ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለም ለኻዊ ግብረ ሰናይ: ንመከራ ዓለም ሓጋዚ ኢድ እዩ
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 6 ሰነ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም ናብ ስጳይና ንሰራሕተይናታትን ተገልገልትን ግብረ ሰናይ ናይቲ ኣብ ማድሪድ ዝርከብ ማሕበራዊ ውጥን ሴድያ 24 ሆራስ ኣብ ዘስምዕዎ ምዕዳን "ግብረ ሰናይ ክደናጐ ኣይክእልን ኢዩ" ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን፡ እዘን ቃላት እዚኣተን ቃላት ጥራይ ኣይኰናን፣ የግዳስ ኣብ ገጽ ሰብ እየን ዚርከባ፡ ኣብቶም ኵለ መዳያዊ ሓገዝ ዘድልዮን ኣሕዋትናን ኣሓትናን።
ኣባል ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ሊቀ ጳጳሳት ሉዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ሓላፊ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት - ግብረ ሰናይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተን ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ሓልዮት ዶብ የብሉን ብሃገራውነት እውን ኣይቅየድን እዩ። ስቓይን ህጹጽ ድሌት ኣብ ዘለዎ ቦታ ክበጽሕ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢና ቅልጡፍን ግብራውን ብዚግባእ እተተሓሓዘ ብፍላይ ከኣ ንድኻታት ቈላሕታ ብምግባር ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ቅርበትን ለውሃትን ምእንቲ ኺርእይዎ - ፍቕራዊ ሕቝፊ ቤተ-ክርስትያን ብምምስካር ቤተ ክርስቲያን ከም እትድግፎምን ነረጋግጽ።"
እቲ ብመንገዲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ግብረ ሰናይ ኣቢሉ ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ነቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ብኲናት ዝተሃስየ ህዝቢ ዩክሬይን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ወሽመጥ ቓዛን ሊባኖስን ንዝርከቡ ህዝቢ ብቐጻሊ ዝድግፍ እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣህጉር ምጽንናዕ ምቕራብ ቀጺሎም። እቲ ዝገብርዎ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ንመልክዓ ምድራዊ ስቓይ - ካብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ክሳብ እስያ፡ ኣፍሪቃን ኣመሪካን - ብጹኑዕ ተወፋይነትን ብዘይ ኣፈላላይን ቅርበት ዝገልጽ፡ ብርእደ መሬት ህቦብላን፣ ድርቅን ውሕጅን ምዕልቕላቕ ማይን፣ ግን ከኣ ብመዓልታዊ ዓመጽ፣ ዝተጠንጠኑ ህጻናትን እኹል መግቢ ንምርካብ ዝቃለሱ ኣባይቲ ስድራን ዘማእከለ ኣገልግሎት ምዃኑ ይሕብሩ።
ኣብ ኤውሮጳ ተቐባሊ ህላወ ምዃን
ኣብ ውሽጢ ዶባት ኤውሮጳ’ውን እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ብልጽግቲ እትስኣል ኣህጉር፡ ዛንታታት ድኽነትን ምግላልን ከም ዝረአ ኣስተብሂሎም፡ ኣብታ መስቀላዊ መንገዲ መስመራት ስደት ማእከላይ ባሕሪ ዝኾነት ቆጵሮስ፡ ቅድስቲ መንበር ዑቕባን ብመግቢ፡ ናውቲ ጽሬትን ኣብ ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍን ዝሕግዝ ውጥናት ካቶሊካዊ ማሕበርሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ትድግፍ፡ ንምብራቕ ርሒቑ ድማ ኣብ ጆርጅያ ኣብ ትቢሊሲ ኣባይቲ ንዘይብሎም መንእሰያት ኣድላዪ ዑቕባ ክረኽቡ ዘኽእል ሓገዝ ተቕርብ። እዚ ውጥን እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብውልቆም ዝተሳተፉሉን ሕጂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ምዝዛም ዘብጽሕዎን ዘለዎ ውጥን ህንጸት ኣባይቲ እዩ።
ንማእከላይ ምብራቕን እስያን ምጽንናዕ
