ድለ

2026.07.15 ካርዲናል ጹፒ ኣብ ኪየቭ፡ 'ኣምላኽ ፍትሓዊ ሰላም ይሃብ!’ 2026.07.15 ካርዲናል ጹፒ ኣብ ኪየቭ፡ 'ኣምላኽ ፍትሓዊ ሰላም ይሃብ!’ 

ካርዲናል ጹፒ ኣብ ኪየቭ፡ 'ኣምላኽ ፍትሓዊ ሰላም ይሃብ!’

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተልእኾኦም ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ዩክሬን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኢጣልያ ካርዲናል ማተዮ ማርያ ጹፒ ምስ ዝኽሪ ጥምቀት ኪቫን ሩስ ዝጋጠም መዓልቲ ሃገርነት ዩክሬን ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ናብቲ ብለይቲ ሚሳይላት ዳግማይ ንበርገሳውያን ትሕተ ቅርጺ ዝሃረሙሉ ሰማይ እናጠመቱ ካርዲናል ማተዮ ማርያ ጽፒ ካብ ኪየቭ " ፍትሓዊ ሰላም ይሃብ። እሱራት ናብ ቤቶም ይመለሱ ቈልዑ እንደገና ብስድራ ቤቶም ክሕቆፉ ዝጠፍኡ ክርከቡ እቶም ኣብቲ ውግእ ዝተቐትሉ ንዜፍቅርዎም ስድራ ቤቶም ክወሃቡን ሓዘኖም ክገልጹን፡ ሃነጽቲ ሰላም ምእንቲ ኽንከውን ኣብ ነፍሲ ወከፍና ትብዓትን ጥበብን ኣበራብር” እንክብሉ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣኼባታትን ሰብኣዊ ጻዕርታትን

ዕለት 15 ሓምለ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኢጣልያ ኣብ ዩክሬን ምጻሕ ዘካየዱ ካርዲናል ጹፒ ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንምርግጋጽ ዝዓለመ ዑደቶም ብምቕጻል፡ ቅርበትን ጸሎትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምርግጋጽን ንምትሕልላፍን ንሰብኣዊ ጻዕርታት ቅድስቲ መንበር ንምድጋፍን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2023 ዓ.ም. ዝሃብዎም ተልእኾ መሰረት፡ ምልውዋጥ ምሩኻት ኲናት፡ ዩክሬን ብሓይሊ ናብ ሩስያ ተወሲዶምኒ እትብሎም ህጻናት ምምላስን ኣብቲ ግጭት ዝተቐትሉ ናብ ሃገሮምን ስድራ ቤቶምን ምርካብን ዘተኮረ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዕለት 15 ሓምለ ድሕሪ ቀትሪ ካርዲናል ጹፒ ምስ ወከልቲ ትካላት ምስ ወከልቲ ኣብዞም ከባቢታት ዝሰርሑ ማሕበራትን ከባብያዊ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ከም እተራኸቡ ኣፍሊጡ።

ጽምብል ጥምቀት ኪቫን ሩስ'

ካርዲናል ጹፒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 15 ሓምለ ዝኽበር ኣብ 988 ብካቶሊክን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያንን ከም ቅዱስ ዚኽበርን ውርሻኡ ድማ ምስ ታሪኻውን መንፈሳውን መበቈል ምብራቓዊ ኤውሮጳ እተተሓሓዘ መስፍን ቮሎዲሚር ዓብዪ ክርስትና ዝተቐበለሉ ዕለት ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ከም ዝሓበሩን ዕለት 15 ሓምለ ኣብ ዩክረይን በርገሳውን ሃይማኖታውን በዓል ኮይኑ፡ ኣብ 2021 ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ብዝኸተሞ ኣዋጅ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገራዊ ዓውደ - ኣዋርሕ ምልክትቲ ኮይና ብወግዒ መዓልቲ መንግስቲ ዩክረይን ተባሂላ እውን ከም እትጽዋዕ ዜና ቫቲካን የዘኻክር።

ኣብቲ ኣብ ኪየቭ እተገብረ ስነ-ስርዓት ናይ ዩክረይን ግሪኻዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያ ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ስቪያቶስላቭ ሼቭቹክን ከምኡውን ኣደ መንበር ሕብረት ኤውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ለየን ዝርከብዎም ወከልቲ እተፈላለያ ሃይማኖታት ከም እተሳተፉን ኣብዚ ጽምብል እዚ ካርዲናል ጹፒ እውን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ካርዲናል

ካርዲናል ጹፒ ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ሚካኤል፡ ፊት እቲ ወርቃዊ ጉልላት ዘለዎ ገዳም ኣብ እተኻየደ ስነ ስርዓት ጽምብል ከም ዝሓበሩን፣ ካርዲናል ምስ ርእሰ ብሔር ዘለንስኪን ካልኦት ተሳተፍትን ኣብ ውግእ እተቐትሉ ስእልታት ዝተነብሮ መንደቕ ዝኽሪ እውን ምብጻሕ ኣካይዶም፡ እግዚኣብሔር "ፍትሓዊ ሰላም" ኪህብ ከም ዝጸለዩን ነዚ ሓሳብ እዚ ንኣምላኽን ንኣማላድነት ቅዱስ ቮሎዲሚርን ሕድሪ ብምሃብ፣ እቲ ቅዱስ ስም ድማ ናይ ርእሰ ብሔር ዩክረይንን ርእሰ ብሔር ሩስያን ዝካፈልዎ ስም ምዃኑ እውን ብምዝካር፡ "ቅዱስ ቮሎዲሚር ንኣእምሮን ልብን ናይ ክልቲአን መራሕቲ ሃገራት የብርህ መገድታት ፍትሕን ሰላምን ይኸፍት" እንክብሉ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Jul 2026, 14:46