ሓዋርያዊ ዑደት ካርዲናል ጉጀሮቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ዑደት ካርዲናል ጉጀሮቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን 

ሓዋርያዊ ዑደት ካርዲናል ጉጀሮቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ጉጀሮቲ ንማሕበረሰባት እዛ ምብራቓዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስርዓት እስክንድርያ ንምትብባዕ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉን ምስ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ማትያስ እውን ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንምትብባዕ ድሮ ከም እተራኸቡን ኣብ ሰሜን ዞባ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንምትብባዕ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝክታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ክላውድዮ ጉጀሮቲ ምስታ ናይ እስክንድሪያ ስርዓት እትኽተል ርእሰ ምሕድርቲ ካቶሊካዊት ሜጥሮጶሊሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢትዮጵያ ንምርኻብን ንምድጋፍን ንምትብባዕን ንልዕሊ 10 መዓልታት ዝጽበይዎ ዝነበረ ናይ ጉስነት ዑደት ከም ዝጀመሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዕለት 1 ሰነ ምሸት ካብ ሮማ ዝተበገሱ ካርዲናል ንጽባሒቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተዉ ብናይ ኣዲስ ኣበባ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ደመረው ሱራፊኤልን ላዕለዎት ሓለፍቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቭንጎዚ ኡዳይግዌን ቀባብላ ከም እተገበረሎምን፡ ኣብ ካቶሊካዊ ካቴድራል ልደታ ለማርያም ምብጻሕ ከም ዘካየዱ የመላኽት።

ርክብ ምስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን

ካርዲናል ጉጀሮቲ ብሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ንጎዚ ኡዳይግዌን ብካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ተዓጂቦም ናብ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ናይ ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ምብጻህ ከም ዘካየዱን፡ ቀንዲ ናይዚ ርክብ እዚ ቍዉም ነገር ሰላም ዓለምን ንዝተፈላለዩ ህዝብታት ዝጸሉ ብዙሕ ግጭታትንን ዘሎ ሓባራዊ ስክፍታ ምንባሩን፡ ኣብቲ ኣኼባ ካርዲናል ጉጀሮቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምዉቕ ሰላምታ ንፓትርያርክ ማቲያስ ኣመሓላሊፎም፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ እምነት ምስክርነትን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታውን ብሄራውን ማሕበረሰባት ብሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ንምፍጻም ዘለዋ ዓሚቝ ተወፋይነት ከም ዝነኣዱን፡ ፓትርያርክ ማትያስ ብወገኖም ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዘኢትዮጵያ ዘሎ ብሉጽ ዝምድና ኣስሚሮም፣ ኣብታ ሃገር ምርግጋእ፣ ዕርቅን ሰላምን ንምስፋን ልዑል ኣበርክቶ ዘለዎ ክሌኣዊ ዝምድና እውን ምህላዉ ኣስሚሮም፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሕውነታዊ ሰላምታኦም ከመሓላልፉሎም ድማ ሓቲቶም፡ ብፍላይ ቤተ - ክርስትያን ሮማ ብስፍሓታን ግብረ ጉባዊ ቍመናኣን መራሒት ዓለምለኻዊ ክርስትና ስለ ዝዀነት ንካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ብፍቕርን ጥበብን ብጉስነታዊ ተወፋይነትን መሪሕነቶም ድማ ክቕጽሉ ምንዮቶም ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መደምደምታ እቲ ርክብ ካርዲናል ጉጀሮቲ ንፓትርያርክ ጽቡቕ ጥዕናን ነዊሕን ፍረ ዘለዎን ፓትርያርካዊ ኣገልግሎትን ኪህልዎ ልባዊ ትምኒቶም ኣቕሪቦም፡ ከም ምልክት ኣኽብሮትን ሕውነታዊ ዕርክነትን ድማ ንዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዝተሓትመ ናይ ብሩር ሜዳልያ ከም ዘቕረቡሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዑደት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኣል- ነጃሲ

