'ሰብን ተፈጥሮን፡ ተኣፋፊ ሚዛናት' ዝብል ስእላዊ ምርኢት ኣብ ቍሸት ስቡሕ ኣንተ
ዜና ቫቲካን
“ሰብን ተፈጥሮን: ተነቃፊ ሚዛን” ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረ ናይ ስእሊ ምርኢት ብልዑል ኣልበርት ዳግማዊ ናይ ሞናኮ ማሕበርን ጨንፈር ኢጣልያን ምስ ማሕበር መንእሰያት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምትሕብባር ዝድገፍ ክሳብ ዕለት 30 ሓምለ ንበጻሕቲ ክፉት ዝኸውን ናይ ስእሊ ምርኢት፡ በጻሕቲ ኣብ ውሽጢ ፍጥረት ሰብኣውነት ዘለዎ ቦታ ከስተንትኑ ዝሕግዝ ኮይኑ፡ እቲ ምርኢት ነቲ ብናይ ልዑል ኣልበርት ዳግማዊ ናይ ሞናኮ ማሕበርን ኣብ ተፈጥሮ ዘተኮረ ሽልማት ዝረኸበ ስእልታት ዘጣመረን ንኹሉ ዓይነት ህይወት ዘራኽብ ዓሚቝ ምትእስሳር ዘርእዩ ኮይኖም፡ ብዙሕነት ህይወት መሰረት ሚዛን ናይ መሬት ምዃኑን ነፍሲ ወከፍ ምዝባዕ ናይዚ ስኒት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘይተርፍ ጽልዋ ዘለዎ ምዃኑ ንበጻሕቲ የዘኻኽሩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ምርኢት በጻሕቲ ንጽባቐ ፍጥረት ከስተንትኑ ዝዕድም ኮይኑ፡ ንተቓላዕነት ስርዓት ስነ ምህዳር ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣፍልጦ ይህብ። ኣብ ሮማን ካስተልጋንዶልፎን ዝካየዱ መድረኻት ስዒቡ፡ እቲ ምርኢት ኣብ ካልኦት ከተማታት ኢጣልያ ብዝገብሮ ጉዕዞ ክቕጽል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
'ንፍጥረት ምክንኻን - ስጕምቲ ንምውሳድ ምፍላጥ'
እቲ ምርኢት ቅድሚ ምጅማሩ ቁሩብ ደቓይቕ፡ እቲ "ንፍጥረት ምክንኻን ስጕምቲ ንምውሳድ ምፍላጥ" ዘርእስቱ ዓውደ ኣኼባ ምክያዱን፡ እዚ ኣኼባ እዚ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ሰብኣውነት ኣከባብን ዘሎ ተነቃፊ ሚዛን መንፈሳውን ስነ ምርምርን ባህላውን ኣረኣእያታት ከም ዘቕረበን፡ እዚ ተበግሶ እዚ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን፣ ተወከልቲ ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት፣ ትካላት፣ ምሁራት፣ ተመራመርቲ ስነ - ፍልጠት፣ ክኢላታትን ዓበይቲ ኣካላትን ብሓባር ብዛዕባ ብድሆታት ናይ ምሉእ ስነ ምህዳር ምዕቃብ ብህይወት ምንባር ከምኡውን ደቂ ሰብ ሓባራዊ ሓላፍነት ንምክንኻን ሓባራዊ ቤትና ንኸስተንትኑ ዘራኸበ ኮይኑ፡ እቶም ዕዱማት በቶም ዋና ኣማሓዳሪ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡሕ ኣንተ ካርዲናል ፋቢዮ ባጆ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፣ ነቲ ተበግሶ ብምእንጋድን ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ስነ ምህዳራዊ ብድሆታት ምላሽ ንምሃብ መመያን ስጕምትን ንምድንፋዕ እተወፈየ ቦታ ብወግዒ ከም ዝኸፈቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ እቲ መርሓ ግብሪ በቲ ብስቡሕ ኣንተ ማእከል ዝተመርሐ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ተሳተፍቲ ነቲ ቅድስቲ መንበር ውሁድ ስነ ምህዳር ንምድንፋዕ ዘለዋ ተወፋይነት እተቕርቦ ጭቡጥ ውጥናት ንኽፈልጡ ዝሕግዝ ምዃኑ የመላኽት።
ማርኮ ኮላሳንቲ ኣቦ መንበር ጨንፈር ኢጣልያ ማሕበር ልዑል ኣልበርት ዳግማዊ ሞናኮን ዳኒኤል ብሩኖ ኣቦ መንበር ማሕበር መንእሰያት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን፡ ኣብቲ ዘተ ዋና ኣመሓዳሪ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡሕ ኣንተ ካርዲናል ፋብዮ ባጆ፤ ፕሮፌሰር ዳኒሎ ሞሊኮነ፡ ሓላፊ ጉዳያት ሓምላይ ሃብቲ ኣብ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፤ ከምኡ’ውን ዋና ኣመሓዳሪ ስነ-ዕጽዋት ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኣብ ሮማ ፕሮፌሰር ፋብዮ ኣቶረ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታ፡ እቲ ናይ ዘተ መድርኽ ብጋዜጠይና ዜና ቫቲካንን ራዲዮ ቫቲካንን ዲቦራ ካስተላኖ ሉቦቭ መንጎይናነት ከም እተኻየደን ማርኮ ኮላሳንቲ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ "ኣብ ታሪኽ ምርዳእ እኹል ኣብ ዘይኮነሉ ህሞት ኢና ንነብር ዘለና። ሎሚ ፍልጠት ናብ ሓላፍነት፡ ሓላፍነት ድማ ናብ ጭቡጥ ተግባር ክንቅይሮ ተጸዊዕና ኣለና" ከም ዝበለን ሓለዋ ከባቢ "ንኽብሪ ደቂ ሰባት፡ ንጽሬት ህይወት፡ ማሕበራዊ ፍትሕን መጻኢ መንእሰያት ወለዶን ዝምልከት እዩ። ኣብ መንጎ ባህሊ፡ ስነ ምርምር፡ ትካላትን መንፈሳውነትን ብዝግበር ዘተ ጥራይ እዩ፡ ኣብ ምኽባር ፍጥረት ዝተመስረተ ሓቀይና ቅጥዒ ምዕባለ ምህናጽ ዝከኣል። ንዘይንፈልጦ ክንከላኸለሉ ኣይንኽእልን ኢና” እንክብል ብምዝኽካር፣ ወዲ ሰብ ዘይነጻጸል ኣካል ስለዝኾነ ካብ ተፈጥሮ ክፍለ ዘይክእል ኣብ ውሽጢ ፍሉይን ተኣፋፍን ሚዛን እዩ - ቢሉ - ንካርዲናል ባጆ ኣብ ቫቲካን ነቲ ምርኢት ከአንግዱ ዕድል ስለ ዝረኸቡ ኣመስጊኑ፡ እዚ እውን ካርዲናል ፋብዮ ባጆ ነቲ ተበግሶ ምስ ትምህርታውን ባህላውን ተልእኾ ቍሸት ስብሕ ኣንተ ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዘለዎ ብምግንዛብ ብሓጎስ ተቐቢሎሞ እዮም ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንፍጥረት ናይ ምሕላው ግዴታ
ካብ መንበር ማሕበር መንእሰያት ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዳኒኤል ብሩኖ፡ ጽባቐ ፍጥረት “ጌጽ ዘይኮነስ ጻውዒት እዩ” ከምኡ’ውን “ሓለፋ ዘይኮነስ ግዴታ” ምዃኑ ኣስሚሩሉ፡ መንእሰያት ኣብ ምሕላው ፍጥረት ዘለዎም ኣገዳሲ ተራ ኣስሚሩ፡ ማሕበር መንእሰያት ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንፍጥረት ሓልዮት ንምድንፋዕን ኣብ መንጎ መንእሰያት ሕውነት ንምዕባይን ዘለዎ ተወፋይነት ኣጒሊሑ ብፍላይ ድማ ካብ 2013 ጀሚሩ ብመገዲ ዓለማዊ ቅነ መንእሰያት ኣቢሉ ዘሳልጦ ምዃኑ ብምምልካት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሕውነትን ሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማ እደ ጥበብን፡ ኣብ ሰነዳት ዓዋዲ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስቡሕ ኣንተ - Laudato si ', ኣሃው ኩልነ - Fratelli tutti ብዝብሉ ኣርእስታት ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኻታት ከምኡ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas፡ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ንመንእሰይ ወለዶታት ሓዊሱ ንኹሉ ሰብ ናብ “ትብዓት ሓባራዊ ሓላፍነት” ዝጽውዕ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ምክፋልን ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘዘኻከረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብተወሳኺውን እቲ ብማሕበር መንእሰያት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እተዳለወ ሓምሻይ ኣህጉራዊ ዋዕላ ሕውነትን ትብዓትን ኣብ ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሴኦል ክካየድ ምዃኑ ብምምዝኽካር "ነዚ ስእላዊ ምርኢት እዚ ኣብ ውሽጢ ካተልጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ህንጻ ኣብ ዘሎ ናይ ኣታኽትሊ ስፍራ ንምቕራብ እተገብረ ውሳነ ሃንደበታዊ ኣይኰነን። እዚ ቦታ እዚ ምስ ታሪኹን ጸዋዕታኡን ንመልእኽቲ እዚ ስእልታት የጕልሖ ጭቡጥን ሓባራውን ተወፋይነትን ድማ ከም ዕድመ ገይሩ የቕርብ" ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።