ድለ

ስብከተ ወንጌልን ምስ ስደተይናታት ምቅርራብን፡ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ዝግበር ጉዕዞ ስብከተ ወንጌልን ምስ ስደተይናታት ምቅርራብን፡ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ዝግበር ጉዕዞ  (@VATICAN MEDIA) ርእሰ ዓንቀጽ

ስብከተ ወንጌልን ምስ ስደተይናታት ምቅርራብን፡ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ዝግበር ጉዕዞ

ናይ ሴና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መበል ሚእቲ ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ናይ ስነ ሕንጻ ሊቕ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣንቶኒዮ ጋውዲ ናይ ባዚሊካ Sagrada Familia - ቅድስቲ ስድራ ነዳፊ ናብ ማድሪድ ባርሴሎናን ደሴታት ካናሪን ንኽበጽሑ ንሓዋርያዊ ዑደት ናብ ስጳይና ኣብ ዝኸድሉ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዘጋጥሞም ብድሆታት የስተንትን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ስጳይና ዘካይድዎ ናይ 7 መዓልታት ጉዕዞ፣ ናብ ርእሰ ከተማ ማድሪድ፣ ቀጺሉ ናብ ባርሴሎና፣ ኣብ መወዳእታ ድማ፣ ናብ ደሴታት ካናሪ ዝወስድ፣ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ዝግበር ሰለስተ መድረኻቱ ኣብታ ኣህጉር ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ዓበይቲ ብድሆታት ዝሓቖፈ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዩ።

እዚ ምብጻሕ’ዚ ድሕሪ’ቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብ ቱርኪየን ሊባኖስን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞታት ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብታ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብደብዳብ እስራኤል ዝተሃስየ ህዝቢ ኣዕናዊ ግጭት ዘጋጠመላ ምድሪ ቄድሮስ ሃብታም ዝኾነትን ንሰላም ዝተወፈየትን ብተወሳኺውን ደድሕሪ እቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ጕዕዞ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮን ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ናይ ዓሰርተ ሓደ መዓልታት ሓዋርያዊ ጉዕዞን ስዒቡ፣ ዘካይድዎ ኮይኑ፡ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ሕጂ ኣብ ሃገር ስጳይና ብዓሚቕ ውልትውና ምስ ዝተጸልወ ሕብረተሰብ ኤውሮጳ ክራኸቡ እዮም። ኣብዚ ናይ ስጳይና ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ማድሪድ ብፍላይ ምስ ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ስጳይና ብዝገብርዎ ርክብ፡ ቤተ ክርስቲያን ንፖለቲካን ተወፋይነትን ንሓባራዊ ረብሓን ዘለዋ ኣረኣእያ ንምዝኽኻር ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ።

ሎሚ እዚ ኣረኣእያ እዚ ካብ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ይኹን ካብ ዝኾነ ይኹን ፈተነ፡ ብዓለማዊ ርእየተ ዓለም ዝተተባባዕ፡ ንክርስትያናዊ እምነት ናብ ጽሩይ ብሕታውን ውሽጣውን ተመክሮ ብምውራድ ኣዝዩ ርሒቑ ይርከብ።

ካብ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ፣ ምኽንያቱ ቤተ - ክርስትያን ንገዛእ ርእሳ እምንቲ ንኽትከውንን ወንጌል ምእንቲ ኽትሰብኽን ኣብ ስልጣን ክትውከል ኣይትኽእልን እያ ኣብ መወዳእታ ድማ ተልእኾኣ ዝሓብእ ምትእስሳር ክትምስርት ኣይትኽእልን እያ። እምነት ስጋ ዝለበሰ ስለ ዝዀነ ካብ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተዓጸፈ ሃይማኖታዊነት ዝረሓቐ እዩ፣ ክርስትያን ከኣ ሕብረተሰብ ዝያዳ ሰብኣውን ፍትሓውን ነቶም ኣብ ሕድጋት ዘለዉ ዝያዳ ኣቓልቦ ዝገብሩን ክኾኑ መታን ጭቡጥ ጻዕርታት ብምኽዋን ንወንጌል ኪምስክሩ ተጸዊዖም እዮም። ሎሚ ኣብ ውሽጢ እቲ ብመንነቱ ዝፈጠረ ዓቢ ክርስትያናዊ ትውፊት ብዕምቆት ዝተቐርጸ ሕብረተሰብ፡ ሕጂ ግን ዓለማዊ ኮይኑ ዝረአ ዘሎ፡ ሎሚ ወንጌል ብኸመይ ይእወጅ ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ምሉእ ንግደት ጳጳስ ሮማ ክቃላሕ እዩ።

