ካርዲናል ቸርኒ፦ 'ግሩም ሰብኣውነት' ዓሚቝ ጕዕዞ ሲኖዳውነት እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ህየተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብዕለት 1 ሰነ ናብ ጉባኤ ጳጳሳት ስዊዘርላንድ ኣብ ገዳመ ኢንሲደልን ናብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤኦም ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ለኣኹሎም።
እዞም ካናዳዊ ካርዲናል ብኣካል ክካፈሉ ትጽቢት ይግበረሉ እኳ እንተ ነበረ፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዝነበረ መደባት ሥራሕን ተጸምዶን ናባኡ ክሳተፉ ኣይከኣሉን። እዞም ኢየሱሳዊ ካርዲናል፣ ኣብ መእተዊ መልእኽቶም ኸም ዝገለጽዎ፣ እዚ ተጸምዶኦም እዚ "ምስ ዕዮ ናይ ኮሚሽን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ከምኡውን ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተሓትመት ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስነቶም፣ “ግሪም ሰብኣውነት” (Magnifica Humanitas) ዝተተሓዘ ኢዩ ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።
ብፁዕነቶም ኣብታ ናብ ጳጳሳት ስዊዘርላንድ ዝለኣክዋ ናይ ቪድዮ መልእኽቶም፣ ኣብ ኣገዳስነት እታ ብዕለት 25 ግንቦት እተሓትመት ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘተኰረ እዩ ዝንበረ። ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብቅዱስ ኣቦና ዝቘመ ምስ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት እተተሓሓዘ ዕዮ ንምትሕብባር፣ ንመሪሕነትን እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕረት ብሕድሪ እተዋህበን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ጳጳሳዊ ኮሚሽንን ኣስተንቲኖም።
"ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ ዚቐርበልና፣ እዚ ሓድሽ ኮሚሽን እዚ ብኸመይ እዩ ምስተን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ክዘራረብን፣ ከመይ ገይሩ ነቲ ኣብ ዘመን እዚ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንዜበግሶ ብድሆታት ምስትውዓልን ኣብ ምፍታሕ ጸገማቱን ክድግፈን ዚኽእል?" ዝብል ምዃኑ እውን ኣመልከቱ።
ኣብዚ ግዜና ዘሎ ብድሆታት ንምምማይ እትሕግዝ ዓዋዲት መልእኽቲ
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ኣስዕብ ኣቢሎም፣ "ሓደ ኻብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝመሃሩና ዓበይቲ ትምህርትታት፣ 'ንክውንነት ኣይትፍርሁ' ዚብል እዩ ዝንበረ፣" ብምባል ድሕሪ ግዜ "ኵላትና እንተላይ ኣነን ካልኦት ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ንርእስናን ካብ ክውንነት ክንከላኸለላ ወይ ሓድሓደ ግዜ ብእተፈላለየ መገድታት ካብኡ ንምርሓቕ ክሳዕ ክንደይ ክንፍተን ከም እንኽእል ተረዲኡና" ክብሉ ውን መስከሩ።
እዚ ሕትመት ናይ “ግሩም ሰብኣውነት” ምስ ክውንነት ብልክዕ ንምትሕሓዝ እዩ ዝሓተና ዘሎ።
"እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅድሱነቶም፣ ነቲ ዓብዪ መሰረታትን ሥርዓታትን ማሕበረ-ሰብኣዊ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ብጽንዓት ብምርግጋጽ፣ ነቲ ምስ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት እተተሓሓዘ፣ ብዙሕ ብድሆታት ንኸነለልዮን ንኽንርድኦን ትርጉም ንኽንህቦን ንኸነስተውዕሎን ከምኡውን ኣብ መወዳእታኡ ንሰብኣውነትና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ወይ ከኣ ከም ዕላማ እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትና ንምሉእ ምዕባለ ደቂ ሰብ ከቢድ ዕንቅፋት ዝዀኖም ብዙሕ ብድሆታት ንኸነለልዮምን ንኽንርድኦን ዝሕግዘና ኢዩ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ንኽንዋጽኣሉ እንኽእል መንገድታት ዝሕብረና ኢዩ" ክብሉ እውን ገለጹ።
ናብ ወጻኢ ገጹ ዝመርሕ ሲኖዳውነት ምንባር
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ኣስዒቦም እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ምሕታማ፣ ንቤተ-ክርስትያን "ናብ ወጻኢ ገጻ ንኽጥምት ዝመርሓን፣ ሲኖዳዊት ክትከውን" ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
"እዚ ኣብ ውሽጣዊ ሕቶታት ቤተ-ክርስትያን ጥራይ ዘተኰረ ሲኖዳዊነት ኣይኮነን፣ የግዳስ ካብቲ ሓድሓደ ግዜ ዘጨንቕ ናይ ሎምን ጽባሕን ሓሊፍና ምስ ካልኦት ብትብዓትን ብተስፋን ሓቢርና ክንመላለስ ዝጽውዓና መገዲ ኢዩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
"እዚ ኸኣ እዩ ግሩም ሰብኣውነት ዘቕርበልናን ንዓሚቝ ሲኖዳውነት ንኽንላበሶ ዝገብረናን፣ ምኽንያቱ እዚ ድማ ንዅሉ ሰብ ሓንጐፋይ ኢሉ ስለ ዚቕበልን፣ 'ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ነቲ ኣብ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ብድሆታት ንበይኑ ክጾሮ ኣይክእልን እዩ፣ ልክዕ ከምቲ ዋላ ሓደ ሰብ ግዲኡ ንኽዋጻእ ድኹም ዘይኮነ ድማ እዩ' (ቁ. 13)።"
ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እውን ብዛዕባ ቅጥዕታት ምምሕዳር ሃገረ ስዊዘርላንድ ከስተንትን ይርከብ ኣሎ።
"ካብቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ክኸውን ዝከኣል ንላዕሊ፣ መሰረታዊ ሕቶታት ዜጋታት ዜጠቓልል ቀጥታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ናይ ምጥቃም ጸጋ እውን ኣሎካ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ቤተ-ክርስትያን ንጽቡቕ ምምሕዳር ሃገርኩምን እተፈላለያ ትካላታን ፍሉይ ኣበርክቶ ኽትገብር ድማ ተጸዊዓ ዶይኰነትን?" ክብሉ ውን ሓተቱ።
ሓቀይና መርመራ ሕልና ክግበር ዘቕረብዎ ጻውዒት
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ወሲኾም፣ ንኡስ ኣርእስቲ ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ - ብዛዕባ ዕቝባ ሰብኣዊ ኣካል ኣብ መዋእል ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት እውን ኣመልኪቶም ገለጹ።
"ኣብዚ ንወንጌላዊ ተልእኾ ሓዋርያዊ ጉስነት፣ ኣገልግሎት እምነትን ዕርቅን ከምኡውን ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ብዅሉ ጭቡጥ 'ባህላዊ' መስመራት ምስታፍ ዓሚቝ ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና" እውን በሉ።
"ግሩም ሰብኣውነት፣ ንሕና ጳጳሳትን ካህናትን ኣገልገልቲ ሓዋርያዊ ጉስነትን ሓቀይና መርመራ ሕልና ክንገብር ይዕድመና ኣሎ" ክብሉ ድማ ተላበዉ።
"እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ገዛእ ርእስና እውን ክውዕል ኣለዎ፣ ኣብ መዋቕርና ኣብ ኣሰራርሓና ከምኡውን ኣብቲ ከም ቤተ-ክርስትያን መጠን ኣብ ታሪኽ ምስ ካልኦት ክውንነታት እዛ ዓለም እዚኣ እንጐዓዘሉ ዘሎና መገዲ እውን ኪውዕል ኣለዎ። እዚ እውን ኣገዳሲ መገዲ ተልእኾ ወንጌል እዩ" በሉ።