ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ በርዲቺቭ፡ ጸሎት ምእንቲ ሰላም በማላድነት ቅድስተ ማርያም ደብረ ቀርሜሎስ
ሮበርቶ ፓሊያሎንጋ – በርዲቺቭ፡ ዩክሬን
ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ንመበል 35 ዓመት ምሕዳስ ኣቃውማታት ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንምጽምባል ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ኣብ ዩክሬን ኣብ ዘካየድዎ ዑደት፡ ኣብ በርዲቺቭ ሰንበት ዕለት 19 ሓምለ ኣብ ኣብ መካነ ንግደት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ደብረ ቀርሜሎስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን በርዲቺቭ ኣብ ዩክሬንን ኪኖኡን ካብ ዝርከቡ ናይ ካቶሊካውያን ቅዱሳን ቦታታት ሓደ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።
ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ካብ ምብጻሕ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ
ሊቀ ጳጳሳት ጳውሎስ ሪቻርድ ጋላገር ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ፍሉይ ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኮይኖም ኣብታ ሃገር ዕለት 16 ሓምለ ዝጀመርዎ ጓሳውን ስነ ሜላውን ክሌኣዊ ርክብን መዳያት ዘጠቓልል ምስ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ታሪኻዊ ምብጻሕ ኣብ ዩክሬይን ዝኽሪ መበል 25 ዝተተሓሓዘ ሓዋርያዊ ዑደት ብምቕጻል፡ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ዑደቶም ኣብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘቀርሜሎስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ናይቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዘጠቓልሎ ጓሳውን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሸነኻቱ ብምዝኽካር፡ ልዕሊ ኩሉ ግን “ብጸሎት ምሳኻትኩም ብፍላይ ምስ ሕሙማትን ዝሳቐዩን ሓቢረ” ከምኡ’ውን ኣብ ቅድሚ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘቀርሜሎስ ምእንቲ ህያብ ሰላምን ፍትሕን ንክብርቲ ሃገርኩም ክጽልይ እዩ - ቢሎም - ኣደ እግዚኣብሔርን እኖ ቅዱስ ዝናር ደብረ ቀርሜሎስ፡ ሕጂ ናባኺ ንመለስ ኣሎና፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብዚ ዝኽበር ተኣምራዊ ምስልኺ፡ ብጸሎትን ምስጋናን ብምቕራብ እግዚኣብሔር ሰላሙ ክህበና ንልምን” ኢሎም።
ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዩክሬይን ሊቀ ጳጳሳት ቪስቫልዳስ ኩልቦካስ ተሰንዮም ኣብቲ ኣብ 1634 ዝተሓንጸ ቤተ መቕደስ ቅድስቲ ማርያም ዘቀርሜሎስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ወከልቲ ሰበስልጣንን ኣብ ዮክሬይን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ካብ መላእ እታ ሃገር ዝመጹ መንፈሳዊ ነጋድያንን ኣብ ዩክሬይን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ስቪይስቶስላቭ ሸቭቹክን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያንን ወከልቲ ከም ዝሓበሩን፡ ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር ኣብ መበል 35 ዓመት ምሕዳስ ኣቃውማታት ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዩክረይን ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ክሳብ ዕለት 21 ሓምለ ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ዑደት ብምቕጻል ዕለት 19 ሓምለ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኩሉ ምእንቲ ሰላም ክጽሊ ተማሕጺኖም።
ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅርበት
