ካርዲናል ደ መንዶንሳ ኣብ ፈስቲቫል ፓራቲ : "ምስጢር ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ይበጽሓና"
ቢያንካ ፍራካልቪየሪ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ብራዚል ኣህጉራዊ ስነ - ጽሑፋዊ ፌስቲቫል ፓራቲ (ፍሊፕ) ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 23 ሓምለ ንግሆ ንካርዲናል ኾሴ ቶለንቲኖ ደ ሜንዶንሳ ከም ዘአንገደን፡ ብጹዕነቶም ህየንተ ናይ ባህልን ትምህርትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ እምነትን ባህልን ኣብ ዘተ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዕዮኦም እተመስረተ ቀንዲ ረቛሒታትን ከምኡ እውን ህዝቢ ብራዚል ነቲ Os Enigmas singulares - ንጽል ስግጢር ዘርእስቱ ናይ መጀመርታ እኩብ ስነ - ጽሑፋቱ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝተቀበሎ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ሎሚ እውን ሰባት ከንብብዎ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ምግራም
ኣብቲ ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝቐጸለ ኣኼባ፡ ብርክት ዝበሉ ኣርእስታት ዝተለዓሉ ኮይኖም፡ ከም ድርኺት ሓይሊ ግጥሚ፡ ንካርዲናል ብልክዕ ምግራም፡ "ኣግራሞት ማእከል ዓለም'ዩ፡ ምኽንያቱ ክንድነቕ ዓቕሚ ምስ ዝህልወና፡ ብህይወት ንህልው፡ ማለት ህይወት ኣይትሓልፈናን እያ። ህይወት ኣብ ሕቶ ከተእትወና፡ ብህይወት ክንቑስል ንፈቅድ። ስለዚ፡ ግጥሚ መባእታውነት እዩ - ምግራም፡ ነዚ ምስ ክውንነት፡ ግዳማውን ውሽጣውን ዓሚቝ ዝምድና ዘእትወና ምድንጻው ከም ዘመንጨው ኣብሪሆም ነዚ እዩ ድማ ምስማዕን ምክትታልን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን . . . ስለዚ ክንጽሊ እንተደሊና ኣዒንትና ከፊትና ንዝርዝራት ነገራት፡ ፍጻመታት፡ ንዝሓለፈ ኵሉ ከነስተብህለሉ ይግባእ፡ ምኽንያቱ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ስለ ዝሓልፍ፤ ማለት ምስጢር ኩሉ ግዜ ስለ ዝበጽሓና መዓልታዊ ምስጢር ብስራት ይፍጸም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እሙን ግጥሚ
ግጥሚ፡ ካብ ምናኔ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ "ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጽኑዕ ተኣማንነት" ስለ ዝምንጭው፡ ምስ ክውንነት ምጽናዕ ይሓትት እንክብሉ ካርዲናል ደመንዶንሳ ወሲኾም ብምግላጽ፡ ከም ንኣብነት "ህይወት ንዓና ዘይትግደስ ስለዘይኮነት" ኣብ ህላወና ምስ ዘጋጥም ቝስሊ ንገጥም። "እዚ ግጥሚ ዝያዳ ህያው ዚገብሮ ቍስሊ ሰብኣዊ ንምዃን ዘሎና ተስፋ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን" እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ናይ ቃል ትውፊት
ካልእ ኣብቲ ዝተኻየደ መደብ ዝተዘረበሎም ኣርእስቲ ድማ ባህሊ ቃል ትውፊት ኣብ ምትሕልላፍ ፍልጠት ዝምልከት ኮይኑ፡ እቶም ፖርቱጋላዊ ካርዲናል ናይ ገዛእ ርእሶም ስድርኦም ኣብነት ብምጥቃስ፡ "ኣዝየ ዕድለይና እየ፡ ኣዝየ ዕድለይና እየ ነይረ፡ ዘይተመሃረት፡ ግን ከኣ፡ ፍጹም፡ ናይ መጀመርታ ቤተ - መጻሕፍተይ ዝነበረት ዓባየይ እያ። ከምኡ'ውን ኣብዛ መሬት እቲ ዝያዳ ዘይተለምደ ቤተ - መጻሕፍቲ እንክብሉ ኣቦ ሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ብምዝካር፡ ናይ ቫቲካን ቤተ - መጻሕፍቲ ሓላፊ ኮይነ ዝገልገልሉ ዓመታት ብምዝካር፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ብዓቢ ስምዒት፡ ዓባየይ፡ ግን ከኣ ዓባየይ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ዝሓለፈ ወለዶ ብዓብይ ጦብላሕታ እይ ዝዝክር ዝነበርኩ።" ኩሎም እቶም ዝይተመሃሩ ግን ኣብ ምትሕልላፍ ስነ-ጽሑፍ ሓላፍነት ዝስከሙ . . . ናይ ኢድ ጽሑፍ ባህሊ ብሰንኪ እደ ጥበብ "ኣብ ኣፍደገ ዓቢ ሰውራ" ከምዘሎ ኣመልኪቱ። ምስዚ ብዝምልከት ድማ ነቲ Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዓዋዲ መልእኽቲ “መጻኢ ዝመልአ ጽሑፍ” እንክብሉ ብምግላጽ ሰብ ብእደ ጥበብ ብዝማዕለ መጋበርያታት ክትካእ ዘይከኣል ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ ውህበት ሕልና ዘለዎ እውን ምዃኑ ዘብርህ ሰብኣውነት ዝትንትን እዩ” ከም ዝበሉ ዜናቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጓሶት ናይቲ ሓቀይና
Laudato si - ስብሕ ኣንተ ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ዓዋዲ መልእኽቲ ጠቒሶም "ሓደ ኻብቲ ኣብ ዘመናዊ መዋእል ካብ ዝግለጹ ዓበይቲ ሰውራዊ ሰነዳት" ተባሂሉ ዝግለጽ ዓዋዲ መልእኽቲ ምዃኑ ብምምልካት፡ "ስለዚ ንሕና ጐይተት ተፈጥሮን ኣከባብን ዓለምን ኣይኰንናን፣ የግዳስ ሓለውቲ ኢና፣ ሓለውቲ ኢና፣ ጓሶት ናይቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ክውንነት ኢና። ግጥሚ ኣጠማምታና ንኽንቅይር ንዓለም ንኸነስተውዕል ከምኡውን ኣብ ዓለም እተፈልየ ተልእኾ ሒዝና ከም ዘሎና ንኽንርዳእ ዚሕግዘና እንተ ዀይኑ ንደቂ ሰብ ህሉውን ነቲ ብድሕሬና ዚመጽእን ዓብዪ ኣበርክቶ ዚገብር ይመስለኒ" እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።