ኣብታ እቲ ኣብ ማዕከናት ሓበሬታ ዘይንገረሉ ግን ካብ መዓልታዊ ህይወት ሰባት ስቓይ ዘስዕብ ወግእ ዝካየደላ ሃገረ ሶርያ ማሕበረሰብ ክርስትያን ዘይንገር ጸቕጥን ምፍርራህን ከም ዘጋጥሞን እዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው እውን ቅድስቲ መንበር በቶም ኣብ ሶርያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ሉዊጂ ሮበርቶ ኮና ኣቢሉ ዝለኣኸቶ ሓገዝ የቕርብ ኣሎ።
ኣብ ባንግላድሽ እውን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግብረ ሰናይ ኣብ ክልተ ኣዝዩ ዘሳቒ ዅነታት ዝረአየሉ ከባቢታት በጺሑ ኣሎ።
እቲ ቐዳማይ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መዓስከር ስደተይናታት ኮክስ ባዛር ዝቐርብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ኮይኑ፡ ኣብኡ ድማ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ስደተይናታት ሮሂንጃ ከም ዝርከቡ ገሊጾም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝቐጸለ ደገፍ ብምቕጻል ኣብዚ ቐረባ ግዜ ነቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገሮም ኢሎም ዝጽውዕዋ ሃገር እውን ዘይብሎም ሰባት ተወሳኺ ጭቡጥ ረድኤት ሰዲዶም እዮም።
እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብቐጻሊ ብኸቢድን ምዕልቕላቕ ማይ ዝዓነወ ሰበኻ ቻቶግራም ዝምልከት ኮይኑ። ኣብኡ ድማ መሰረታዊ ነገራት ንምዝርጋሕ ናይ ሕርሻ ንጥፈታት ንምምላስ ተበግሶታት ድሕንነት መግቢ ንኣብያተ ትምህርትን መእለዪ ዘኽታማትን ንምሕጋዝ ከምኡውን ነቲ ዝዓነወ ኣባይቲ ንምጽጋን ዘድሊ ሓገዝ ይቐርብ ኣሎ።
ጭቡጥ ደገፍ ናብ ቓዛን ሊባኖስን እውን ይበጽሕ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ሰብኣዊ ረድኤት በቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣቢሉ ብውግእ ንዝተሃሰዩ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ከም ዘቕረበ የረጋግጹ።
ኣፍሪቃ ክትሓዊ ምሕጋዝ
ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ሮማ ጳጳስ ግብረ ሰናይ ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ እዩ። ኣብ ቡርኪናፋሶ ሰበኻ ኡዋሂጉያ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ንዝተመዛበሉን ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ሰባትን ብፍላይ ከኣ ንጥዕና ኣደን ቈልዑን ቈላሕታ ዝገበረ ሓገዝ ተላኢኹ እዩ።
ኣብ ኬንያ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ግብረ ሰናይ ዝለኣኾ ረድኤት ንማእከል መእለይ ህጻናት ቅድስቲ ኣንጄላ ኢምቡ ነቶም እተጠንጠኑ ኣብ ጐደናታት ዚነብሩ ቘልዑ ዝሕግዝን ኣብኡ ድማ እንግዶት ብምቕራብ ክወሃሃዱን ስሩዕ መግብን ትምህርትን ክረኽቡ ንዘካይዶ ኣገግልግሎት ግብረ ሰናይ መሳለጢ ዘድሊ ሓገዛት ኣቕሪቡን የቕርብ እውን ኣሎ።
ኣብ ማዳጋስካር ድሕሪ እቲ ዕለት 10 ለካቲት ዘጋጠመ ህቦብላ ጌዛኒ ዝወረደ ዕንወት ርእሰ ሰበኻታት ቶኣማሲና ዘቕረቦ ጻውዒት መሰረት፡ እቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ግብረ ሰናይ ላዕለዋይ ቤት ጽሐት ካብ ህጹጽ ምዕዳል ምግቢ ጀሚርካ ክሳዕ ዳግመ ህንጸት ኣባይትን መነባብሮ ምምላስን ብዙሕ ደረጃታት ዘለዎ ምላሽ ይድግፍ ኣሎ።
ኣብ ዛምብያ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ዘጋጠመ ብርቱዕ ድርቂ ምኽንያት እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልግሲ ከምቲ ኣቦ ንደቁ ዚከናኸኖም ንነፍሲ ወከፎም ብምሕጋዝ ቅርበቱን ደገፉን የረጋግጽ።
