ድለ

ካርዲናል ግሬች ኣብ ቤተ ክርስቲያን እስያ ዝግበር ሲኖዳውነት ጉዕዞ የስተብህሉ ካርዲናል ግሬች ኣብ ቤተ ክርስቲያን እስያ ዝግበር ሲኖዳውነት ጉዕዞ የስተብህሉ 

ካርዲናል ግሬች ኣብ ቤተ ክርስቲያን እስያ ዝግበር ሲኖዳውነት ጉዕዞ የስተብህሉ

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ኣብ ጃካርታ ኢንዶነዥያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 12 ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት ኤስያ (FABC) ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርክባ ኣብያተ ክርስቲያን ነቲ ናይ ሲኖዳውነት ጉዕዞ ንቕድሚት ንምስጓም ዝተጻወተኦ ቀንዲ ተራ የጒልሑ።

ዜና ቫቲካን

"ብዛዕባ ሲኖዳውነት ምዝራብ ዘይኮነስ እቲ ዘገድስ ኣብ ተራ ህይወት ኣብያተ ክርስቲያን ሲኖዳውነት ከመይ ጌርና ክንነብሮ ምድላይ እዩ" እንክብሉ  ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ነቲ ድሕረ ሲኖዶስ ዝካየድ ምዕራፍ ሲኖዳውነት ዝምልከት መሰረታዊ ኣረኣእያ ኣቐሚጦም፡ እዚ ድማ ማእከላይ ተራ ናይተን ናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያን እዩ እንክብሉ ኣብ ጃካርታ ኢንዶነዥያ ክሳብ ዕለት 26 ሓምለ ኣብ ዝካየድ መበል 12 ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት ኤስያ (FABC) ዕለት 24 ሓምለ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስተብሂሎም፡ "ኣርእስቲ ምዕራፍ ኣተገባብራን መንገዲ ጉባኤታትን ብቐዳምነት እታ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን እያ - ቢሎም እዚ መግለጺ እዚ ብባህሪኡ ውደባዊ ጥራይ ከምዘይኮነ ኣስሚሮም፡ እታ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ንኡስ ምምሕዳራዊ ኣወዳድባ ኣድማሳዊት ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ካብ ምዃን ርሒቓ፡ "ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ፡ ወንጌል ዝእወጀሉ፡ ቅዱሳት ምስጢራት ዝጽብበለሉ፡ ምእመናን ድማ ምስ ክርስቶስ ዝእከቡሉ፡ ሓቀይና መግለጺ ቤተ ክርስቲያን እያ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ህያባት፡ ተመኩሮታትን ምስክርነትን ምክፋል

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ "ጸዋዕታ ናብ ሲኖዳውነት ምልዋጥን ኣብ እስያ ድልድልን ድልድል - ሃነጽትን ንምዃን" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣተኵይሮም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ካብቲ እትነብረሉ ጭቡጥ ማሕበረሰባት ዝተፈልየት ረቂቕ ክውንነት ኮይና ክትርዳእ ከምዘይትኽእል ኣዘኻኺሮም። "ሓንቲ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣበርክቶ ኣብ ምግባር እንተቦኺራ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ነገር ትኸልኣ፣ ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ፍልይቲ ቤተ ክርስቲያን "እግዚኣብሔር ንመላእ ኣካል ክርስቶስ ከሀብትም ከም ዝሓሰበ ፍሉይ ህያባትን ተመኩሮታትን ጸጋታትን ፍሉይ ምስክርን" ሒዛ እትመጽእ ስለ ዝኾነት እዩ።

ካርዲናል ግሬች ብዛዕባ እቲ ኣብ 2021 ዝተጀመረ ናይ ሲኖዳውነት ጉዕዞ ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ነቲ ብድሕሪ እቲ መስርሕ ዘሎ መሪሕ ሕቶ ዘኪሮም፡ ከመይ ጌርና ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ክንበጽሕ ንኽእል? ካብዚ መበገሲ ነጥቢ እዚ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ምርጫ መጸ፡ እዚ ድማ "ተሳትፎ ኩሎም ትሕዝቶ ጥራይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፤ ቅድሚ ኩሉ እቲ ኣገባብ ክኸውን ነይርዎ። ብተመሳሳሊ ህዝቢ ኣምላኽ እቲ ተቐባሊ ጥራይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፤ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣርእስቲ ናይቲ ጉዕዞ ክኾኑ ነይርዎም" ስለዚ "ንቤተ ክርስቲያን ምስማዕ - እዚ ድማ ብመሰረቱ ዕላማና ኮይኑ ጸኒሑ እዩ፣ ምኽንያቱ 'ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ትሰምዕ ቤተ ክርስቲያን እያ'- ማለት፣ ብጭቡጥ፣ ንኣቢያተ ክርስቲያን ምስማዕ ማለት እዩ።"

