ተሸለምቲ ናይ ሰላም ኖቤል፡ ክኢላታት ኣብ ቍሸት ስቡሕ ኣንተ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ልዕሊ 200 ተዓወትቲ ናይ ሰላም ኖቤል፣ መራሕቲ ሃገራት ነበር፣ ወከልቲ መናብርተ ጥበብን ክኢላታትን ዕለት 14 ሓምለ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ኣብ ዘሎ ቍሸት ስቡህ ኣንተ ተኣኪቦም ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ኑክልየሳዊ ኲናት ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብዚ ክሳብ ዕለት 16 ሓምለ ዝጸንሕ ዓለማዊ ተሸለምቲ ኖቤል ጉባኤ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ኑክልየሳዊ ኲናትን ዕለት 14 ሓምለ ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ፡ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምሕላው ሰብኣዊ ክብሪ ዝምልከት ኣብቲ Magnifica Humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘመነ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፣ ኑክልየሳውን ርእሰ-ተመሓደርቲ ኣጽዋርን፣ ሓደስቲ ስነ ኣሃዛዊ ውዕላትን ዝቕልቀሉ ዘለዉ ናይ ስነ ኣሃዛዊ ምዕባለ ቀጥዕታትን ውዕል ሮማ ብዛዕባ ዕጥቂ ዘፍትሕን ዘይዕጡቁ ዝፈተሐን ሰላም ብምኽታም ዝዛዘም ኮይኑ፡ ዕላማኡ ድማ ኣብ ምትሕብባር፣ ሰብኣዊ ክብሪ፣ ውሁድ ልምዓትን ሰላምን ዘተኮረ መምርሒ ምሕደራ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምቕራብ ከም ዝኾነ የመላኽት።
እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ መደብ፡ ተኣፋፊ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣብ ኑክልየሳዊ መዋእልን እደ ጥበብ ኣብ ኣገልግሎት ደቅሰብ" ከምኡውን "ስነ ምግባራዊ ብድሆታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ኲናትን" ኣብ ዝኣመሰሉ ኣርእስትታት ምይይጥ ዝካየደሉ ከም ዝኾነን፡ እተን ናይ መጀመርታ ኽልተ መዓልትታት መደብ ናይቲ ዓውደ ጒባኤ ኣብቲ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ጳጳሳዊ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዘሎ Borgo Laudato Si - ቍሸት ስቡሕ ኣንተ ክካየድ ከእንከሎ እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን መዓልቲ ናይቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ናይ ከተማ ሮማ ህንጻ ከንቲባ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከም ዝካየድ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ህሞት ታሪኽ ናይ ሓባር መትከላት ኣድላይነት
“ኣብ ታሪኽ እናዓሞቐ ብዝኸይድ ዘሎ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ ወጥሪ፡ ምብትታን ኣህጉራዊ ስርዓትን እናተጠናኸረ ዝኸይድ ዘሎ ውድድር እደ ጥበብን ዝልለይ ህሞት ኢና እንርከብ” እንክብሉ ብዛዕባ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተን ዋና ኣመሓዳሪ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ቍሸት ስቡህ ኣንተን ካርዲናል ፋብዮ ባጆ ዕለት 14 ሓምለ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ እዞም ጉዳያት እዚኦም ብኸመይ ብቕልጡፍ ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ርእሰ-ተመሓደርቲ እደ ጥበባትን ተሰንዮም ይኸዱ ከምዘለዉ ኣጉሊሖም፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ ድማ ኣገዳስነት እዚ ምትእኽኻብን ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘተ ምድንፋዕን ኣስሚሮም፡ "መብዛሕትኡ ግዜ ናህሪ ምህዞ ካብ ኣስተንትኖ ንላዕሊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ዓለም ንገስጋስ ናብ ሓቀይና ሰብኣዊ ዕላማታት ክመርሕ ዝኽእል ናይ ሓባር መትከላት የድልያ ኣሎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንምትንታን ጥራይ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ከም ዘይኮነ ኣብቲ መደብ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣቦ መንበር Domus Communis Foundation - ትካል ናይ ሓባር ቤትና ካርዲናል ሲልቫኖ ማርያ ቶማሲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስሚሮም፡ “ተስፋ ንምሕዳስ፡ ዘተ ዝከኣል ኮይኑ ከም ዝቕጽል፡ ጥበብ ሕጂ’ውን ንፍልጠት ከሰንዮ ከም ዝኽእል፡ ወዲ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ መጻኢ ናይ ምምሕዳር ዓቕሚ ከም ዘየጥፈአ ንምግላጽ ዝተኣከበ እዩ።