ኵሉ ሰብ ብፍላይ ነቶም ብሰንኪ እቲ ውግእ ዝያዳ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ኣብ ልቦም ከዕቍብዎም ናይ ኪየቭ - ዢቶሚር በዓል መንበር ጳጳስ ቪታሊይ ክርይቭይስክዪ ቅድሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ተማሕጺኖም፡ እዚ ህዝቢ እዚ ናይ ኣምላኽን ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ምትእትታው የድልዮም ቢሎም - ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጸሎትን ቅርበትን ኣቕሪቦም ኣብ ዘስሞዎ ስብከት፡ "ካብ ፈጣሪናን መድሓኒናን ኣምላኽ ዚበልጽ" "መገድታት ሰላም" ዚፈልጥ "ስቓይ ደቅሰብ" ዚርድኦን "ትርጕም ህይወት ኪመልሰናን ከበርትዓናን ከሐድሰናን ዚኽእል ዋላ ሓደ አልቦን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሓይሊ ጸሎትን ሰላምን ከም ውህበት ኣምላኽ
ካብ መጽሓፍ ነገስታት እተወስደ ናይ ዕለቱ (ዕለት 19 ሓምለ) ምንባብ፡ ኤልያስ ቅድሚ ምስማዕን ልመናኡ ቅድሚ ምፍጻሙን ሸውዓተ ግዜ ጸሎቱ ናብ ኣምላኽ ክብ ከም ዘበለ ይገልጽ። እቲ ነብዪ ምስ ጎይታ ኣብ ደብረ ቀርሜሎስ ተራኺቡ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እግዚኣብሔር “ንህዝቡን ምድሮምን ህይወት ዝህብ ዝናም” ከም ዝሰድድ ርግጸይና ነበረ። ስለዚ ጸሎቱ ቀጻሊ እዩ ነይሩ ዝበሉ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ “ኤልያስ ድሮ ንነዊሕ እዋን በቲ ብደቂ ሰባት ዝወረዶ ዝነበረ ስደት ከይተሰናበደ ጸኒዑን ክሳዕ መወዳእታ ጽንዓትን ምትእምማንን ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። “ስለዚ ኣብነት ኤልያስ ኣእዳውና ክብ ካብ ምባል ከይነቡክር፡ ኣብ መንጎ ጸገማት ተስፋ ከይንቖርጽ፡ ኣብ ጸሎት ከይደኸምና ክንጸንዕ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ተስፋ ህያው ክንገብርን የተባብዓና። ጎይታ ኣብ መጀመርታ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ክፍሊ ከም እነንብቦ መልሲ ዘይህብ ኮይኑ እኳ እንተተራእየ፡ ድሕሪ ናይ ኤልያስ ሻብዓይ ፈተነ ግን ምልክት ይልእኽ። እቲ ነብዪ ንመወዳእታ ግዜ ናብ ሰማይ ጠመተ እሞ “ኣዝዩ ንእሽቶ ደበና ካብ ባሕሪ ክለዓል ይርእ . . . ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ “መልሲ ኣምላኽ ብብዝሒ፡ ብመልክዕ ብርቱዕ ዝናብ ከም ዚመጽእ ይርዳእ . . . እዚ ድማ ሓቀይናን ብዙሕን ጸጋታት ካብ ኣምላኽ ጥራይ ክመጽእ ከም ዝኽእል ንምርዳእ ይሕግዘና - ልክዕ ከምቲ እንምህለሎ ዘሎና ሰላም - እዚ ልዕሊ ኹሉ “ህያብ ኣምላኽ” እዩ። ጽንዓት ከነቋርጽ ወይ ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን፣ ምኽንያቱ “እግዚኣብሔር ካባና ዝጽበዮ እምነት፣ ምስ ጽድቂ ተግባራትና፣ ንስሓን ትሕትናን ምትእምማንን ጸሎትን ጥራይ እዩ” ኢሎም።
ኣማላድነት ወላዲተ ኣምላኽ
ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ጸሎትና "ኣብ ኣምላኽን ኣብ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ ኣማላድነት ሓይሊ ተወኪልና ይቕረታ ምሕታት" እውን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ ማርያም በቲ እነኹልካ ዝብል መልሳ ኣቢላ ነቲ ዝተዳለወላ መገዲ" ብተኣማንነት ብምስዓብ ንኣምላኽ ብተኣዛዝነት ዝነበረቶ ኣብነት፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ምሉእ ብምሉእ ክንስዕብ ድሉዋት ዲና” እንክብሉ ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ኣደነት ማርያም እውን ባዕሉ ኢየሱስ ዝሃበና ውህበት እውን ምዃኑ ኣብሪሆም፡ "እዚ ንዓና ዓብዪ ውህበትን ፍሉይ መሰልን እዩ፡ እንተዀነ ግን ንኣደ ኣምላኽ ዘሎና ሓላፍነት እውን ዘነጽር እዩ። ነዚ ውህበት እዚ ብዝያዳ ብዝፈለጥናዮ መጠን ጥራይ እዩ ምእንታና ዘለዋ ኣማልድነት ዝያዳ ውጽኢታዊ ዚኸውን፡ . . . እቲ እኩይ "ኣብ መንጎ ሰባት ጽልእን ምፍልላይን ሞትን" ከም ዝዘርእ ጥራይ ዘይኰነስ "ናብ ተስፋ ምቝራጽን ምድንጋርን ጭንቀትን ብፍላይ ከኣ እተጠንጠኑ ዀይኑ ክስምዓናን ኣብ ዓለም ኪሕግዘናን ኬዕቍበናን ዚኽእል ዋላ ሓደ ኸም ዘየለ ብሰላህሕታዊ ተግባራቱ ብምፍታን ምስ ዘእምነና ኣብ ተስፋ ምቝራጽን ንወድቕ” . . .