ዕለት 3 ሰነ ካርዲናል ጉጀሮቲ ናብ ኤጳርቅና ኣዲግራት ንምብጻሕ ናብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዞባ ትግራይ ከም ዝኸዱን ኣብ መቀለ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ልደታ ለማርያም ሓጺር ምብጻሕ ምስ ኣካየዱ ኣብ ቍሸት ነጋሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳሳት ኡዳይግዌን ናይ ዓዲ ግራት ጳጳስ ተስፋስላሴ ተሰንዮም ነቲ ንሃይማኖት ምስልምናን ንታሪኽ እስላምናን ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ መስጊድ ኣል-ነጃሲ ምብጻሕ ኣካይዶም እቲ መስጊድ ብስም ንጉስ ኣክሱም እዩ ዚጽዋዕ፣ ንሱ ነቶም ናብዘን ሃገራት ዝመጹ ቐዳሞት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ካብ ዓረብ ሃዲሞም ዕቝባን ኣብ ዞባኡ ብሰላም ኪነብሩ ዝፈቐደሎም ምንባሩን፡ ገለ ካብቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ ሞሓመድ ኣብዚ ቦታ እዚ ከም ኣተቐበሩን ከም ዝኽበሩን እውን ዘዘኻኽረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካርዲናል ጉጀሮቲ ብናይቲ መስጊድ ኢማም ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ንታሪኽ እቲ ቦታን ሃይማኖታውን ታሪኻውን ኣገዳስነቱን ክም ገለጹሎምን ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ሞሓመድ "ከም ኣሕዋት ተቐባልነት ስለ ዝረኸብኩም ንህዝቢ እዛ ምድሪ ፈጺምኩም ከተጥቅዑ የብልኩምን" ዝበሎ ቃላት ነቲ ቀዳሞት ኣስላም ምስ ምድሪ ሓበሻ ዝጥርንፍ ዓሚቝ ምትእስሳር ዝገልጽን ዋጋ ኣጋይሽ ምቕባልን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ሃይማኖታትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዘዘኻኽር ምዃኑ ድማ ከም እተሓበረን፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊ ጳጳስ ዓዲግራትን ክቡር ኢማምን ዘሎ ብሉጽ ዝምድና ከም ዝጎለሐን፣ እዚ እውን ምልክት ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ክልቲኦም ማሕበረሰባት ዘረጋግጽ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በዓል ካቶሊካዊት ካቴድራል ዓዲግራት

ብድሕሪ እዚ ካርዲናል ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ካቴድራል መድሃኔ ኣለምን ዓዲ ግራት ብዙሓት ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ኣብ ዝተጸምበርዎ ጽምብል ከም ዝሓበሩን ትግራይ ደድሕሪ እቲ ኣብ 2020 - 2022 ዝተኻየደ ውግእ ዘስዓቦ ቅልውላውን ምግላልን ትጻወር ከም ዘላ እዩ ዝንገር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካርዲናል ጉጀሮቲ ኣብ ኤጳርቅና ዓዲግራት ዝገብርዎ ጉስነኣዊ ዑደት ክሳብ ዕለት 5 ግንቦት ዝቐጸለ ኮይኑ ዕለት 6 ሰነ ድማ ናብ ኤጳርቅና ባህርዳር - ደሴ፡ ዕለት 9 ሰነ ናብ ኤጳርቅና እምድብር፡ ቀጺሎም ድማ ናብ ኤጳርቅና ኣዲስ ኣበባ ዑደቶም ብምክያድ ዕለት 12 ሰነ ምስ ኩሎም ጳጳሳት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ዘኢትዮጵያ ብዘካይድዎ ርክብ ጉነታዊ ዑቶም ክዛዝሙ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ሓዋርያዊ ዑደት ካርዲናል ጉጀሮቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን
05 Jun 2026, 15:02