ድለ

ባህርያዊ ፍጥረት ባህርያዊ ፍጥረት   (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር፦ ናይ ኣህጕራዊ መዓልቲ ጸሎት ምክንኻን ፍጥረት 2026 ዝኸውን መሪሕ ቃል ኣፍሊጣ

ብዛዕባ ኵለንትናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣህጕራዊ መዓልቲ ጸሎት ምክንኻን ፍጥረት 2026 ዝኸውን ዝመረጽዎ መሪሕ ቃል፡ "ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኲናውቶም ውን ንገዘሞታት ክሰርሕዎም ኢዮም" (ኢሳ 2:4) ዝብል ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ዓመታዊ ጽምብል እዚ ወትሩ ብዕለት 1 መስከረም ኢዩ ዝካየድ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ነቲ ብልሙድ ብዕለት 1 መስከረም ዝበዓል ኣህጕራዊ መዓልቲ ጸሎት ምክንኻን ፍጥረት 2026፡ "ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኲናውቶም ውን ንገዘሞታት ክሰርሕዎም ኢዮም" (ኢሳ 2:4) ዝብል ጥቕሲ መሪሕ ቃል ክኸውን መሪጾም ኣለዉ።

እቲ ብዛዕባ ኵለንትናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ መንጎ ዕጥቃዊ ግጭታትን፡ ብከላ ከባቢን ዘሎ ምትእስሳር ዘጕልሕ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ከምዚ ዝበለ ብከላ ከባቢ፡ ነቲ ንፍጥረት ናይ ምክንኻን ግዴታና ከቢድ ጥሕሰት ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሕይወት ኣማኢት ሚልዮናት ሰባት እውን ናይ ነዊሕ እዋን ስግኣት ምዃኑ ኣስሚርሉ ኣሎ።

ብተወሳኺ እቲ መግለጺ፡ "ውጽኢት ውግእ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዘለዎ ጽልዋ ሕጂ ሰፊሕ ግንዛቤ ዝተረኽበሉ እኳ እንተኾነ፡ እዚ ግን ግጭታት ንምክልኻልን፡ ምስሕሓባት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕን ዘኽእሉ ብቑዓት ትካላት ክምስረቱ ወይ ሓላፍነት ዝመልኦም ውሳኔታት ክውሰዱ ኣይገበረን" ይብል።

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ ኣጽዋር ውግእ ናብ ናይ ሕርሻ መሳርሒታት ከም ዝቕየር ዝተነበየሉ ጥቕሲ፡ "ካብ ዓመጽን ጥፍኣትን ንላዕሊ፡ ንልምዓትን ቀጻልነትን ቀዳምነት ንምሃብ ዝቐረበ ንጹር ዕድመ ኢዩ" ክብል ገሊጹ።

 

03 Jun 2026, 13:02