ናይ ጥዕና ሰነዳት፦ ስነ-ምግባርን ማዕርነትን ኣብ ማእከል ምርምራት
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ናይ ጥዕና ደነዳት ዲጂታላዊ ተክኖሎጅን፣ ኣብ ሕክምና እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግደኡን፣ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ኣስተንትኖን ምትሕብባርን ዘድልዮ ኣገዳሲ ስነ-ምግባራዊ ሕቶታት የበግስ ኣሎ። እዚ ዓውደ ጉባኤ እዚ ኣብ ባዮመዲካል ምርምርን ክንክን ጥዕናን ዝያዳ ፍትሓዊ ኣቀራርባ ንምድንፋዕ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ውን አሎ።"
ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ-ህይወት ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሬንዞ ፔጎራሮ፣ ነቲ ብዕለት 1-2 ሰነ 2026 ኣብ ኣደራሽ ቅዱስ ፒዮ 10ይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ሳልሳይ
ኣኼባ፣ ክኢላታት ብዛዕባ ምምሕያሽ ኣዋጅ ታይፐይን፣ ብዛዕባ ምምሕዳር ሓበሬታ ጥዕና ኣመልኪትም ገለጹ። እቲ ኣኼባ ብዓለምለኻዊ ማሕበር ሕክምና (WMA) ምስ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ-ህይወትን፣ ማሕበር ሕክምና እስራኤልን ብምትሕብባር እዩ ተወዲቡ።
ኣብ ምእካብን ኣጠቓቕማን ናይ ሕሙማን ሓበሬታን ፍትሓዊ ገምጋማትን
ብመሰረት እቶም ኣዳለውቲ ዝሃብዎ ናይ መወዳእታ መግለጺ፣ እቲ ኣኼባ ኣህጉራውያን ክኢላታት ሕክምና፣ ባዮኤቲክስ፣ ሕጊ፣ ህዝባዊ ጥዕናን ከምኡ ውን ምምሕዳር ክንክን ጥዕናን ዝተሳተፍዎ ኢዩ ዝንበረ። ኣብቲ ኣኼባ እተኻየደ ዘተ ብፍላይ ኣብ ምእካብ፡ ምዕቃብ፡ ምርካብን ከምኡውን ኣጠቓቕማ ጥዕናዊ ሰነዳትን ስነ-ህይወታዊ መርኣአያታትን ዘተኰረ ድማ ኢዩ ዝንበረ።
ተሳተፍቲ ኣብ ምርምር ትሑት ውክልና፣ ተኣፈፍትን እተገለሉን ሰባትን ፍትሓዊ ምክፍፋልን ናይ ምርምር ጥቕምታትን፣ ስነ-ምግባራዊ ውሳነ ኣብ ምትግባርን፣ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎን ከምኡውን ፍትሕን ዓለምለኻዊ ሓድነትን ዘደንፍዕ ኣሰራርሓ ምምሕዳርን ኣማእኪሎም ተዛተዩ።
ኣብ ስነ-ምግባርን ማዕርነትን እተመስረተ ሕክምናዊ ምህዞ
ኣደ መንበር ዓለምለኻዊ ማሕበር ሕክምና፣ ዶክተር ዣክሊን ኪቱሉ፣ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኣብ ኣብ ዘካፈሎ ሓስባት፣ ሕክምናዊ ምህዞታት ኣብ ስነ-ምግባርን ማዕርነትን እተመስረተ ምዃኑ ኣጕሊሖም።
"ናይ ጥዕና ሓበሬታን፡ ምርምር ባዮባንክን፡ ኣብ መላእ ዓለም ክንክን ጥዕናን ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታትን ንምምሕያሽ ዓብዪ ተኽእሎ ኣለዎ" በለት። ይኹን እምበር ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለ፣ ምስ ስነ-ምግባራዊ ሓላፍነት፣ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎን ከምኡውን ምስ ፍትሓዊ ምክፍፋል ውጽኢታት ተተሓሒዙ ክኸይድ ኣለዎ" ክትብል እውን ገለጸት።
ኣዋጅ ታይፐይ
ኣብ ፈለማ፣ ኣብ 2002 ዓ.ም. ብማሕበር ሕክምና ዓለም ተቐባልነት ዝረኸበን፣ ብ2016 ዓ.ም. እተመሓየሸን ኣዋጅ ታይፐይ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ናይ ጥዕና ዳታቤዝን ባዮባንክን ስነ-ምግባራዊ መምርሒ ሂቡ ይርከብ።
ኣብ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ጂኖሚክስ፣ ኣብ ሰነዳትን እተመርኰሰ መድሃኒት፣ ከምኡውን ዶብ ሰገር ሓበሬታታት ምክፋል፣ ምዕባለታት ኣብ ክንክን ጥዕናን ሕክምናዊ ምርምርን ምቕራጽ እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ውድብ ጥዕና (WMA)፣ እቲ ኣዋጅ ምስ ዘመናዊ ዓለምለኻዊ ክውንነታትን ሓድሽ ስነ-ምግባራዊ ሻቕሎትን ከም ዚሰማማዕ ንምርግጋጽ፣ ናይ ምምሕያሽ መስርሕ ጀሚሩ ይርከብ ኣሎ።
ንሕሙማት ብዓለምለኻዊ ምትሕብባር ምግልጋል
እዚ ዓውደ ጉባኤ ሃገረ ቫቲካን፣ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2025 ዓ.ም. ኣብ ታይፐይ ታይዋንን ንካልኣይ ግዜ ድማ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2026 ዓ.ም. ኣብ ሳኦ ፓውሎ ብራዚል እተገብረን፣ ናይ መጀመርታ ዘተ፣ ኣብቲ ቐጻሊ ናይ ተሓድሶ መስርሕ ንሳልሳይ ግዜ ከም ክፉት ምኽሪ ክኢላታት ኮይኑ ዝዓዪ ዘሎ ኢዩ።
እቲ ሓባራዊ መግለጺ፣ "ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሓካይም ዚገብርዎ ምትሕብባር፣ ደቂ ሰብ ኣብዚ እዋን ግጭት ኣብ ዚርከበሉ ዘለዉ እዋን እውን ከይተረፈ፣ ንጥዕናን ድሕንነትን ንሕሙማት ኣብ ምግልጋልን ኪሓብሩ ኸም ዚኽእሉ ዜርኢ እዩ። እዚ ናይ ምትሕብባር መንፈስ፣ ዝያዳ ምርድዳእን ሰላምን ንኽህሉ ድማ ኣበርክቶ ክገብር ተስፋ ይግበረሉ።"