ድለ

ኣብ ሊባኖስ ብሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ዝምራሕ ቃፍላይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ሊባኖስ ብሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ዝምራሕ ቃፍላይ ሰብኣዊ ሓገዝ  

ኣብ ሊባኖስ ብሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ዝምራሕ ቃፍላይ ሰብኣዊ ሓገዝ

ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ንዝርከባ ሰለስተ ክርስትያናዊ ዓድታት ዘቕነዐ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና 45 ናይ ጽዕነት መካይን ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሰራዊት እስራኤልን ሂዝቦላህን ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዂሲ መገደን ክቕይራ ከም እተገዳ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ቦርጃ ዝመርሕዎ ብካሪታንስ ዝጸዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ካቶሊካውያን ትካላት ግብረ ሰናይን ዝተወደበ ናብ ዞባ ደቡባዊ ቀድሮስ ናብ ዝርከባ ሰለስተ ክርስትያናዊ ዓድታት ዘቕነዐ ሰብኣዊ ቃፍላይ ዕለት 11 ሰነ “ብሰንኪ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላሕን ብዝተፈጥረ ምልውዋጥ ተኹሲ” መስመሩ ክቕይር ከም እተገደ፡  ሊቀ ጳጳሳት ቦርጃ ባዕሎም ንማዕከናት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ ሓቢሮም፡ እተን ካብ ቤሩት ብወጋሕታ ዝተበገሳ 45 ናይ ጽዕነት መካይን፡ ናብታ ካብ ጢሮስ ንሸነኽ ደቡብ እትርከብ ቁሸት ደቤል ንምብጻሕ ኣብ ዝተቓረባሉ እዋን ዘጋጠመ ዕንቅፋት ምዃኑ እውን ኣፍሊጦም፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲዱ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ተወሳኺ ዘይውሕስነት ከም እተሰናኸለን የረጋግጹ።

መግቢ፡ መድሃኒት፡ ነዳዲ

እተን ናይ ጽዕነት ማካይን ዝተፈላለየ ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ብፍላይ መግቢ ዝስተ ጽሩይ ማይ መድሃኒትን ነዳድን ጽዒነን ከም ዝነበራን ንህዝቢ ደበል ጥራይ ዘይኮነስ ንኻልኦት ክልተ ዓድታት ዓይን ኤበልን ርመይችን ዝተወደበ ከም ዝነበረን ኣብዚ እዋን'ዚ ዘሎ ሕጽረት ቀረብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንናይ ውሽጢ ዓዲ ድኳናት ዝተሓሰበ ኣቑሑት - ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ንሓረስቶትን መራብሒ ጥሪትን ዝኸው ሓገዝ እውን ጽዒነን ከም ዝነበራ ሊቀ ጳጳሳት ቦርጃ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ይሕብሩ።

ንዋታዊ ሓገዝን ህላወ ቤተ ክርስቲያንን

ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ቃፍላይ “ብድሕሪት ተመሊሱ ፍጹም ዝተፈልየ መንገዲ ክኽተል ከም እተገደን፣ ብሰላም ንኽጓዓዝ ድማ ሓድሽ ፍቓድ ክረከብ ነይርዎ” እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ድሕሪ “ናይ 10 ሰዓት ጉዕዞ” ኣብ መወዳእታ ናብ ደበል ከም ዝበጸሐ ሊቀ ጳጳሳት ቦርጃ ሓቢሮም፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ካብ ካልእ ክፋል ሃገር ብኣድማዒ መንገዲ ዝተነጸላ ዓድታት ሓገዝ ምብጻሕ ወሳኒ ከም ዝኾነን፡ እቲ ዕላማ፡ ናብቶም ከባቢታት “ምምላስ” ምዃኑ ኣስሚሮም "ኣብ ኩነታት ኲናት ኢና ዘሎና፡ እንተኾነ ግን ንህዝቢ ንምሕጋዝ ዘሎና ተወፋይነት ክንቅጽሎ ኢና፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ድሮ ካልእ ቃፍላይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ” ኢሎም።

ምስ እዚ ተልእኾ እዚ፡ ኲናት ካብ ዝጅምር፡ ዝተፈጸመ መበል 17 ሰብኣዊ ቃፍላይን ዝተኻየደ 3 ጉስነታዊ ምብጻሕን ናብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ስለዚ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕ ካብ ንዋታዊ ሓገዝ ንላዕሊ እዩ፡ ብህላወና ንህላወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሊባኖስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ነረጋግጽ፡ ምኽንያቱ ሰባት ብፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን ተሓቛቚፎም፡ ዝርድኦ ዘለዎን ዝስነይን ዝፍቀርን ኮይኑ መታን ክስምዖ” እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ቦርጃ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

15 Jun 2026, 15:18