ድለ

2026.07.20 AMECEA IN KENYA 2026: A sostegno delle speranze dei giovani dell’Africa Orientale  84 of 86 assets 2026.07.20 AMECEA IN KENYA 2026: A sostegno delle speranze dei giovani dell’Africa Orientale 84 of 86 assets  

ካርዲናል ቸርኒ፦ ብትዕግስቲ ሓቀኛ ድልድል ሓድነት ህነጹ

ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ኣብ መኽፈቲ ሥነ ስርዓት ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ማሕበር ኤጺስቆጵሳውያን ጉባኤታት ጳጵሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅድሴ፣ ንተሳተፍቲ ኣባላት እቲ ማሕበር ንክርስቲያን ምእመናን ብትዕግስቲ፣ ንዓለም ከሓድሱ ኣተባብዕዎም፣ ንመፈስ ቅድስ ብምፍቓድ ድማ ኣብ መጐኦም ክዓዩን ከምኡ ውን ሕብረት ከማዕብሉ ብምምሕጻን ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣካፈልዎም።

ዜና ቫቲካን

ኣብ እዋን ጸገማት ተስፋ ኣይትቝረጹ፣ ንዓለምን ንዅነታታን ስቓያን ንምቕያር ብትዕግስቲ ድልድላት ሕብረት ህነጹ እንክብሉ፣ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ብሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላእለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ መኽፈቲ  እቲ ዓውደ ጉባኤ ንማሕበር ኣባላት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ጳጵሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 19 ሓምለ 2026 ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ "ንሕና ክርስትያን ምእመናን ኣብ ዓለም እንነብር ዘሎና፣ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝገብሮ፣ ንዓለም ካብ ውሽጢ ምእንቲ ክንልውጣን ከነሓድሳን ተጸዊዕና ኢና" በሉ።

ካርዲናል ቸርኒ ካብ ዕለት 18 ክሳዕ 22 ሓምለ ኣብ ናይሮቢ፣ ኣብ መበል 21 ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ናይ AMECEA ይሳተፉ ኣለዉ፣ እዚ ዓውደ ጉባኤ እዚ ካብ ትሽዓተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ 8 ሃገራውያን ጉባኤታት ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝሳተፍዎ ዘለዉ ኢዩ።

እዚ ዓውደ ጉባኤ እዚ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ፣ ካብ ሱዳን ደቡብ ሱዳን ኢትዮጵያ ኤርትራ ኡጋንዳ ኬንያ ታንዛንያ ማላዊ ዛምብያ ከምኡውን ካብተን ምስዚ ዞባ እዚ ዝዳበዋ ሃገራት ጂቡቲን ሶማልያን ዝመጹ 140 ጳጳሳት ይርከብዎም።

ፍረ ነገር ናይዚ ዓመት እዚ ዓውደ ጉባኤ "ናይ AMECEA ሲኖዳዊ ጕዕዞ ምስ መንእሰያት፦ ድልድላት ሕብረትን ተስፋን፣ ፍትሕን ጽቡቕ ምምሕዳርን ምህናጽ" ዝብል ድማ ኢዩ።

መኽፈቲ ጉባኤ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅድሴ
መኽፈቲ ጉባኤ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅድሴ

ድልድላት ሕብረት ምህናጽ

ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ብዛዕባ ምሳሌ ማይ ብሑቝ - ካብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል እተወስደ - ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሓደ መልወሲ እተወሰኸ ማይ ብሑቝ ከም ዝዀነትን፣ ከምኡ ውን ነቲ ብሑቕ ከም እተብኵዖን ገሊጾም።

"እዚ ምሳሌ እዚ ስቓይን ምጕዳል ፍትሕን ንምቕያር፣ ህዱእን ዓሚቝን ውጽኢታውን ዕዮ ኸም ዝሓትት ብንጹር ዜተባብዕ እዩ" በሉ። "ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዜንጸባርቕ መርኣያ ምግባር ዘይኰነስ፣ ምስ ኣምላኽን ምስ ካልኦትን ዓሚቝ ሕብረት ብምግባር፣ ንዓለም ካብ ውሽጣ ብህድኣት ብምቕያር መዓልታዊ ናብራ ምንባር እዩ" ድማ በሉ።

ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዝዓዪ መንፈስ ቅዱስ፣ ንዓለም ብኸመይ ከም ዝቕይራ እውን ወሲኾም ኣስተንተኑ፣ እዚ ኸኣ ምልክታት ዘመን ብምንባብን ምስ ካልኦት ብምትሕብባርን ዝብጻሕ ኢዩ ክብሉ ኣመልከቱ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት፣ "ሓቀኛ ድልድላት ሕብረት ክሃንጹ" ጻውዒት ኣቕረቡሎም፣ "ብዘይ ኣፈላላይ መገድታት ዓለም ብምስዓብ ወይ ብምውህሃድ ክርስትያናዊ መንነትና ብምቅላል ወይ ነቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ጠለብ ብምቕናስ" ዘይኰነስ ከም ማይ ብሑቝ ኣገዳሲ ምንጪ ብምዃን እዩ ዝብጻሕ በሉ።

