2026.06.15 santa maria di galeria croce impianto agrivoltaico 2026.06.15 santa maria di galeria croce impianto agrivoltaico 

ቅድስቲ መንበር ኣብ ጥቓ ሮማ ንውጥን ዝሕደስ ጸዓት ውዕል ከቲማ

ቅድስቲ መንበር ምስ APSA፣ ተቕዋም ሓውና ጸሓይ (Fondazione Fratello Sole) ከምኡውን ACEA ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ፈሪማ፣ እዚ ድማ ንምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ብዝሕደስ ጸዓት ኣቢልካ፣ ዘድሊ ቀረብ ጸዓታዊ ሓይሊ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ናይ ሕርሻ ፋብሪካ ንምምዕባልን ዝዓለም ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ምምሕዳር ከተማ ቫቲካንን፣ ምምሕዳር ሓዋርያዊ ውርሻታት ቅድስቲ መንበርን (APSA)፣ ተቕዋም ሓውና ጸሓይን ከምኡውን ሓንቲ ኻብተን ኣብ ኢጣልያ ዝርከባ ቐንዲ ትካላት ጸዓትን ማይን ዝዀነት ACEAን ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለዉ። እቲ ስምምዕ ኣብ ሓንቲ ጥቓ ሮማ ኣብ እትርከብ ሳንታ ማሪያ ደላ ጋለሪያ ዝተሰምየ ካብ ግዝኣተ ሃገረ ቫቲካን ወጻኢ፣ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ፋብሪካ ንምምዕባል ዝዓለመ ውን እዩ።

እቲ ብዕለት 10 ሰነ እተፈረመ ስምምዕ ምምሕዳር ሓዋርያዊ ውርሻ ቅድስቲ መንበር (APSA) ከምኡውን ብተቕዋም ሓውና ጸሓይ ኣቢሎም ንምምዕባል፣ ዝተሓስበ ውጥን ኣብ መደብን ትግባሬን ናይ ምትሕብባርን መሰረት የቕውም።

እዚ ተበግሶ እዚ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ብዕለት 1 ሰነ ብዝወጸ ናይ ኢድ ጽሑፍ ኣቢሉ ተቕዋም ሓውና ጸሓይ ዝተመስረተ እዩ። እዚ ተቅማ እዚ፣ ነቲ ኣብ ጥቓ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሳንታ ማሪያ ዲ ጋለሪያ ዝርከብ ማእከል ፈነወ ረድዮ ቫቲካን፣ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምምንጫው ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ዘድሊ ሓይሊ ጸዓት ንምምላእ እውን ዝዓለመ ውጥን ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ።

እቲ ናይ ሕርሻ ፋብሪካ ከአ ምስታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተጻሕፈት ዓዋዲት መልእኽቲ “ስቡህ ኣንተ” (Encycloical Laudato si') ሓዋርያዊ ምዕዳን “ይሴባህ እግዚአብሔር” (Laudate Deum) ከምኡውን ቅዱስንቶም ብዘለዎም ስልጣን ዝኣወጅዎ ሕጋዊ ሰነድ “ሓውና ጸሓይ” (Motu Proprio Fratello Sole) ተገሊጹ ዘሎ፣ ኣከባብያዊ ሥርዓታት ብምዕቃብ፣ ቀረብ ዝሕደስ ጸዓትን ሕርሻዊ ንጥፈታትን ከጣምር ኢዩ።

ተክኒካዊ ሕልኽላኻት እቲ ውጥን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ACEA ኣብ ጸዓት ኣከባብያዊ ማይ ከምኡውን ክኢላዊ ንጥፈታ ሕርሻ ብምክያድ ነቲ ተበግሶ ክድገፍ ኢዩ።

ሕጋዊ መሰረት ናይቲ ፕሮጀክት በቲ ኣብ መንጎ ሪፓብሊክ ኢጣልያን ቅድስቲ መንበርን ብዛዕባ ኣብ ሳንታ ማሪያ ዲ ጋለሪያ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ፋብሪካ ብ31 ሓምለ 2025 እተፈረመ እሞ ኣብ ሚያዝያ 2026 ብኢጣልያ ዝጸደቐ ስምምዕ ተመስሪቱ።

16 Jun 2026, 11:06