ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ኣብ ስታድዩም በርናቡ ከተማ ማድሪድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ኣብ ስታድዩም በርናቡ ከተማ ማድሪድ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ስጳኛ፦ ዘይግታእ ግብረ-መልሲ ከተማ ማድሪድ

ምኽትል ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ማሲሚሊያኖ መኒኬቲ፤ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማድሪድ ዝተገብረሎም ኣቐባብላን፡ እቲ ሕዝቢ ዘርኣዮ ሓያል መግለጺ እምነትን፡ ሓድነትን፡ ፍቕርን መግለጺ ሂቦ። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ንስጳኛን ኤውሮጳን፡ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ፡ ንስብከተ ወንጌል ከም መገዲ ሰላምን፡ ምትሕግጋዝን ሓድሽ ዕላማን ዳግማይ ክረኽብዎ ዝጽውዕ ኢዩ ክብል ገሊጹ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ቀዳማይ ምስሊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ስጳኛ ኣብ ከተማ ማድሪድ ኰይኑ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሕዝቢ ድማ ጐደናታት ከተማ ማድሪት ክመልእዎ ተራእዮም፣ ስድራቤታት፡ መንእሰያት፡ ኣረጋውያን፡ መነኮሳት፡ ካልኦት ግዱሳት ሰባትን ከኣ ብሓባር ተሰሚሮም ተራእዮም።

ንመዓልታት፡ ኣደባባያት፡ ጐደናታት፡ ናይ ስፖርት ሜዳታትን ስታድዩማትን ብባንዴራታት ቫቲካንን ስጳኛን ተሸፊኖም ኣለዉ። መልእኽትታት ሰላምን፡ ሓድነትን፡ ስኒትን፡ ከምኡ እውን ነቲ ንእምነት ኣመንቲ ከጽንዕ ዝመጸ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘለዎም ፍቕሪ ዝገልጽ ስምዒታት ዓብሊሉ ይርከብ ኣሎ።

እቲ ሕዝቢ ስርዓት ዝሓዘን ብመንፈስ ዝተመሰጠን ኢዩ፦ ይጽልዩ፡ ብስምዒት ይንቀሳቀሱ፡ ከምኡ እውን ነዊሕ ናይ ጣቕዒት ድምጺ የቃልሑ። ንኣብነት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ድሕሪ እቲ ንፓርላማ ዘስምዕዎ ቃላት ዝተገብረ ዘይርሳዕ ናይ 7 ደቒቕ ናይ ሞገስ ጣቕዒት ሓደ ካብኡ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣብ ቅድሚ ትካላት መንግስቲ ቀሪቦም፤ ናይ ሓቂ ዲሞክራስያዊ ብሓባር ምንባር፡ ካብ ምክልኻል ሕይወት ወዲ ሰብ፡ ንጽጉማት ምርዳእ፡ ምዕቓብ ናጽነት ሕልናን ሃይማኖትን፡ ከምኡ እውን ካብ ምንጻግ ኵናትን ዓመጽን ተነጺሉ ክርአ ከምዘይክእል ዳግማይ ኣረጋጊጾም። ሓደ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ፡ በቲ ነቶም ክርሰዑ ዝኽእሉ ሰባት ብዝገብረሎም ሓልዮት ኢዩ ዝምዘን ኢሎም።

ካብዚ ቀዳማይ ምብጻሕ ስጳኛ ዝተራእየ ስእሊ፡ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምቕባሎም ዝተሰምዖም ናይ ሓጐስ ስምዒት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ሓቂ ግብረ-መልሲ—ማለት እቲ ጽቡቕን መሳጥን ዝኾነ ነገር ዘረጋግጽ ሕያው ሕልና ዝተራእየሉ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ።

እዛ ሃገር እዚኣ፡ ብናይ ምፍልላይ ጸቕጥታትን፡ ፖለቲካዊ ወጥርን፡ ምክፍፋልን፡ ብንፋስ ዓለማውነትን እትፍተን ዘላ እኳ እንተኾነት፤ ሓደ ሓያል ሱር ከምዘለዋ ኣርእያ፣ ንሱ ድማ እምነት ኢዩ።

ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝገለጽዎ፡ ሃገረ ስጳኛ ብዘይተሓስበ መገዲ ግብረ-መልሲ ብምሃብ፡ ንክርስቶስ ዘለዋ "እወ" ዝብል ቃል ሓዲሳቶ ኣላ። ኣብ ኵሉ ፍጻሜታትን፡ ኣኼባታትን፡ ኣገልግሎት ጸሎትን፡ ሰባት ብሓባር ብምምጻእ፡ ሓባራዊ ቋንቋን፡ ናይ ሓባር ተዘክሮን፡ ናይ ዘለኣለማዊነት ስምዒትን ኣጽኒዖም።

ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ነቶም ብሰንኪ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ዝቖሰሉ ሰባት፡ ስቓዮም ብምርዳእ ተቐበልዎም፤ ነታ ኣብቲ ቦታ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ድማ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወገናት ናይ ሓድነት ኣብነት ክትከውን ተማሕጺኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ብዛዕባ ሓንቲ ብናፍቆት እትሕሰብ ወይ ፍጽምቲ ዝኾነት ስጳኛ ኣይኮኑን ተዛሪቦም፤ የግዳስ ሰባት ሓጐስ ወንጌል፡ ሓይሊ ፍቕሪ፡ ከምኡ እውን ሎሚ ንክርስቶስ ንምስዓብ ዘሎ ጽኑዕ ተወፋይነት ዳግማይ ክረኽብዎ ኣተባቢዖም። እዚ ድማ ሓንቲ ዝተፈልየት ዓለም—ሕውነት ዝሰፈና፡ ንኵሉ እተሕብር፡ ደጋፊት፡ ተቐባሊት፡ ሰብኣዊት ዝኾነትን፡ ሰላም ዝሰፈናን ንምህናጽ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ነታ ንጥፍቲ ዝኾነት ሃገር፡ ንጡፍ ናይ ራእይ ምንቅስቓስ ክህልዋ ተማሕጺኖም—ከምቲ ናይቲ ጕዕዞ ጭርሖ “ጠመተኹም ናብ ላዕሊ ኣልዕሉ” ዝብሎ፡ እዚ ራእይ እዚ ነታ ሃገርን፡ ንኤውሮጳን ንዓለምን ብሓቂ ክሕድስ ዓቕሚ ዘለዎ ኢዩ።

በዚ መንፈስ እዚ፡ ንሕይወት እቶም ንክርስቶስ ዝቕበሉ ኵሎም ደቂ ሰባት ክልውጥ ዝኽእል ናይ ክርስቶስ ዕርክነት ዘርኢ ብምዝራእ፡ ናይ ሓቂ ብድሆ ኣቕሪቦም። በዚ መገዲ እዚ ድማ ንደቂ ሰባት ካብ ስስዔን፡ ምዝመዛን፡ ክፍኣትን፡ ጽልእን ዘኅሕን መርበብ ይፍጠር፤ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኵሉ መዳያት ሕይወት ወዲ ሰብ ዝበጽሕ፡ ፈጠራውን፡ ሕይወት ዝህብን ሓይሊ ፍቕሪ ይፍኑ።

ኣብ ከተማ ማድሪድ፡ እቶም ዓቃቤ መንበር ክርስቶስ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ ዓለም ስነ-ሞገታዊ ኣተሓሳስባ ቀይሮሞ። ንሶም ብዓወት ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ ካልእ ወገን ዝተመስረተ መልሲ ኣይሃቡን።

ብኣንጻሩ፡ ኣብ ልቢ ኵሉ ወዲ ሰብ ንዘሎ ትርጉም ሕይወት ናይ ምድላይ ማዕጾ ዳግማይ ብምኽፋት፡ ንሕይወት ብምልኣት ክትነብረሉ እትኽእል መገዲ ኣመልኪቶም።

 

ማሲሚሊያኖ መኒኬቲ

10 Jun 2026, 14:07