ድለ

2026.07.24 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ህዝቢ ዩክሬን ኣብ ሞንጎ መከራ ተስፋ የለዓዕል 2026.07.24 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ህዝቢ ዩክሬን ኣብ ሞንጎ መከራ ተስፋ የለዓዕል  (Archbishop Gallagher)

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ህዝቢ ዩክሬን ኣብ ሞንጎ መከራ ተስፋ የለዓዕል

ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ መወዳእታ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ተልእኾኦም ኣብ ዩክሬን ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብዛዕባ ጽንዓት ናይቲ "ንናጽነትን ሰላምን ክሳቐ ፍቓደይና ዝኾነ ህዝቢ" ኣስተንቲኖም ነቶም "ኩሉ ዝሰኣኑ" ብምዝካር፡ ቅድስቲ መንበር ንሰብኣዊ ጻዕርን ሰላምን ዘለዋ ተወፋይነት ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣብዚ ግዜን ኩነታትን እቲ ከባቢ ናብ ዩክሬን ክበጽሑ ንዝቐረበሎም ዕድመ ብዕቱብ ይግምግምዎ ከም ዘለዉ ይሕብሩ።

ብሮበርቶ ፓግልያሎንጋ – ኪየቭ

ናይ መወዳእታ መዓልቲ ተልእኾ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ዩክሬን ብነዊሕ ጉዕዞ ዝተለለየ እዩ ነይሩ: ብጹዕነቶም ኣብ ኪየቭ ናብ ክራኮቭ፣ ብልቪቭ ዘጠቓለለ ኣብታ ካብ 2014 ኣትሒዛ ኣብ ኲናት ዝጸንሐትን ካብ ለካቲት 2022 ኣትሒዛ ሙሉእ ወራር ሩስያ ተጻዊራ ዘላ ሃገር ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ዑደቶም፡ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ፡ ተቕዋማዊ፡ ዓቕለሲያውን ጉስነታውን ኣኼባታት ከም ዘካየዱን

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ጉዕዞ ኣብ መበል 35 ዓመት ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሕዳሴ ምኽንያት ኣብ በርዲቺቭ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ መካነ ንግደት ዝተኻየደ ጽምብል ንምስታፍ ኮይኑ፡ እቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ዝተሳተፍዎ ጽምብል ሰንበት ዕለት 19 ሓምለ ከም እተኻየደን፡ ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ብር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ዝተላእኩ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ስቓይን ድኻምን ህዝቢ ብቐረባ ዝረኣዩ ነታ ሃገር ዳግማይ ንምህናጽ ዘለዎም ቆራጽነት፡ ፍትሓዊ ሰላም ንምርግጋጽ ዘለዎም ዓሚቝ ናፍቆትን፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ናብ ንቡር ህይወት ክምለሱ ዘለዎም ድሌትን ብዓይኖም ርእዮም እዮም።

ሊቀ ጳጳሳት ካብ ክራኮቭ ናብ ሮማ ቅድሚ ምብጋሶም ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ናይቲ ዑደት ተመክሮኦም ኣንከካፍሉ፡ ቅድስቲ መንበር ንህዝቢ ዩክሬን ንምሕጋዝ፡ ነቲ ተጻብኦታት ንምዝዛም ምቹእ ኩነታት ንምምዕባል፡ ከምኡ’ውን ዳግማይ ናይ ዕርቂ ሃዋህው ንምህናጽ ኣበርክቶ ንምግባር ዝያዳ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ብምምልካት ነቲ ኣዝዩ ዝጸለዎም ውልቃዊ ጦብላሕታታት እውን የካፍሉ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ዝጀመረ ጉስነታውን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተልእኾኹም ኣብ ዩክሬን ሕጂ ኣብ ምዝዛሙ ይቐርብ ኣሎ። ተኸታታሊ ኣዝዩ ጽዑቕ መዓልታትን ኣኼባታትን ዘጠቃለለ እውን እዩ ነይሩ። ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2022፡ ድሕሪ ምጅማር ምሉእ ኲናት ኣዋርሕ ጥራይ ምብጻሕ ኣክይድኩም፡ ሕጂ ድማ ድሕሪ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ግጭት ተመሊስኩም። ብዛዕባ ሎሚ ዝረኸብኩማዋ ዩክረይን እንታይ ትብሉ፡ እንታይ ስምዒታትከ ኣጋጢሙኩም? ብቐዳምነት ነዚ ምብጻሕ ክከኣል ዝገበሩ ኩሎም ከመስግኖም እደሊ: ልዕሊ ኹሉ ነቲ ዝመርሓና ጎይታ፤ ድሕሪኡ ብርግጽ እቶም ኣብ ዶብ ተቐቢሎም ድሕነትና ዘረጋገጹን ንጉዕዞና ንምምችቻው ዝከኣሎም ኩሉ ዝገበሩ ሰበስልጣን ዩክሬን፤ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላቲንን፤ ከምኡ’ውን ኣብ ዩክሬይን ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቪስቫልዳስ ኩልቦካስ ምስቶም ኣብ ምሉእ ጻንሖትና ዝተቐበሉናን ዝደገፉናን ተሓባበርቶምን ኩሎም አመስግን።

