ቅድስቲ መንበር፡ ውጥን ከተማታት ክብሪ ሰብ ንምዕባይ ንቤት ኣልቦነት ዝፈትሕ ክከውን ኣለዎ ቅድስቲ መንበር፡ ውጥን ከተማታት ክብሪ ሰብ ንምዕባይ ንቤት ኣልቦነት ዝፈትሕ ክከውን ኣለዎ  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር፡ ውጥን ከተማታት ክብሪ ሰብ ንምዕባይ ንቤት ኣልቦነት ዝፈትሕ ክከውን ኣለዎ

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰብኣዊ ክብርን ሓባራዊ ጥቕምን ዘደንፍዕ ዘላቒ ከተማታት ምሕናጽን ጸገማት ግዳም ሓደር ምፍታሕን ኣድላዪ ምዃኑ የጕልሑ።

ዜና ቫቲካን

ነፍስ ወከፍ ሰብ ክምዕብል ዘኽእላን ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣበርክቶ ዝገብረላን ዘላቒ ከተማታት ንምፍጣር፡ ገዛ ኣልቦነት ምእላይ ወሳኒ ምዃኑ ቀዋሚ ተዓዛቢ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዕለት 28 ሓምለ 2026 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብምምልካት፡ "ቀጻሊ ኮይኑ ዘሎ ገና ፍታሕ ዘይረኸበ ገዛ ኣልቦነት ንሕልና ማሕበረሰብ ዓለም ድቃስ ዝኸልኦ ክኸውን ይግባእ እንክብሉ ኣብ መልእኽቶም ዘጉልሑ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ "ኩሉ ሰብ ቤተይ ዝብሎ ቦታ ክህልዎ ይግብኦ፡ ዝምድናታት ክሃንጽ፡ ስድራቤታዊ ህይወት ክሕብሕብ፡ ኣብ ማሕበረሰቡ ምሉእ ብምሉእ ክሳተፍ ክኽእል መታን። ስለዚ ኣባይቲ ከም ሸቐጥ ወይ ፋይናንሳዊ ንብረት ጥራይ ዘይኮነስ ከም እምነ ኩርናዕ ሕብረተሰብ ከም ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ክረአ ኣለዎ እንክብሉ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 2026 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሓድሽ ከተማዊ ዛዕባ  ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣጽኒዖም ከም ዘኻኸሩን እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ንዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ብግቡእ ኣብ እተመደበን ብግቡእ እተመሓደርን ከተማታት ዘተኰረ ነባሪ መጻኢ ሓባራዊ ራእይ ዘተኮረ ናይ ሓባር ሰነድ ዝተጸወዐ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር፡

"ከተማታት ብሓድነትን ውህደትን ሓልዮትን ነቶም ዝያዳ ተነቀፍቲ ሰባት ክሓቑፋ እንከለዋ ካብ መንበርን ናይ ስራሕን ቦታ ንላዕሊ ይዀና፥ ከም ዝበሉ ይሕብር።  

ገዛ ዘይምህላው መሰረታዊ መሰላት ናይ ምጥቃም ዓቕሚ የዳኽሞ

ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንሰብኣውነት ሰብ ምሕላው ኣገዳስነቱ ዘነጽር Magnifica Humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲመ መልእኽቲ ብምጥቃስ፥ “ልምዓት ንሰባት ኣብ ማእከል ምስ ዘቐምጥ ብሓቂ ሰብኣዊ ይኸውን” ከም ዝበሉን “እዚ መትከል እዚ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመት ንኣተገባብራ ሓድሽ ዛዕባ ሕንጸት ከተማታት ክመርሕ ይግባእ - ቢሎም - ንምዕባለ ከተማታት ብዝምልከት ግዳም ሓደር ምዃን ክሳዕ ክንደይ "ንሰብኣዊ ክብረት ምጥሓስ እዩ። ገዛ ዘይምህላው ማለት ካብ ስእነት መጸለሊ ንላዕሊ ማለት እዩ፤ ውሕስነት፡ ምርግጋእ ከይህልው ይገብር ብሕትው ናይ ምዃን ስምዒትን ምሕራምን ማለት'ዩ" እንክብሉ ገሊጾም “ገዛ ዘይምህላው ንብዙሓት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምጥቃም ዓቕሚ የዳኽም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንውልቀሰባትን ኣባይቲ ስድራን ኣብ ዑደት ምግላልን ድኽነትን የእትዎም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሱር ጠንቂ ቤት ኣልቦነት ምውጋድ

በዚ ኸኣ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ከተማታትን ሃገራትን “ኣብ ብተመጣጣኒ ዋጋን እኹልን ኣባይቲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተዋደደ ማሕበራዊ ኣገልግሎት” ዝያዳ ወፍሪ ክገብራ ኣተባቢዖም፡ ከምኡ’ውን ነቲ፡ ከም ድኽነት፡ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ወልፊ ዕጸ ፋርስን፡ ጉዳያት ጥዕና ኣእምሮ፡ ምብትታን ኣባይቲ ስድራን፡ ምምዕባልን ግጭትን ዝኣመሰሉ ሱር ጠንቂ ቤት ኣልቦነት ምዃኖም ብምምልካት፡ እዚ ድማ “ብትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰባት፡ በርገሳውያን ማሕበራት፡ ኣብ እምነት ዝተመርኮሳ ትካላትን” ባዕሎም ገዛ ኣልቦነት ዘጋጠሞምን እዩ ዝኸውን። ኣብ መንጎ ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ኣባይትን ጥዕናን ዘሎ ድልዱል ምትእስሳር” ኣብ ግምት ዘእተወ ዝተዋደደ ኣገባብ ዘተባብዕ ስርዓት ኣመሓድራ ኣባይቲ ምድፋእ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልኪቶም "እዚ ምግላልን ምፍልላይን ንምክልኻል'ውን ክሕግዝ'ዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብፍላይ ምስ ቅልጡፍ ከተማነት ዝቃለሳ ዝወሓደ ምዕባለ ዘለወን ሃገራት ንምሕጋዝ፡ ብኣህጉራዊ ምትሕብባር፡ ምስግጋር እደ ጥበብ፡ ህንጸት ዓቕምን እኹል ፋይናንስን “ዝተሓደሰ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ” ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጽኒዖም ከም ዘጒልሑ ኣፍሊጡ።

ልምዓት ከተማታት ብቁመት ህንጻታቱ ጥራሕ ክዕቀን ኣይኽእልን እዩ

ኣብ መወዳእታ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር “ምዕባለ ከተማታት ብቝመቱ ህንጻታታ ወይ ብሓይሊ ቍጠባኣን ጥራይ ክዕቀን ኣይክእልን፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ሕብረተሰብ ምሉእ ብምሉእ ብምስታፍን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ኣበርክቶ ብምግባርን ክምዕብል ብዝገብር ኪደት ክዕቀን ኣለዎ - ቢሎም  ነፍሲ ወከፍ ከተማ ናይ ህዝቢ ማሕበረሰብ ስለ ዝዀነት ነፍሲ ወከፎም ከኣ ብኣምላኽ ክብረት ዝተወሃቦም እዮም። ስለዚ፡ እቲ ሓቀይና መዐቀኒ ዘላቒት ከተማ፡ ንኹሎም ኣባላታ ብኸመይ ከም እትሕዞም፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ንብዙሕ መልክዓት ድኽነት፡ ቀጻሊ ዘይምዕሩይነትን ብከላ ከባብን ንምፍታሕ ኣብ ዘለዋ ዓቕሚ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

30 Jul 2026, 17:05