ሓደ ካብ ታንዛንያ ዝወጸ ዛንታ፡ መስዋእትን ፍቕርን ንቤተ-ክርስትያን ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ ኻብ ዝዀነ ይኹን ኣሃዛዊ ጸብጻብ ንላዕሊ ዘርኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቆስጣንጢኖስ ዝስሙ ዜጋ እታ ሃገር ኣብ እዋን ቅዳሴ በዓል ትንሳኤ ንቆሞሱ ካብ ፈተነ ቅትለት ብምድሓን ከቢድ ጕድኣት ዝወረዶ ሓንቲ እግሩ ዝሰኣነ ዘድሊ ሕክምና ክረክብን ብእግሩ ንኺኸይድ ዜኽእሎ መሓውሩ ኸም ዚረክብ ተገይሩ እዩ እንክብሉ ይገልጹ።
ዳግመ ሕንጸት ኣብ ኣመሪካ
ኣብ ስግር ኣትላንቲክ ድማ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓጋዚ ኢድ ነቶም ዝተጸገሙ ምብጻሕ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ ኣርጀንቲና፡ ኣብ ሰበኻ ቱኩማን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዘጋጠመ ዓመጽ ህቦብላታት ፡ ንኣስታት 450 ተቓላዕቲ ህጻናትን መንእሰያትን ዘገልግል ማእከል መመገብን ሞያዊ ህንጸትን ኣዝዩ ዝሃሰየን ብዙሓት ካብኣቶም መዓልታዊ መግቢ ወይ ትምህርታዊ ንጥፈታት ከይረኽቡ ዝገብር ኩነታት ንምእላይ እቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዘብጽሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ናይ ዳግመ ሕንጸት ሓገዝ ከም ዘቕረበን ኣብ ሰሜን ርሒቑ ኣብታ ማሕበራዊ ዘይምርግጋእን ዕጡቓት ዓመጽ ጕጅለታትን ንመብዛሕትኡ ህዝቢ መዓልታዊ ህይወት ዳርጋ ዘይከኣል ዝገበረላ ሃይቲ፡ ተስፋ ዝቖረጹ ኣባይቲ ስድራ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓገዝ ዘቕርብ ግብረ ሰናይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግብን ሕክምናውን ጽሬትን ደገፍን ክበጽሕ ይገብር ኣሎ።
ኣብ ቬንዙዌላ ግብረ ሰናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክልተ ተመላላእቲ መልክዕ ሒዙ ይሳለጥ ኣሎ። ብመንገዲ እቲ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣቢሉ ዝሳለጥ ውጥን ምቕራብ ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳልጥ ኣሎ። ንተማሃሮ ኣብቲ ኣብ ማቫካን ዝርከብ ቤት ትምህርትን ኣብ ላ ኤስመራልዳ ዝርከብ መሕደሪ ቤት ትምህርትን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝቕጽል መግቢ ናይ ምቕራብ ውጥን ይካየድ ኣሎ፡ ብዓቢኡ ድማ ነቶም ኣዝዩ ድሩት ተበጻሕነት መሰረታዊ ጸጋታት ዘለዎም ማሕበረሰባት ደቀባት የገልግል። ንብዙሓት ካብዞም ቈልዑ፡ እዚ ጥራይ እዩ እቲ እንኮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝረኽብዎ ምሉእ መግቢ።
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ንዝተሃስዩ ሰባት ንምድጋፍ ኵለ መዳያዊ መደባት የሳልጥ ኣሎ። ድሕሪ እቲ ሓደጋ ብቕጽበት ዝተላእከ ናይ መጀመርታ ህጹጽ ኣበርክቶ ስዒቡ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ዳግመ ህንጸት ንምድጋፍ ተወሳኺ ሓገዝ ምምጻእ ቀጺሉ ኣሎ። እቲ ዳሕረዋይ ኣበርክቶ ናብ ርእሰ ሰበኻታት ካራካስ ናይ ዳግመ ህንጸት ተስፋ ዘረጋግጽ ሓገዝ ተላኢኹ እዩ።
ኪኖ ኣድላይነት፡ ጠንቅታት ምቅላዕን ምውጋድን
ነፍሲ ወከፍ እዚ ተበግሶታት እዚ ነቲ ናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ተወፋይነት ዘጉልሕ እዩ - "ልግሲ ብህጹጽ ረድኤት ኣየብቅዕን ኢዩ። ብተወሳኺውን "ነቲ ኣብ ሓጢኣት ሱር ዝሰደደ ስቓይ ዘመንጩ በደላት ንምቅላዕን ንምውጋድን ክንሕግዝ መታን፡ ብዛዕባ ጠንቂ ድኽነት ከነስተንት" ይጽውዓና። እቲ ብዛዕባ ግብረ ሰናይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ "ፍቕሪ መፍትሕ ክርስትያናዊ ሕይወት እዩ። ህጹጽነት ግብረ ሰናይ፡ ከም ወንጌላዊ መልሲ መዓልታዊ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንቀርብ ይድርኸና፡ ከም ቤተ ክርስቲያን፡ ንኽልቲኡ ጸገማቶምን ተስፋታቶምን ክንካፈል" መታን እንክብሉ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ልዊስ ማርቲን ደ ሳን ማርቲን ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።