መጻኢ ወለዶታት፡ ኣብዚ ወዲ ሰብ ኣብ ልዕሊ ዕጫኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስልጣን ኣብ ዝወነነሉ ህሞት፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሰብ ሕልና ካብ ምግጣም ምትሕብባር፡ ካብ ፍርሒ ንላዕሊ ዘተ፡ ካብ ኢድካ ምሃብ ድማ ተስፋ ዝመርጹ ምዃኖም ክምስክሩ ይኽእሉ" እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣድላይነት ምምሕዳር ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ
እቲ ናይ መኽፈቲ መደብ Magnifica Humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ንመጻኢ ናይ ሓባር ቤትና” ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ብዙሕ ካብቲ ዘተ በቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተዘርግሐት ናይ መጀመርታ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ልዮን መበል 14 ዓዋዲ መልእኽቲ ግሩም ሰብኣውነት ዝተደረኸ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ጉባኤ ብናይ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕባራት ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ጉዳይ ዝኸታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ካርዲናል ኣንኸል ፈርናንደዝ ኣርቲመ ብዛዕባ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓዋዲ መልእኽቲ ኣማእኺሎም ብዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ትንታነ ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ሓያሎ ፍሉጣት ኣካላት መደረ ከም ዘስምዑን፣ ንሳቶም ድማ ኹዋን ማኑኤል ሳንቶስ፣ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላምን ናይ ሃገረ ኮሎምብያ ርእሰ ብሔር ነበርን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብግሩም ሰብኣውነት ዓዋዲ መልእኽቲ ኣቢሎም ዕጥቂ ዝፈትሐ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከም ዘተሓሳስቡ ብምምልካት እዚ ድማ ብተመሳሳሊ መንፈስ ብምንቅስቓስ ጥራይ ኢና ሰብኣዊ ፍጥረት ክገጥሞ ዘለዎ ኩሉ ናይ ህላወ ሓደጋታት ክንሰግሮ ተስፋ ክንገብር እንኽእል - ቢሎም - ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብዘይ ሰብ ሰብኣዊ ክብሪ፡ ሓላፍነት፡ ተሓታትነትን ልዕልና ሕግን ዝምራሕ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሓያል መጋበርያ ሰናይ ክኸውን ፈጺሙ ዘይከኣል ምዃኑ ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተዓዋቲ ሽልማት ናይ ሰላም ኖቤልን ነበር ዋና ኣማኻሪ ሃገረ ባግላዴሽን ፕሮፌሰር መሓመድ ዩኑስ ኣብ ዘስመዖ መደረ ኣብ መወዳእታ ሓደ ስልጣነን ምጅማር ናይቲ ዝቕጽልን ብኸመይ ንነብር ከምዘለናን መጻኢ ዓለም ኣብ ምቕራጽ መንእሰያት ምትእትታው ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጽኒዖም ከም ዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብዚ መድርኽ ካልኦት መደረ ዘስምዑ ዶክተር ኣግነስ ካላማርድ ዋና ጸሓፊት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ናይ እተሰምየ ዓለም ለኻዊ ትካል ሓልዮ ሰብኣዊ መሰል፤ ዶክተር ኣሚር ባኒፋተሚ፡ መስራትን ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ዓለም ለኸ ማሕበር ውሑስን ስነ - ምግባራውን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፤ ፕሮፌሰር ጀምስ ሙለር፡ ሓባራዊ መስራቲ ኣህጉራውያን ሓካይም ምክልኻል ኑክልይሰሳዊ ኲናት (ትካል ተዓዋቲ ኖቤል ሰላም፡ 1985)፤ ፕሮፌሰር ካረን ሃልበርግ፡ ዋና ጸሓፊት ዋዕላታት ፑግዋሽ (ትካል ተዓዋቲት ኖቤል ሰላም፡ 1995)፤ ከምኡ’ውን ፕሮፌሰር ዴቪድ ግሮስ፡ ተሸላሚ ኖቤል ፊዚክስን ኣቦ መንበር ዋና ኣመሓዳርን መምህርን ኣብ ካሊፎንርኒያ ናይ መንበረ ጥበብ ሳንታ ባርባራን መደረ ከም ዘስምዑን፡ ኣብ ዝተረፈ ናይ ንግሆን ድሕሪ ቀትርን መድርኻት ኣብ ከም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሓያሎ ኣካላት መደረ ከም ዘስምዑን ንሳቶም ድማ ማርያ ረሳ፡ ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሰላምን ሓባራዊት መስራቲትን ዋና ኣካያዲት ስራሕን ራፕለር ናይ እተሰምየ ስነ ኣሃዛዊ መርበብ ሓበሬታ፡ ከምኡ’ውን ተመራመርቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ካብ ከም በዓል ኣንትሮፒክ ተቕዋም ወይ ዲፕማይንድ ተቕዋም ዝኣመሰሉ ኣካላት፡ ኣብቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።