ኣብ እግዚኣብሔር ዘለና ፍቕርን ተስፋን ምትእምማንን ዘጥፍእ ነገር የልቦን
ኣብ ካልኣይ ንባብ፡ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ዝተወስደ ኮይኑ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ “ ከም ደቂ ኣምላኽ ዘሎና ክብረት” ይዛረብ። ብሰንኪ እዚ ክብሪ እዚ “ኣብ እዋን ጽንኩር ወቕቲ ብዘይ መግቢ፣ ማይ፣ ኤሌክትሪክ ወይ መውዓዪ ዝገድፈና ውልቃውን ሓባራውን ጠንቅታት ብዘየገድስ ናይ ኣካላዊ ድኻምና ወይ ድኽነትና ጊልያዎት ኣይኮናን” ዝበሉ ብጹዕነቶም፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክብረትና ከጉድሎ ዝኽእል ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን—ዋላ እቲ ዘጥቅዓና ዲያብሎስን ውግእ እውን ከይተረፈ። ደቂ ኣምላኽን ደቂ ኣደ ኣምላኽን ምዃንና ብሓቂ ምስ እንፈልጥ፡ ስለ ምዉታትና ክንሓዝን እንኮለና እውን ናብ ዓሚቝ ሓዘን እይክንጥሕልን ኢና። . . . እዚ ሕጂ ዘሎ ህሞት ንብዓት ነቲ ኣምላኽ ባዕሉ ኣብ ውሽጥና ዝዘርኦ እምነትን ፍቕርን ተስፋን ከጥፍእ፣ ልክዕ ዝኾነ ውግእን ሞትን ነቲ ኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ወይ ነቲ ዝዓደለና ጸጋታት ከጉድሎ ስለ ዘይክእልን እዩ ምስ በሉ ቀጺሎም ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ስብከቶም፡ ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ንዅለን ኣብያተ-ክርስትያናትን ሃይማኖታውያን ማሕበረሰባትን ኣብዛ ሃገር፡ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ብድሆታት ዜጋጥሞም ዘሎ ሰበ - ስልጣን መንግስቲ ነማላድነት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም በዓልቲ በርድይቺቭ ብምቕራብ፡ ነቶም ኣብ ግንባር ዘለዉ ኣማልድሎም፤ ንዝሞቱን ንዝቘሰሉን ጽንዓት ኩንዮም፡ ብእምነትናን ብግብርና ፍትሕን ሰላምን ከም ደቂ ኣምላኽ መጠን ናይ ሓቂ ኽብረትና ምእንቲ ኺበርህ ምእንቲ ዅላትና ንጸሊ። እቲ መሓሪ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ዩክረይን ኰነ ኣብ ካልእ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ኣዚና እንምነዮ ሰላም ምእንቲ ኺህበና ምእንታና ድኻታት ሓጥኣን ኣማልድልና! እንክብሉ ብዘቕረብዎ ጸሎት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።