ድለ

2019.08.10 10 agosto 2019: approvati i nuovi statuti dell'Istituto per le Opere di Religione con un Chirografo di papa Francesco 2019.08.10 10 agosto 2019: approvati i nuovi statuti dell'Istituto per le Opere di Religione con un Chirografo di papa Francesco 

ተቕዋም ሃይኖታዊ ተግባር ቫቲካን (IOR) ንጆቫኒ ቦሽያ ዝቕስል ዳይረክተር ክኸውን ይመዝዝ

ተቕዋም ሃማኖታዊ ተግባር ሃገረ ቫቲካን (IOR) ንጆቫኒ ቦሽያ ዝቕጽል ዋና ዳይረክተር ኰይኑ ከም ዝመዘዞ ኣፍሊጡ፣ እዚ ሓድሽ መራሒ ድማ እቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ዳይረክተር ናይዚ ተቕዋም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ስልጣኑ ምስ ኣብቕዐ መዝነቱ ክቕበል ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተፍባር - ባንክ ቫቲካን (IOR) ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ንጆቫኒ ቦሽያ ዝቕጽል ዋና ዳይረክተር ኰይኑ ከም እተመዘን፣ ካብ ዕለት 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ ነዚ መዝነት ከም ዝቕበልን ኣፍሊጡ።

ቦሽያ ነቲ ንኣስታት ዓሰርተው ሓደ ዓመት ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብገደም ናይ ጡረታ መዝነቱ ዘረክብ ዘሎ ጂያን ፍራንኮ ማሚ ክትክእ እዩ።

ማሚ ክሳብ ዕለት 30 መስከረም 2026 ኣብ መዝነቱ ክጸንሕ ከም ምዃኑ ድማ ይገልጽ።

እቲ መዝነት እዚ ብቦርድ ተቘጻጻሪ እቲ ተቕዋም ተወሲኑ፣ ብኮሚሽን ተቘጻጸርቲ ካርዲናላት ናይዚ ተቕዋም ተቐባልነት ረኸበ፣ ከምቲ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይዚ ተቕዋም ተመልኪቱ ዘሎ፣ እዚ መዝነት እዚ "ግልጽነትን ርግኣትን ንምርግጋጽ ተባሂሉ እተወሰነ፣ ኣብ መንጎ ምቍጽጻርን ምምሕዳርን ሓላፍነታትን ዘሎ ንጹር ፍልልይ እተመስረተ፣ ናይ ምምሕዳር መዋቕር ዘንጸባርቕ" ኢዩ።

ወዲ 55 ዓመት ጆቫኒ ቦሽያ፣ ኣብ 2019 ሓላፊ ፋይናንስን CFOን ኰይኑ ኣብዚ ተቕዋም እዚ ተጸምበረ። ኣብ 2021 ከም ሓላፊ ወፍርታት ኰይኑ ድማ፣ ኣብ ምምሕዳር ንብረት ብሓላፍነት ከመሓድር ጸንሐ፣ ካብ 2023 ኣትሒዙ ድማ ምክትል ጠቕላሊ ዳይረክተር ኰይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኢዩ።

ኣብ ከም Salomon Brothers፣ Citigroup፣ RBS፣ ከምኡ ውን Credit Suisse First Boston ዝኣመሰላ ዓበይቲ ትካላት፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቍጠባዊ ዕዳጋታት ናይ ሰላሳ ዓመት ተመክሮ ዘለዎ ኢዩ።

ሞያኡ ብቐዳምነት ኣብ ለንደን እዩ ጀሚሩ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ዓበይቲ ናይ ወፍርታት ባንክ ይዓዪ ነበረ፣ ጸኒሑ ድማ ላዕለዋይ ኣካያዲ ማዕከን ኣማራጺ ገንዘብ ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ቦሽዮ ናብ IOR ቅድሚ ምእታዉ፣ ሓላፊ ቀዋሚ ኣታዊን ልቓሕን ኮይኑ ኣብ Quaestio Capital SGR እዩ ዘገልግል ዝንበረ። ካብ መንበረ ጥበብ ቦኮኒ ብኽብሪ ዝተመረቐ፣ ካብ ለንደን ቁጠባዊ ቤት ትምህርቲ ድማ ቀዳማይ መዓርግ ትምርቱ ብዛዕባ ቍጠባ ዝገበረን፣ ኣብ ርእሲ እዚ ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ተዋማት ቍጠባዊ ውሕስነት ሞያውያን ብቕዓታት ረኸበ ኢዩ።

16 Jul 2026, 12:48