ከምቲ ዝገለጽካዮ ዑደተይ ጉስነትን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዕላማ ዝገበረ ኮይኑ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብቲ ኣብ በርዲቺቭ ዝተኻየደ ጽምብል ክሳተፍ እየ ዝተላእኩ፣ እዚ ጽምብል’ዚ’ውን ምስ መበል 25 ዓመት ምብጻሕ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተጋጠመ እዩ። ሓያል ናይ ማሕበረሰብን ጽምብልን መንፈስ፡ ዓሚቝ ተወፋይነትን ንሰባት ዝያዳ ናብ ኣምላኽ ክምለሱ ዝመርሕ ጽዑቕ እምነትን ረኺበ።

ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሸነኽ ድማ ምስ ግዝያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ርሰ ብሔር ቮሎዲሚር ዘለንስኪን ሓዊሱ ምስ ሰበስልጣን ተራኺብና፡ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ዘሕለፎ ስቓይ ብዙሕ ምስክርነት ሰሚዕና። ኣብዚ ዘጠራጥር የለን: እዚ ዓመጽ እዚ ዘስዓቦ ድኻም ንጹር እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ግን ሓደ ሰብ ንሃገሩ ክብል ዝኸፍሎ ብዙሕ መስዋእቲ ምሉእ ብምሉእ ቆራጽነትን ተጻዋርነትን ህዝቢ ተስተውዕል።

እቲ ኣዝዩ ዝተንከፈኒ ናይቲ ህዝቢ ትብዓት፡ ቆራጽነት፡ ከምኡ’ውን ኣብ እግዚኣብሔር ኣቦ ዘለዎም እምነት እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ንቡር ህይወት ክነብሩ ጽኑዕ ቆራጽነት ኣሎ፡ ስራሕ ክቕጽሉ፡ ደቆም ክኣልዩ፡ ኣረጋውያን ክከናኸኑ፡ ከምኡ’ውን ምስቶም ኣብ ትሕቲ ደብዳብ ዝተሳቐዩ ምትሕግጋዝ ከዕብዩ። ብመንፈሶም ጭዋነቶምን ናጽነቶምን ልኡኣላውነቶምን ንምዕቃብ ብዘለዎም ቆራጽነትን ኣዝየ ተመሲጠ።

ሰንበት ኣብ በርዲቺቭ መካነ ንግደት ክብረ በዓል ቅድስቲ ማርያም ደብረ ቀርሜሎስ መስዋእተ ቅዳሴ መሪሕኩም ኣሽሓት ሰባት ዋላ እኳ ጸገም ኲናትን ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ጸገማትን እንተሃለዎም ተረኺቦም እዮም። ብዙሓት ኣረጋውያንን ስንኩላንን ነቲ ንግደት ፈጺሞም እዮም። እዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ እዚ ህዝቢ እዚ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዎ ውፉይነትን ምስክርነትን ተንኪፉኒ። በርዲቺቭ ንወለዶታት ንነጋድያን ዝቕበል ዝነበረን ዘሎን ታሪኻዊ መካነ ንግደት እዩ። ኣብ ግዜ ፈተናን ጸበባን ድማ ክጽግዑሉ ዝኽእሉ ከውሒ የቕርበሎም።

ብፍላይ እቲ ህዝቢ ኣብኡ ክእከብ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ ምኽንያቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኲናት፡ ኣብ ደገ ኣብ ክፉት ቀጽሪ ናይቲ መቕደስ መስዋዕተ ቅዳሴ ምፍጻም ከቢድ እዩ፡ እቲ ቅዳሴ ኣብታ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ክሕዝን ዝኽእል ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ክድረት ስለ ዝነበሮ። ብኣንጻሩ ዕለት ዕለት 19 ሓምለ ኣብቲ በዓል ኣሽሓት ሰባት ኣብቲ ቅርዓት እቲ ቤተ መቕድስ ብሓጐስ ተኣኪቦም፡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅርበት ክስምዖምን ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ኣማላድነታ ብሓቂ ነዚ ዘስካሕክሕ ውግእ ኣብ መወዳእታ ከብጽሖ ከም ዝኽእል ብተስፋ ተመሊኦም፡ ኣብ ጸሎትን ኣብቲ ንወላዲት ኣምላኽ ዝገብርዎ ውፉይነትን ኣዕሚቖም ኣተኲይሮም ከም ዝነበሩ እምስክር።

ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ተንካፊ መዳያት ናይቲ ተልእኾ፡ ናብቲ ብቦምባ ዝተደብደበ ቦታታት፡ ዝኽሪ ማይዳንን ናብቶም ዝፈትውዎም ሰባት ብምስኣኖም ወይ ገዝኦም ክዓኑ ዝረኣዩ ሰባትን ዝገበርኩምዎ ምብጻሕ እዩ። ኣብ 2022 ንቡቻ፡ ኢርፒንን ቮርዘልን እውን በጺሕኩም ነርኩም፡ ከመይ ኢሉ እዩ ነዚ ዅሉ ንነዊሕ እዋን ምጽዋር ዚከኣል፧ ኣብ በርዲቺቭ ኣብ ዘስማዕክምዎ ስብከት ብዛዕባ ሓይሊ ክፍኣትን ህላወ እቲ እኩይን ተዛሪብኩም . . .  እምነት ነዞም ሰባት እዚኦም ኣጽኒዕዎም እዩ። ንዩክሬን ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ኤውሮጳ ይቃለሱ ከምዘለዉ ይኣምኑ - ብግልጺ ድማ ይዛረቡ። ኣማራጺ ዘይብሎም ኮይኑ ይስምዖም ዝብል እምነት ኣለኒ። ንዓኣቶም እዚ ንህላወ ህዝቦም ዝገብርዎ ቃልሲ እዩ።

ብርግጽ ብዛዕባ ዝተወሰኑ ታሪኻዊ ጉዳያት መሰረት መርገጺ እቶም ዝምልከቶም ወገናት ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና። ሎሚ ዘሎ ክውንነት ግን እዛ ሃገር ከምቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረቶ ክትቅጽል ጥራይ እያ ትምነ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ህዝባ ክሳቐ ተዳልዩ ኣሎ።

ክንደይ ሰባት ከም ዝሞቱ ምርኣይን ምፍላጥን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝኽሪ ናይቶም ክሳብ ሕጂ ዕጫኦም ዘይተፈልጠ - ብህይወት ኣለዉ ድዮም፡ ወይ ሬሳኦም ኣበይ ክኸውን ከም ዝኽእል - ዝተዘርግሐ ስእልታት ምርኣይ ልቢ ዝሰብር እዩ። ንኹሉ ልቢ ይትንክፍ።

በዚ መዘከርታታት እዚ ኣቢሉ ግን ሰባት ትብዓት እቶም ወተሃደራት ክምስክሩን ምስ ኩሎም ኣብ ትሕቲ ቦምባታትን ሚሳይላትን ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ዝሳቐዩ ሰባት ምትሕብባር ክገልጹ ይምነዩ። ነቶም ብሰላም እንነብር፡ ንጽባሒቱ ብሰንኪ ካልእ ደብዳብ ክትበራበር ዲኻ ከይፈለጥካ፡ ወይስ ናይ መወዳእታኻ ክኸውን ይኽእል ድዩ ኢልካ መዓልታዊ ምንባር፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ንምግማቱ ኣጸጋሚ እዩ። ንምርዳእ ኣጸጋሚ እዩ - ዳርጋ ዘይከኣል - ምስናይዚ ግን እዚ መዓልታዊ ክውንነቶም እዩ።

ፖለቲካውን ተቕዋማውን ኣኼባታትኩም ውጽኢቱ እንታይ እዩ ነይሩ? ቅድስቲ መንበርከ እንታይ ዓይነት ብድሆታት ብጭቡጥ ኣገላልጻ ክትምልሶ ትኽእል? ምስ ሰበስልጣን ኣብ ዝገበርናዮ ኣኼባታት ንጻውዒት ስለ ቅዱስ ኣቦናን ቃላቶምን ዓሚቝ ምስጋና በጺሑና እዩ፣ እዚ ድማ ንዓና ምንጪ ምትብባዕ እዩ። ብቐዳምነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ድማ ብር.ሊ.ጳ.

ልዮን መበል 14 እዚ ድማ ቅድስቲ መንበር ምስ ማሕበረሰብ ዓለምን ምስ ሰበ - ስልጣን ሩስያን ንምዝርራብ ዘለዋ ተወፋይነት ከተሐድስን፡ ከምቲ ንካርዲናል ማቴዮ ማርያ ዙፒ ዝተዋህበ ተልእኾ፡ ንህጻናት፡ እሱራትን ሰላማውያንን ናብ ዓዶም ንምምላስ ዝቕጽልዎ ዘለዉ ተልእኾ፡ ሰብኣዊ ጻዕርታታ ክትቅጽል የተባብዕ።

