ድለ

2026.06.07 ህቡብ ህዝባዊ መንፈሳውነትን ኣብ ወሰን ንዘለዉ ሓልዮትን 2026.06.07 ህቡብ ህዝባዊ መንፈሳውነትን ኣብ ወሰን ንዘለዉ ሓልዮትን  (@Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ህቡብ ህዝባዊ መንፈሳውነትን ኣብ ወሰን ንዘለዉ ሓልዮትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንምእመናን ስጳይና ዘስምዕዎ መደረ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዝኸውን መንገዲ ዝሕብር ምዃኑ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጸኦ ርእሰ ዓንቀጽ የስተንትን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንውሳጣውነትና ናብ ሓደ ዓይነት መንፈሳዊ ርእሰ - ምርመራ ዝድርኽ ናይ ብሕቲ ተወፋይነት ዘይኮነስ፡ ወይ’ውን ብዛዕባ ሕሉፍ ማሕበራዊ ጽልዋ ቤተ ክርስቲያን ናፍቖታዊ ዝኽሪ ሒዝና ክንበጽሖ ዝግባእ ቤተ መዘክር ዘይኮነስ፡ ሓቀይና ቤት ትምህርቲ እዩ። ተወፋይነት፡ ርክብ፡ ምቕባልን ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብን ዝኸፍተና ቤት ትምህርቲ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ፕላዛ ደ ሲቤለስ ብምኽንያት ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ቍርባን ነቲ ስነ ስርዓት ኣምልኾ መሪሖም  ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ንስጳይና ዝቐረጸ ሃይማኖታውነት በዚ መልክዕ እዚ ይገልጽዎ። ብዑደታት፡ ብህዝባዊ ፈሪሃ እግዚኣብሔር፡ ስነ-ጥበብ፡ ሙዚቃን ስነ ህንጻን ዝግለጽ ሃይማኖታዊነት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እቲ ኣብ ጐደናታት ብሙዳየ ዘቕዱስ ቍርባ ዘቡራኬ ህልው ኮይኑ ዝጓዓዝ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ምስ ድኻታትን ውጹዓትን ኣብ ጽሙዋን እተጠንጠኑን ዚልለ ክርስቶስ እዩ" እንክብሉ ከም ዘብርሁን ኣብ ስጳይና ቤተ-ክርስትያን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ንዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ቍኡርባን ምስ መዓልቲ ግብረ ሰናይ ከተጣምሮ ዜገርም ኣይኰነን - ቢሎም - ህቡብ ህዝባዊ መንፈሳውነት ሃገር ስጳይና ናብ "ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝገልጽ ቤተ - መዘክር ክቕየር የብሉን የግዳስ ሎሚ እውን ካብኡ ብዙሕ እንመሃረሉ ናይ እምነት ቤት ትምህርቲ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ብጻይናን ክንምበርከኽ ዝምህረና ቤት ትምህርቲ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ዝምብርከኽ ድማ ንሓዉ ክንዕቕ ኣይክእልን እዩ። ኣብ መንጎና ምእንቲ ኺውሕዝን ንመቝሕ ኵሉ ስስዐ ዚሰብርን ውህበት ዚኸውን ውፉይ ፍቕሪ ዚምህረና ቤት ትምህርቲ፣ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ህላወ ምዃኑን ንሕና እውን ኣብ ክውንነታትን ብድሆታትን ሕብረተሰብ ክንሳተፍ ከም እተጸዋዕና እንመሃረሉ ቤት ትምህርቲ፡ ብምርሓቕ ዘይኰነስ ንምህናጽ ሓባራዊ ረብሓ ብብሕቲ ብምውፋይ" እንክብሉ ኣብሪሆም እዮም።

እዘን ቃላት እዚኣተን ብቐጥታ ነቲ ዝተነብረ ተመክሮ ክርስትና ስጳይና ዝዛረብ እዩ፣ ኣብቲ ምፍልላይን ውዑይ ክትዕን ብተደጋጋሚ ዝረኣየሉ ብርቱዕ ውልትው ሕብረተሰብ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቐዳምነት ንክርስትያን ናይ ቅዱስ ቍርባን መልእኽቲ ሕመረት ክርድኡን ክነብሩን ይጽውዑ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ዝሳቐ ሓው ወይ ሓፍቲ፡ ኣብቲ መግቢ ወይ መጽለሊ ዝጎደሎ ወይ ስደተይና ዝኾነ ሓው ወይ ሓፍቲ ኣለልዩ ብተራና ክንቀርብ ዝሓትትን ኣምላኽ እዩ። ካብዚ ኣረኣእያ እዚ ብምብጋስ ማሕበራዊ ኣረኣእያ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት እዩ ዝርከብ፡ ንጠለባት ድኻታት ኣብ መልሲ ኣብ ምሃብ፡ ዕርቂ ኣብ ምዕባይ: ውልትውና ኣብ ምብዳህ : ንፍትሒ ኣብ ምስራሕ: ከምኡውን ዝያዳ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ።

"እቲ ቅዱስ ቁርባናዊ ኢየሱስ" ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “እቲ ተሓቢኡ ዘሎ ዘለኣለማዊ ዓይኒ ማይ እዩ፡ ዝውሕዝን ጽምኢ ዘርውይን ዓይኒ ማይ፣ ዘይጸንት ከም ግዳማዊ ሓይሊ ዘይጸዓን፣ ብትርኢታዊ መንገዲ ንርእሱ ከየቕረበ“ ። በዚ ምኽንያት እዚ ህዝባዊ ጽምብል ቅዱስ ቍርባን “ኣብ ናይ ብሕቲ ውፉይነት ዝዓጽወና ዘይኮነስ፡ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ንስድራቤትና፡ ንድኻታትን፡ ንዝሳቐዩን፡ ነቶም ተስፋ ዝሰኣኑን ከነሐድስ ይልእኸና። ጸጋ ቅዱስ ቁርባን ይቕይረና፡ ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ ታሪኽ ምልዋጥ ይገብረና፡ ነቶም እንረኽቦም ምልክት ተስፋ ይገብረና።”

ክርስትያን ማሕበረሰባት እውን ከይተረፉ ኣብ እተፈላለየ ውልትውናን ካብ ዝፈጥሮ ነገራት ኩሉ ናብ ተራ ትርጉም ኣብ ዘውርድ ንዓለም ብመናፍስትን ጸላእትን ዝመልእ ጸገም ካብ ምጥሓል ናጻ ኣይኰኑን። በዚ ምኽንያት እዚ ታሪኻዊ ተዘክሮ መንፈሳዊ ዑደታት ቅዱስ ቍርባን ንገዛእ ርእሱ "ብናፍቖት ተዘክሮ ክእሰር" ዘይፈቅድ፡ "ንሎሚ ንውልቃዊ ህይወትና ንርክባትና ንሕብረተሰብና ዕድመ" ክኸውን ኣገዳሲ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንጽምኢ ዕርቅን ሰላምን ልቢ ወዲ ሰብ ምላሽ ዝህብ ኣገልግሎት ይኸውን” እንክብል ኣንረያ ቶርኒየሊ ዘውጸዕ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ይዛዝም።

(Andrea Tornielli)

08 Jun 2026, 15:30