2026.07.16 ካርዲናል ጹፒ ኣብ ዩክረይን ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም 2026.07.16 ካርዲናል ጹፒ ኣብ ዩክረይን ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም 

ካርዲናል ጹፒ ኣብ ዩክረይን ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም

ካርዲናል ጹፒ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደቶም ኣብ ዩክሬን ዕለት 16 ሓምለ ናብ ሮማ ከም እተመልሱን ድሕሪ ጽምብል መዓልቲ ሃገራውነት ዩክሬን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኢጣልያ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ኣንድሪ ሲቢሃን ካልኦት ሰበስልጣንን ከም እተራኸቡን ኣብዚ ርክብ እዚ እውን ብዛዕባ ምሩኻት ኲናት፡ ምምላስ ናብ ሩሲያ ዝተወስዱ ህጻናት ዩክሬን፡ ሰብኣዊ ሓገዝን ከምኡ እውን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሩስያ ክበጽሑ ዝብል ካብ ስድራቤታት እሱራት ዝቐረበ ሕቶታት ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ካርዲናል ማተዮ ማሪያ ጹፒ ድሕሪ እቲ ኣብ 2023 ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣብ ዩክረይን ካልኣይ ተልእኾኦም ዛዚሞም ዕለት 16 ሓምለ ናብ ሮማ ከም እተመልሱን ኣብ መንጎ ዞባ ልቪቭን ኪየቭን ኣብ ዝጸንሑሉ ናይ ኣርባዕተ መዓልትታት ዑደቶም፡ ናይቶም ንሰላምን ሰብኣዊ ክብረትን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ናይ ዘቕርቡ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅርበትን ጸሎትን ድማ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ርክብ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ

ካርዲናል ጹፒ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ሲቢሃ ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ዘተ፡ ሲቢሃ ቅድስቲ መንበር ንዘለዋ ሰብኣዊ ጽምዶ ኣመስጊኖም፡ ኣብ ቀጻሊ ጻዕርታት ሰላምን ሰብኣዊ ቀዳምነታትን ኣማእኪሎም እውን ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡን፡ ኣብቲ ብሩስያ ዝተጎበጠ ዞባ ከርሰን ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ኦለሽኪን ሆላ ፕሪስታንን ሰብኣዊ ተበጻሕነት ከምዘድሊ ዝገለጸ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ መበል 975 ዓመት ዘብዕል ብትካል ትምህርትን፡ ስነ ምርምርን ባህልን ሕቡራት ሃገራት - UNESCO ቅርሲ ዓለም እንክብል ኣብ ልዕሊ ዝሰመዮ ኪየቭ -ፔቸርስክ ላቭራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣልዒሉ፣ ምሕላውን ምሕዳሱን ቀዳምነት መንግስቲ ዩክረይን ምዃኑ ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ ጉዳያት

ምምላስ እሱራት፣ ምምላስ ህጻናት ዩክሬን፣ ሰብኣዊ ሓገዝን ምክልኻል ሰላማዊ ህዝብን ዝምልከቱ ጉዳያት እውን ካርዲናል ጹፒ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ምስ ካልኦት ሰበስልጣን ዩክሬን ኣብ ዝገበርዎ ርክባት እውን ከም እተመያየጡሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ሰብኣውነት ዘማእከለ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር ቀጻሊ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ እዚ እውን ናብ ሰላም ዝወስድ ስጉምቲ ብምዃኑ ድማ ዝከኣል ኵሉ ጻዕሪ ክግበር እዩ። እዚ ድሌት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 እዩ። ሰብኣዊ ተወፋይነት ልዕሊ ፖለቲካዊ ወይ ወተሃደራዊ ርእይቶታት ደው ክብል ኣለዎ - ቢሎም - ካርዲናል ጹፒ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዩክሬን ሓላፍነት ምልውዋጥ እሱራትን ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ’ውን ምስ ኣዝማድ ኣብ ሩሲያ ዝተኣሰሩ ወተሃደራዊ ኣባላትን ሰላማውን ሰባትን ከም እተራኸቡን፡ ካብቶም ንካርዲናልን ኣብ ዩክሬን ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቪስቫልዳስ ኩልቦካስ፡ ዝቐረቡ ሕቶታት፡ ኣስታት 7,000 ኣብ ሩስያ ዝተኣስሩ ዩክሬናውያን ኣብ ዩክሬን ዝተኣስሩ ኣስታት 4,000 ሩስያውያን እሱራትን ዘሳትፍ "ኩሉ ንኹሉ" ዝብል ምልውዋጥ እሱራት ክግበር ዝምልከት ምንባሩ ኣዘካኺሩ፡ ኣብቲ ኣኼባታት ብዛዕባ ደሃዮም ዘይተረኽበ ሰባት፣ ናብ ሃገሮም ንምምላስ፣ ስግር ዶብ ዝተወስዱ ህጻናት ዩክሬን፣ እዚ ድማ ቅድስቲ መንበር ንሓያሎ ዓመታት ተጸሚዳትሉ ዘላ ጉዳይ’ውን ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ብጹዕነቶም ኣብ ዞባ ልቪቭ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ዛኪድ-1 ዘካየድዎ ምብጻሕ ስዒቡ፡ ኣዝማድ እሱራት ዩክረይናውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሩስያ ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ዘለዎ ተስፋ ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

17 Jul 2026, 14:49