እዚ ንዓይ ዓሚቝ እወታዊ ተመክሮ እዩ። ኪኖ እቲ ናይ ስነ ምንቅስቓስ መስመር ጻዕርን ናብ ዩክሬን ንምብጻሕ ዘድሊ ነዊሕ ጉዕዞን፡ ነቲ ክውንነት ናይ ሎሚ ዓለም ብኢደይ ክትንክፎ ኣኽኢሉኒ እዩ። ኩሉ ሰብ ከምቲ ንሕና እንነብሮ ኣብ ጣልያን ወይ ኣብታ ትውልዲ ዓደይ ዓዲ እንግሊዝ ከምዘይነብር ክንዝክር ይግባእ። ሎሚ ኣብ ዓለምና ጸልማትን ዘጨንቕን ክውንነት ኣሎ። ኢድና ክንህብ የብልናን ብናይ ገዛእ ርእስና መንገዲ ንሕና እውን ሰላም ኣብ ምህናጽ እጃምና ክነበርክት ተጸዊዕና ኣሎና።

ብዙሓት ሰባት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ "ሰማእት ዩክሬን" እንክብሉ ኣብ ዝገለጽዋ ሃገረ ዩክረይን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 መዓስ ከምዝበጽሑ እዮም እንክብሉ ሓቲቶምኹም እዮም። እንታይ መልሲ ክትህብ ትኽእሉ? ዳርጋ ኩሎም ዝረኸብክዎም ሰባት ነዛ ሕቶ እዚኣ ሓቲቶምኒ እዮም። መልሰይ ኣዝዩ ቀሊል እዩ። ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዕድመ እዚ ብጣዕሚ ብዕቱብ ይሓስብሉ ኣለዉ። ብወገንና ከምዚ ዓይነት ዑደት ንዩክሬንን ንሰላም ዓለምን ዝዓበየ ፍረ ንኽፈሪ ትኽክለይና ግዜን ዝምጥን መገድን ንምውሳን ዘድሊ ኩነታት ምጽናዕ ክንቅጽል ኢና።

እቶም ሓይልታት እንተወሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ተኹሲ ደው ኣብ ምባል ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ተስፋ ትርእዩ ዶ? ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ብወገን ዩክሬን ናብቲ ዕላማ ንምዕዋት ሓያል ቆራጽነት ርእየ እየ። እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ክዕወት ይኽእል ድዩ ኣይከኣልን ንምባል ኣጸጋሚ’ዩ፡ እንተኾነ ግን በቲ ኣንፈት ክንሰርሕ ኣሎና።

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ከምቲ ኣብ ቤተ መቕደስ በርዲቺቭ ዝረኣናዮ - ከምኡ’ውን ታሪኽ ናይዚ ብብዙሕ ጸብጻብ ተኣምራት ዝፍለጥ መስተንክር ቦታ ማርያማዊ ውፉይነት ዘዘኻኽረና- ተኣምር ከውርድ ከም ዝኽእል ፈጺምና ክንነጽግ የብልናን።

ኣብ መወዳእታ፡ ዝያዳ ውልቃዊ ሕቶ ክሓትት ዝከኣል እንተኾይኑ፡ ናብ ዓድዅም ክትምለሱ ኢዅም፡ እንታይ ምስሊ ሒዝኩም ኢኹም እትኸዱ፡ ልዕሉ ኵሉ እንታይ ዝኽሪ እዩ ዝሓድገልኩም? ምስሊ ናይቶም ብደብዳብ ዝዓነዉ ሕንጻታትን ኣባይትን። ንኪየቭ ቀረባ ዝኾነ ኣብ ጎደና ብራትስትቫ ታራሲቭትሲቭ ምስ ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ወከልቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሕቡራት ሃገራት - UNHCRን ብሓባር ምብጻሕ ኣካይድና ኢና።

ከምቲ ዅላትና መዓልታዊ እንገብሮ ኣብ ተለቪዥን ምስልታት ምርኣይ ከምኡውን ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣባይቲ ስድራን ከማና ዝኣመሰሉ ተራ ሰባትን ዚነብሩሉ ቦታታት ብኣካል ምብጻሕን ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ምዃኑ ንኽግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ፣ ብብሕተይ እውን ተመኪረዮ እየ።

ኣብ ዙርያኻ ነቶም ኣብኡ ዚነብሩን ኵሉ ነገር ዝሰኣኑን ገጾምን መግለጺኦምን ከምኡውን ነቲ ኣብ ኣዒንቶም ዜንጸባርቕ ዘሎ ዝሓሸ መዓልትታት ኪረኽቡ ዘለዎም ህዱእ ተስፋ ዝሰኣኑ ሰባት ክትርኢ ኸለኻ እዚ ምስልታት እዚ ንዘለኣለም ምሳኻ ዚነብር እዩ፡ እንክብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

24 Jul 2026, 14:49