"በዚ ኸምዚ ኢና መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምህናጽ ብሓቂ እንተሓባበር፣ ኣብቲ እንነብረሉ ዘለና እተፈላለየ ዅነታት ከም 'ማይ ብሑቝ' መጠን ዘሎና ግደ ድማ እንፍጽም" ክብሉ ተላበዉ።

ተጋባእቲ ኣብ ኪደት ናይቲ ጉባኤ
ተጋባእቲ ኣብ ኪደት ናይቲ ጉባኤ

ብትዕግስቲ ድልድላት ምህናጽ

ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ኣስዒቦም፣ ካልእ ኣብቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተጠቒሱ ዘሎ ምሳሌ፣ ማለት ብዛዕባ እቲ ብሕብረት ዚበቍል ስርናይን ክርዳድን ብምጥቃስ፣ ብፍላይ ነቲ ኽርዳድ ካብ ስርናይ ንምፍላይ ብታህዋኽ ዘይምምንቋስ ዝብል ኣምር፣ ነቲ እቲ ዋና ግራት ዘቕረቦ ሓሳባት ኣጕልሑ።

እቲ ሓረስታይ ብዛዕባ እከይ ክርዳድ "ፍትሒ ንምምላስ ህይወት ንምምላስ እኳ እንተ ሓሰበ፣ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብቕልጡፍን ንቀሊልን ባህሪና ዚቕጻዕን ስጕምትታት እንወስደሉን ፈተና፣ ኢዱ ኣይህብን እዩ፣ እዚ ኸኣ ብዓይኒ ዘይርአ፣ እንተ በቘለ ድማ ነቲ ሰናይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ብጻዕሪ ኼጥፍኦ ኣይክእልን እዩ" ክብሉ ኣስተንተኑ።

ካርዲናል ቸርኒ ከም ዝገለጽዎ፣ ከምዚ ዝበለ "ምስትውዓልን ትዕግስትን ኣቀራርባን" ንዅሎም ክርስትያን ምእመናን፣ "ኣብ መንጎናን ምስ ኵሉ ሰብ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ሕብረተሰብን ድልድል ብምህናጽ መዓልታዊ ዲፕሎማሲ ንኼማዕብሉ" ክሕግዞም ኣለዎ ክብሉ ተላበዉ።

"ብታህዋኽን ናብ ዘይፍትሓዊ ፍርድታት ክትኣቱ ኣዝዩ ቐሊል እዩ" ክብሉ ድማ ኣጠንቀቑ።

ንእከይ ብትብዓት ምዅናን

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ፣ ብዛዕባ እቲ ንመንግስተ ሰማያት ከም ንእሽቶ ዘርኢ ኣድሪ ዘቕረበ ምሳሌ እውን ኣስተንቲኖም።

ብፁዕንቶም ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝጸሓፍዎ “ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica Humanitas)  ዘርእስቱ ዓውዲ መልእኽቶም ብምጥቃስ፣ እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ "ነቲ ኣዝዩ ኣሉታዊ ትርጕማት ክውንነት፣ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ዓሚቝ ተስፋ ንኽንነብር ከም ዝጽውዓናን ኣጕልሑ።

"ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ንሶም ናይ ሓሶት ክውንነት ክብሉ ዝጸውዕዎ ነገር የጠንቅቑና ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ ሸለልትነትን ኢድካ ምሃብን እዩ" በሉ። ኣብ ክንዳኡስ ንእከይ ብትብዓት ንምዅናን ጻውዒት የቕትቡልና። ክርስትያን ምእመናን ከም ምዃንና መጠን ኣብ ኵነኔ ጥራይ ደው ክንብል ኣይኰንናን – እዚ ኣድላዪ ኢዩ፣ ግን ከኣ እኹል ኣይኰነን – የግዳስ ነቲ ጐይታ ድሮ ኣብ ቅድሜና ዝኸፍተልና ዘሎ ሓድሽ መገድታት ከነለልዮን ክንስዕቦን ክንጽዕር ኣሎና።"

"ነቲ ኣብ ወንጌል እተመስረተ ምስላ ዘርኢ ኣድሪ ኣብ ልብና ንሓዞ" ክብሉ ድማ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ኣትሪሮም ተዛረቡ። "'መንግስትኻ ትምጻእ' ኢልና ምእንቲ ኽንጽልን ምእንቲ ኽንዓዪን 'ድልድል ተስፋ' ብኸመይ ከም እንሃንጽ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንመሃር ንጐይታ ንለምኖ።"

ኩሎም ተጋበቲ ድማ "ከም ውህበት ሰማይ፣ ድልድላት ሕብረትን ተስፋን ፍትሕን ጽቡቕ ምምሕዳርን" ክሃንጹ ብምጽላይ ስብከቶም ዛዘሙ።

21 Jul 2026, 15:42