ምሕያል ሓድነትን ምድጋፍ ተልእኾን

ቀጺሎም ካርዲናል ግሬች ኣብ መንጎ እተን ተመኩሮአንን ህያባተንን ከካፍላ ዝተጸውዓ ኣብያተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ምትሕግጋዝ ኣጉሊሖም። መስርሕ ሲኖዳውነት ብቐንዱ ሓደስቲ ጽሑፋት ንምፍራይ ዘይኮነስ "ንሕብረት ዘሐይልን ነቲ ተልእኾ ዝድግፍን ምክፋል ህያባት" ንምምዕባል ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጾም፡

ሓደ ካብቲ ሲኖዳውነት ጉዕዞ ዝወጸ ምህዞታት ድማ restitutio - ምሕዳስ ዝብል እዩ - ቀጻሊ ግብረ መልሲ: ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ናይቲ መስርሕ ናብቶም ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰባት ተመሊሱ ከም ብሓድሽ ክቕበልን ከስተንትነሉን እዩ። "ስለዚ እቲ ምንቅስቓስ ድሕሪ ደጊም ሓደ ኣንፈት ዘይኮነስ ክልተ ኣንፈት ዝነበሮ እዩ - ብሓቂ ክቢ እዩ ነይሩ። እዚ ኣገባብ እዚ፡ መስርሕ ሲኖዳውነት ምስ ሓቀይና ህይወት ናይቶም ማሕበረሰባት ብቐረባ ንኽተኣሳሰር ኣድላዪ እዩ ነይሩ፡ "ነተን ኣብቲ ከባቢ ዝነብራ ኣብያተ ክርስቲያን - ማለት ነቶም በቶም ዝተጠምቁ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝቖሙ 'ብስጋን ብደምን' ህዝቢ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ብምስማዕን ምስማዕን ጥራይ'ዩ፡ ዋላ'ውን ኣባላት ተራ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ እንተኾኑ፡ ስራሕ ናይ ዝተገደበ ቁጽሪ 'ክኢላታት' ምዃኑ እኹል መረጋገጺ ክህሉ ዝኽእል እተኾነ" ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ ንቤተ ክርስቲያናዊ መሰረታት “ዝሓክኽ” ክኸውን የብሉን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍሉይ ተመክሮ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስያ

ካርዲናል ኣገዳስነት ተመኩሮ ናይ እስያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣስሚሮም፡ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ምዝርራብ፡ ብዙሕነት ባህሊ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ውሑዳት ክርስትያን ምህላዎም፡ ምስ ድኻታት ምቅርራብ ኩሎም መንፈስ ቅዱስ ስርሑ ዝቕጽለሎም ቦታታት እዮም። "እቲ መሰረታዊ ሕቶ ብቐንዱ ኣብያተ ክርስቲያን እስያ ካብ ሲኖዳውነት እንታይ ክረኽባ እየን ዝብል ዘይኮነስ "መንፈስ ቅዱስ ብእአን ኣቢሉ ንመላእ ቤተክርስትያን እንታይ ህያብ ከቕርብ ይደሊ" ዝብል እዩ።

እዚ ሕጂ ዘሎ ምዕራፍ - ምዕራፍ ምቕባል - ወሳኒ ክኸውን እዩ፡ ምኽንያቱ፡ ብብዙሕ መዳይ፡ "እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ" ስለዝኾነ - ቢሎም - ሲኖዶስ ኣብ ሰነዳት ይኹን ወግዓዊ ውሳኔታት ጥራይ ዝተሓጽረ ክኸውን ከምዘይክእል ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ክርስቲያን ዝነብር ተመክሮ ክኸውን ከምዘለዎ እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ተራ ጳጳሳት

ተራ ጳጳሳት እውን ብናይ ሲኖዳውነት ኣረኣእያ ይበርህ እዩ፦ "ሲኖዳውነት ናይ ተሳትፎ ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ንጳጳሳት ሰበኻታት ዝተዋህበ ናይ ስልጣን ኣገልግሎት ዓሚቕ ርድኢት ንምርካብ ዝሕግዝ ዕድል እዩ ዝበሉ ብጹዕነቶም፡ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ክሰምዑን ሕድነት እናሓለዉ መስርሕ መመያ ቤተ ክርስቲያን ከሰንዩን ዝተጸውዐ እዮም፡ በዚ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያን ዘሎ ፍርያም ምልውዋጥ፡ "ቤተክርስቲያን ከም ሱታፌን ከም ተልእኾን እናዓበየት ትቕጽል" ብምባል፡ "ትግባረ ሲኖዶስ ምሉእ ፍረ ዝህብ፡ ነፍሲ ወከፍ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓንሳብ ከም ተቐባሊትን ተሰካሚት ህያብን ኣፍልጦ ምስ እትህብ ጥራይ እዩ" እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 Jul 2026, 16:23