ድለ

ቻይና፡ ጳጳስ ዮንግኩን ተራዳኢ ሰበኻ ባሜንግ ተሰምዮም ቻይና፡ ጳጳስ ዮንግኩን ተራዳኢ ሰበኻ ባሜንግ ተሰምዮም 

ቻይና፡ ጳጳስ ዮንግኩን ተራዳኢ ሰበኻ ባሜንግ ተሰምዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጳጳስ ፍራንሲስ ኻቪየር ዱዋን ዮንግኩን ዕለት 15 ሰነ ኣብ ውሽጣዊ ርእሰ -ምምሕዳር ዞባ ባሜንግ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ስምምዕ ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ተራዳኢ ጳጳስ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ዕለት 30 ሓምለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ፍራንሲስ ዣቪየር ዱዋን ዮንግኩን ዕለት 29 ሓምለ ኣብ ባሜንግ ኣብ ውሽጣዊ ርእሰ-ምምሕዳር ዞባ ቻይና ተራዳኢ ጳጳስ ንኽኾኑ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 15 ሰነ ከም ዝሰመይዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እዚ ሽመት እዚ ደድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን እተገብረ ግዝያዊ ስምምዕ መሰረት ድሕሪ ምጽዳቑ ዝመጸ ኮይኑ፡ ጳጳስ ፍራንሲስ ዣቪየር ዱዋን ዮንግኩን ዕለት 6 ታሕሳስ 1980 ኣብ ሃንግጂን ሁቺ ውሽጣዊ ሞንጎልያ ዝተወልዱ ኮይኖም፡ ካብ 2000 ክሳዕ 2007 ሄበይ ኣብ ዝርከብ ተቕዋም ቲዮሎጊያ ዝተመሃሩን ካብ 2008 ክሳዕ 2013 ኣብ መንበረ ጥበብ ቤጂንግን መንበረ ጥበብ ስነ ወጻኢ ጉዳያት ቤጂንግን እውን ከም እተመሃሩን ዕለት 1 ጥሪ 2011 ኣብ ሰበኻ ባሜንግ ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን ካብ 2013 ክሳዕ 2016 ኣብ ታይዋን ኣብ ዝርከብ ፉ ጀን ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ትምህርቶም እውን ከም ዝቐጸሉን ናብ ሰበኻኦም ምስ ተመልሱ  ካብ 2016 ክሳዕ 2020 ዋና ኣመሓዳሪ ናይቲ ኸባቢ ማእከል ሕንጸት ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ጸኒሖም ድማ ተራዳኢ ጳጳስ ባሜንግ ከምኡውን ቆሞስ ካቴድራል ናይታ ሰበኻ ኰይኖም ከም ዘገልገሉ የመላኽት።

30 Jul 2026, 17:01