ኣብ ባርሴሎና፡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ዝነውሐ ግምቢ፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወፈየ ክባርኹ ናብቲ መስተንክር ዝኾነ ብቛንቋ ጽባቔ ኣቢሉ መልሲ ክኸውን ናብ ዝኽእል ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ቤት ክበጽሑ እዮም። ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ብስነ ጥበብ ኣቢላ ብፍላይ ድማ ብስእሊ ንኹሉ ሰብ ትዛረብ እያ። ኣብ ምሉእ ዘመናት ብኣሳእልን ቅብእን ቅንስልን ሓወልትታትን ቅርጻታትን ኣቢሉ ማእለያ ዘይብሉ ትምህርቲ እምነት ተመሓላልፍ ነይራ ሎሚ እውን ተመሓላልፍ ኣላ።

ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ዝሞተን ሕጂ ኣብ መንገዲ ቅድስና ዝጓዓዝ ዘሎ ካታሎናዊ ናይ ስነ ንድፊ ሊቅ ፍረ እምነትን ብልሕን ዝሃነጾ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ቤት፡ ሓያል ኣብነት ናይዚ ቋንቋ ጽባቐ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ቅድሚ እቲ ባዚሊካ ደው ዝበለ ሰብ ብሕመረት እምነት ክርስትና ኣብ ጉዕዞ ይምራሕ። እምበኣር ትምህርቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣንቶንዮ ጋውዲ ሎሚ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ዝግበር ምትሕልላፍ እምነት ብኣድማዒ መንገዲ ተቛሪጹን መባእታዊ ስብከተ ወንጌል ድሕሪ ደጊም ከም ንቡር ክውሰድ ኣብ ዘይክእለሉን ኣብዚ ግዜናን ንኤውሮጳን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ግራን ካናርያን ተነሪፍን ዚግበርዎ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ስደተይናታት ዜጋጥሞም መዓት ብዓይኖም ንኺርእዮ ዘኽእሎም ክኸውን እዩ እቶም ካብቲ መስቀል ጉዕዞ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተይናታት ናብ ኣፍ ደገ ኣውሮጳ ይበጽሑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣህጉር ኤውሮጳ ነዚ ቅልውላው እዚ ብምትሕብባርን ብእተወደበን መገዲ ምላሽ ክትህበሉ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀነት፡ ንስጳይና ሓንቲ ካብተን ነዚ ቅልውላው እዚ ብሃገር ደረጃ ንኽፈትሐኦ ዝተቃልዓ ሃገራት እያ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ደሴታት ካናሪ ናይ ምብጻሕ ባህጊ ኸም ዝነበሮም ፍሉጥ እዩ፣ እዚ ባህጊ እዚ ድማ ተካኢኦም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሎሚ ይፍጽምዎ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣነ ኣፍቀርኩከ - Dilexi te ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን፡ ቅድሚኦም ብዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ናይ ዝጀመረ ስራሕ ፍረ እዩ። እቲ ጽሑፍ እቲ ኣብ መንጎ ፍቕሪ ክርስቶስን ምስቶም ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ዝጠቐሶም ድኻታትን ንዝተገለሉን ንዝሳቐዩን “ጓኖትን” ክንቀርብ ዝገበሮ ጻውዒትን ዘሎ ምትእስሳር ዘጒልሕ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝለገስዎ ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas ኣብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ካብ ታሕተዋይ ደረጃ ክንጥምት: ብዓይኒ እቶም ሓያላት ዘይኮነስ ብዓይኒ እቶም ዝሳቐዩ ክንጥምት፤ ንታሪኽ ብዓይኒ እቶም ንኣሽቱ ክንርእዮ፤ ንፍጻመታት ታሪኽ ብዓይኒ መበለት፣ ዘኽታም፣ ጓና፣ ውጉእ ህጻን፣ ስደተይና እተመዛበለን ክንትርጉሞ” ይዕድሙና።

እምበኣር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ደሴታት ካናሪ ዘካይድዎ ምብጻሕ ናብቲ ህያው ክውንነት ናይቶም ኣብ መንጎና ዝነኣሱ ስቓይ ይኣትዉ፣ ንክርስትያን ንወንጌላዊ ምስክርነት ጻውዒት እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንኹሉ ሰብ ናይ ሓላፍነት ጻውዒት እዩ፡ ኣብ ሰብኣውነት ናይ ምጽናዕ ሓላፍነት እዩ እንክብል ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ይዛዝም።

(Andrea Tornielli)

06 Jun 2026, 18:05