽልዋን፣ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ደረጃ ዝበጽሑ።"

ንህይወት ወድሰብ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ህላወኡ ክኽበርን ክዕቈብን ክጣበቑን እንከለው፣ ንረብሓ ዅሎም ህዝብታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብዛዕባ ሰላም ክዛረብ እንከለዉ ከምኡውን ነቲ ጽሉል ውድድር ኣጽዋር ደው ክብል ክጽውዑ እንከለዉ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ካብቲ "ፍትሓዊ ውግእ" ዝብል ኣምር ሰጊሮም ክወጹ እንከለዉ፣ ነቲ ሥልጣነ ኣስተምህቶት ቤተክርስቲያን ዝኾነ ማሕበራዊ ሰረተ-እምነት ብምጥቃስ ዝርርብን ምይይጥን ክግበር ክጽውዕ እንከለዉ፣  ንስደተኛታት ሰብኣዊ ክብረቶም ፈጺሙ ከይዝንጋዕን ከም ተቐባልነት ዝግብኦም ሰባት ክቝጸሩን ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ፣ ድኻታት ማእከል ናይ ወንጌል ምዃኖምን፣ ዝያዳ ፍትሓውን ሰላማዉን ሕብረተሰብ ክንሃንጽ ከም ዘሎና እንከዘዘኻኽሩና፣ ንመሰል ሃይማኖታዊ ናጽነት እንክጣበቑ፣ ንደቅናን ንደቂ ደቅናን ምእንቲ ኸነመሓላልፎ ንተፈጥሮ ምክንኻን ኣድላዪ ምዃኑ ክገልሱ እንከለዉ፣ እዞም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ርእሲ ናይ ሓንቲ ሃገር ብምዃን ኣይኮነን ዝነበረ። ቅዱስነቶም ወንጌል ጥራይ ኢዮም ዝሰብኩ ዘለዉ።

(ብኣንድረያ ቶርኔሊ)

14 Jul 2026, 18:43