ዩክሬይን፡ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ፍትሓዊ ሰላም ተኸኣሊ ዝገበር ቅድመ ኩነት ክህሉ ይጽው ዩክሬይን፡ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ፍትሓዊ ሰላም ተኸኣሊ ዝገበር ቅድመ ኩነት ክህሉ ይጽው 

ዩክሬይን፡ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ፍትሓዊ ሰላም ተኸኣሊ ዝገበር ቅድመ ኩነት ክህሉ ይጽው

ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር ኣብ መበል 35 ዓመት ምሕዳስ ኣቃውማታት ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዩክረይን ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ክሳብ ዕለት 21 ሓምለ ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ዑደት የካይዱ ኣለዉ።

ሮበርቶ ፓሊያሎንጋ – ልቪቭ

ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ንመበል 35 ዓመት ምሕዳስ ኣቃውማታት ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ንምጽምባል ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ኣብ ዩክሬን ዑደት ከም ዝጀመሩ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ ቀንዲ ጽምብል ኣብ በርዲቺቭ ሰንበት ዕለት 19 ሓምለ ኣብ ኣብ መካነ ንግደት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ደብረ ቀርሜሎስ ክካየድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራታዊ ትካላትን መግለጺ እንከመላኽት፡ እዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ምስ ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2001 ናብ ዩክሬን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዝተተሓሓዘ ኮይኑ፡ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ምስ ናይቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዩክረይን ሊቀ ጳጳሳት ቪስቫልዳስ ኩልቦካስ ብሓባር ናብ ዩክሬን ቅድሚ ምቕጻሎም ዕለት 16 ሓምለ ኣብ ፖላንድ ከተማ ክራኮቪያ ከም ዝኣተዉን ክሳብ ዕለት 21 ሓምለ ኣብ ዩክረይን ክጸንሑ ከም ዝኾነ ይሕብር።

ኣብ ክራኮቨትስ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ብልኡከ መንግስቲ ዩክሬን ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣንድሪ ዩራሽ፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም፡ ናብታ ኣብ 1998 ትካል ትምህርቲ፡ ስነ ፍልጠትን ባህልን ሕቡራት ሃገራት - UNESCO ኣብ ዝርዝር ቅርስታት ዓለም ዘስፈራ ከተማ ልቪቭ ከም እተጓዕዙን እዛ ከተማ ኣብ 1256 ብንጉስ ዳኒሎ ዘጋሊስያ ዝተመስረተትን ብስም ወዱ ሌቭ ከም ዝሰመያን ዝተፈላለየ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ስነ ህንጻውን ባህላውን ጽልዋታት ዘለዋ ኮይና፡ ልቪቭ ኣብ እዋን ኲናት ብመጥቃዕቲ ሩስያ እውን ከም እተሃሰየትን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መወዳእታ መጋቢት 2026 መጥቓዕቲ ከም ዝወረዳ ይንገር።

“ኣብዚ ክፋል ኤውሮጳ ሰላም ምምላስ”

ዓርቢ ንግሆ ዕለት 17 ሓምለ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ልቪቭ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ሚቺስላው ሞክሪዚኪ ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ኣብ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ምስ ዞባውን ማሕበረሰብኣውን ሰበስልጣን ከም እተራኸቡን ኣብዚ ርክብ እዚ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ፍትሓዊ ምዝዛም እቲ ኲናት ማለት ኣብዚ ክፋል ኤውሮጳ ሰላም ምምላስ ማለት” ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ወሲኾም ቤተ ክርስቲያንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን "ስቓይ ህዝቢ ዩክሬንን መስዋእትታቱን ከም ዘይርስዑን ኣረጋጊጺም፡ ንፍትሓዊ ሰላም ቅኑዕ ኩነታት ክንፈጥር ኣለና" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ሰዓት 9፡00 ንጉሆ፡ ነቶም በቲ ግጭት ህይወቶም ዝሰኣኑ፡ ኣብቲ ቤተ ጸሎት፡ ስነ ስርዓት ጸሎትን ናይ ሕልና ጸሎትን ከም እተፈጸመን፡ ኣብ መላእ ዩክሬይን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብታ ሰዓት እቲኣ ናይ ሓደ ደቒቕ ናይ ሕልና ጸሎት ዝካየድ ከም ዝኾነን እዚ ልምዲ እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ለካቲት 2022 ዝጀመረ ምሉእ ወራር ስዒቡ ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ካብኡ ንደሓር ድማ ወግዓዊ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ዑደት ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዩክሬይን

ብድሕሪኡ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናብቲ ብምምልላስን ብመርበባዊ ኣገባብን ዝተመዝገቡ ኣስታት 30 ሽሕ ተማሃሮ ዘለውዎ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዩክሬይን ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ፡ ነበርቲ ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ከባቢታት እውን ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ 7 ጨንፈር ትምህርትን መዕቆቢታትን ዘጠቓልል መንበረ ጥበብ ከም ዝኾነን፡ ዋላ እኳ እቲ ቀጽሪ ብቐጥታ እንተዘይተሃሰየ፡ ኣብ ጥቓኡ ብዝተፈነወ ቦምባታት ግን ተጸልዩ እዩ። ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ሓደ ሚሳይል ኣብ ሒደት ኣማኢት ሜትሮታት ርሒቑ ብምዕላብ፡ ሓያሎ ሞት ኣስዒቡ እዩ። ተማሃሮን ኣዝማድን ዝርከብዎም ኣስታት ኣርብዓ ኣባላት ማሕበረሰብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኣብ እዋን ኲናት ህይወቶም ስኢኖም እዮም።

ኣቦ መንበር እቲ መንበረ ጥበብ ሊቀ ጳጳሳት ቦሪስ ጉድዚያክ ካብ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዩክሬይን ንሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ኣስሚዖም፡ ናይቲ ትካል ስነ ትምህርትን ማሕበራውን ተበግሶታት ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን "እቲ ኲናት ኣብቲ መንበረ ጥበብ እውን በጺሑ ኣሎ - ቢሎም - ንጉድኣት  ዝድግፍ መደባት ዝካየደሉ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ህይወት እቲ መንበረ ጥበብ ዝተዋሃሃደ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ኣባላት ልኡኽ ቫቲካን ምስቶም ኣብቲ ርክብ ዝሓበሩ ከም እተዘራረቡን ብዛዕባ ተመኩሮታቶም ካብታ ንመደብ ሕንጸት ናይቲ መንበረ ጥበብ እትከታተል እናቴ ማርያ ራዲስት መግለጺ ከም እተወሃቦምን ሊቀ ጳጳሳት ጉድዚያክ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል "ኩሉ ሰብ ሓገዝን ደገፍን ኣብ ምሃብ ተዋፊሩ ኣሎ። ተማሃሮ ንኻልኦት ኣገልግሎት ዘጠቓልል ዘይነጻጸል ምሉእ ውሁድ ትምህርቲ” እውን ከም ዝወሃቦም የስተብህሉ።

ርክብ ምስ ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ሸቭቹክ

ዕለት 17 ሓምለ ምሸት ኣብ ሪቭነ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓጺር ምብጻሕ ዘካየዱ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናብቲ ኣብ ኪየቭ ናብ ዝርከብ ሓዋርያዊ መንበረ ጵጵስና ተጓዒዞም፣ ኣብኡ ድማ ምስ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኪየቭ - ሃሊይች ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ከም እተራከቡ ልኡኽ ዜና ቫቲካን ፓሊያሎንጋ ሓቢሩ።

18 Jul 2026, 16:50