ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ሓድሽ መምርሕን መርሕነትን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝምርሓሉ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቖም፣ ነቲ ካብ 2015 ዓ.ም. ዝነበረ መርሕነት ሓዋርያዊ ቅዋም ስብኩ ወንጌለ - Praedicate Evangelium መሰረት እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕትን ዝትክእ ዘቖምዎ ሓድሽ መርሕነት ንሰለስተ ዓመት ዘገልግል ምዃኑ ዕለት 13 ሰነ ብኢዶም ኣብ ዝጸሓፍዎ ሰነድ ወግዓዊ ከም ዝገበርዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝተኸተመ ሰነድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 እቲ ዕለት 20 ግንቦት 2026 ነቲ ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕትን ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ሕጊ ምስ ጸደቐ ብቕልጡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝብል ትእዛዝ ዘዘኻኽር እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ጳጳሳዊ ሽማግለ ተሓታትነት ንምድንፋዕ ዘለዎም ተራ
ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንሕትመት እቲ ሓድሽ ሕጊ ውግዓዊ ኣብ ዝገበረ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ዝተመሓየሸ ሕጊ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣሰራርሓ ምሕላው ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕትን ኣብ ምድንፋዕ ዘለዎ ተራ ዘሐይልን፡ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተነቀፍትን ኣብ ህይወትን መሓውራትን ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ዝተወሃሃደ ምዃኑ ከም እተሓበረን፡ ሊቀ ጳጳሳት ቲቦል ቨርኒ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፡ “እቲ ሕጊ ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ናይ ምሕላውን ምሕብሓብን ሓባራዊ ሓላፍነትና ኣብ ምዕማቝ ኣገዳሲ ስጉምቲ ዘመልክት እዩ። ንግዳያት / ዝደሓኑ ምስማዕ ዘንጸባርቕ እዩ - ፡ ንክኢላታት ምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ንተመኩሮ ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያን - ምሕላው ድማ ማእከላይ ቀዳምነት ኮይኑ ከም ዝቕጽል ዘረጋግጽ እዩ” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓደስቲ መዳያት ስልጣን ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ
ብመሰረት እቲ ሽማግለ፡ እቶም ዝተመሓየሹ ሕግታት ዕማሙን ስርሒታዊ ኣድማዕነቱን የሐይሉ፡ ግዳይን ብህይወት ዝተረፉን ሓበሬታ ዝህብ ኣገባባት ኣብ ምጒላሕ ዝቕጽል ኮይኑ፡ እቲ ሕግታት ብተወሳኺ ነቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ምስ ካልኦት ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኩርያ ሮማና ዘለዎ ርክብ የነጽር፣ ከምኡ’ውን “ብደረጃ ዓለም ተሓታትነት፣ ግሉጽነትን ጽቡቕ ናይ ምክልኻል ኣሰራርሓን” ኣብ ምድንፋዕ ዘለዎ ተራ የደልድል።
እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕትን ብቐጥታ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸብጻብ ይህብ ንትሕቲ ዕድመ ቈልዑን ተኣፈፍቲ ሰባትን ካብ ማህሰይቲ ብዛዕባ ምክልኻል ድማ ምኽሪ ይህብ፡ እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕትን “ኣብ ጎኒ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ ምስ እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ምልውዋጥ ሓበሬታ፣ ምምዕባል ኣገባባት ምክልኻል፣ ምድላው ዓመታዊ ጸብጻብን መደባት ምቛምን ብቐረባ” ዝተሓባበር እውን ምዃኑ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተሰመረሉን፡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ሽማግለ ኣየመሓድርን እዩ እንታይ ደኣ ንኣገልግሎት ኩርያ ናብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንምምራሕ ይሕግዝ፡ ከባብያዊ ሓላፍነትን ብቕዓትን ዝተፈላለዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ብምስፋሕ።
ካብቲ እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕትን ዝቐረቡ ምዕባለታት፡ ንናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ምምዕባል ናይ ምክልኻል ማዕቀፋትን ምድንፋዕን ርጉእን ተበጻሕን ስርዓታት ጸብጻብ፡ ከምኡ’ውን “ንግዳያት/ዝደሓኑ ዝቕበሉ፡ ዝሰምዑን ዘሰንዩን” ናይ መስምዒ ማእከላት፡ ከምኡ’ውን ዕቃቤ ምስጢር ውልቃዊ መረዳእታን እናሓለወ ዝገብሮ ዘሎ ቀጻሊ ደገፍ ጎሊሑ ዝረአይ ምዃኑ ኣብቲ ዝተውዋህበ ጋዜጣዊ ምግለጺ ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ዓመታዊ ጸብጻባት
ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕትን ዘቕርቦ ዓመታዊ ጸብጻብ ፖሊሲታትን ኣገባባትን ምክልኻል ቤተ ክርስቲያን ናይ ምድላው ሓላፍነቱ እውን ኣስተብሂሉ፡ እቲ ጸብጻብ ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ኲርያ ሮማናን ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያናዊ ኣካላትን ዝረኽቦ ኣበርክቶ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ዝተረጋገጹ ሕግታትን፡ ዝተኣወጀ ኣሰራርሓ፡ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ስርዓታዊ ጉዳያትን ለበዋታትን ፈልዩ ብምቕራብ፡ “ኩነታት ምክልኻል ኣብ ኵላዊት ቤተክርስትያን” ምሉእ ስእሊ ንምቕራብ ዝዓለመ እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕቲ ሰባትን መሰረታዊ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጾም እዮም። እቲ ዝተመሓየሸ ሕግታት ነዚ ቃል ኪዳንን ተወፋይነት እዚ ደጊሙ ከምዘረጋግጽን ኣብ መላእ ዓለም ንዝካየድ ጻዕርታት ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕትን ሰባትን ኣብ ምሕያል ንናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያን ምስናይ ዘለዎ ተልእኾ ከምዝድግፍን እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕትን ሰባት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ የረጋግጽ።