ጉባኤ ካርዲናላት፡ ኣብ ዛዕባ ዓለማዊ ኩነታት፡ ዓዋዲ መልእኽቲ ‘ግሩም ሰብውነትን፡ ሲኖዶስን ጉባኤ ካርዲናላት፡ ኣብ ዛዕባ ዓለማዊ ኩነታት፡ ዓዋዲ መልእኽቲ ‘ግሩም ሰብውነትን፡ ሲኖዶስን   (@VATICAN MEDIA)

ጉባኤ ካርዲናላት፡ ኣብ ዛዕባ ዓለማዊ ኩነታት፡ ዓዋዲ መልእኽቲ ‘ግሩም ሰብውነትን፡ ሲኖዶስን

ካርዲናል ሬ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ጉባኤ ካርዲናላት ንዝጋብኡ ካርዲናላት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይን ኣብ ኣዳራሽ ሲኖዶስን ዝካየዱ ኣርባዕተ ናይ ስራሕ መደባት ቀንዲ ኣርእስታት ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣስተንትኖ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ኩነታትን ሕይወት ከባብያውያን ኣብያተ ክርስቲያን፣ ዘተ ብዛዕባ ቀንዲ ዛዕባታት ዓዋዲ መልእኽቲ ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica Humanitas ፣ ማእከል ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 26 - 29 ሰነ ናይ ዝጸውዕዎ ጉባኤ ካርዲናላት ክኸውን እዩ።

ቅዉም ነገር ናይቲ ቅዱስነቶም ዝጸውዕዎ ጉባኤ ካርዲናላት ኣፍፈ ጉባኤ ካርዲናላት ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሬ ዕለት 3 ሰነ ናብ ኵሎም ተሳተፍቲ ካርዲናላት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ መልእኽቲ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እቲ ኣኼባ ከምቲ ካብ ዕለት 7 - 8 ጥሪ ናይዚ ዓመት ዝተኻየደ ጉባኤ ካርዲናላት "ንህይወትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳያት ሓባራዊ ምስማዕን መመያን ምስትንታንን መድርኽ" ከም ዝኸውን ምንዮቶም ከም ዝገለጹን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንጉባኤ ካርዲናላት “ተመኩሮን ምኽርን ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት ንምእካብ” ከምኡ’ውን “ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ንቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉሉ ዝተፈላለየ ቦታታትን ሓላፍነትን ንጡፍ ሓገዝን ደገፍን” ንምጽብጻብ ከም ዕድል ከም ዝርእይዎ ብምዝኽኻር፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቲ ምይይጥ “መንፈስ ምስማዕን ናጽነትን ንሓቂ ብግልጽን ብዘይ መንፊትን ብናይ ምግላጽ ትብዓት ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ቀዳማይ ኣካል ምቅላዕ  - parrhesia ” ክካየድ ከም ዘለዎ ድማ ኣተሓሳሲቦም፡ ቀዳማይ ክፍሊ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ኩነታትን ክውንነት ከባብያውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዘተኮረ ክኸውን እዩ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ሓልዮቶም ዝተዋህቦም ህዝብታትን ማሕበረ ክርስቲያናትን ዝጸሉ መከራን ወጥሪን ብድሆታትን ከምኡ'ውን ምልክታት ተስፋን ተኣማንነትን ወንጌል ናይ ዕርቂ ተስፋታት ናብ ኣቓልቦ ጉባኤ ካርዲናላት ክቐርብ ድማ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዓዋዲ መልእኽቲ ‘ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas

እቲ ካልኣይን ሳልሳይን ኣኼባታት ነቲ ዕለት 25 ግንቦት ንንባብ ዝበቐዐ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዝለገስዎ  ‘ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas ዝተወፈየ ከም ዝኸውን ካርዲናል ረ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም፡ እቲ ካልኣይ ኣኼባ "ባህሊ ስልጣንን ስልጣነ ፍቕርን" ዘርእስቱ ምዕራፍ ሓምሻይ ክምርምር እዩ። ከምኡ እውን ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 182 ናይቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ‘ግሩም ሰብኣውነት’ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዛ "ምክፍፋልን ዓመጽን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ግጭትን" ዝመልኣ ዓለም ሰላም "ሓደ ጕዳይ ዘይኰነስ ንኣድማሳዊ ሓባራዊ ረብሓን ንስነ - ምግባራዊ ብስለት ህዝብታትን ዝፍትን" ከም ኣብነት ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብኲናት ዝቖሰለት ዓለም

ካብ ብኲናት ዝተሃስዩ ዞባታት ዝመጹ ካርዲናላት፡ ግጭት ብኸመይ ብቐጥታን ብዘሕምምን መንገዲ ንተመኩሮ ጉስነቶም ከም ዝቐረጸ ከካፍሉ ክዕደሙ እንከለዉ፡ እቶም ካልኦት ድማ ንዕርቅን ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወትን ዘዳኽሙ “ልሳናት፡ ስነ - መጐታትን ኣሰራርሓታትን” ዳግማይ ምብርባሮም ከስተንትኑ ክሕተቱ እዮም። እቲ ምይይጥ ብተወሳኺ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ከመይ ጌራ “ንዝኾነ ውግእ ንምምኽናይ ብዙሕ ግዜ ዝጽዋዕ ህልዮ ‘ቅኑዕ ውግእ’ ምብዳህ” ዳግማይ ከም ዝከኣል ከተረጋግጽ ከም እትኽእልን፡ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ሕጡበ - ጽሑፍ 192 ናይቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝጸሓፍዎን፡ ህዝብታትን ክርስትያናዊ ማሕበረሰባትን ሰላም ንኽዕቅቡን ንምህናጽን ግብራዊ መንገድታት ንኸለልዩ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ዝምልከት ምዃኑ ካርዲናል ሬ ኣነጺሮም፡ ሳልሳይ ክፍሊ “ሰናይነት ምህናጽ” ዝብል ቅዉም ነገር ክሕዝ እዩ፣ እዚ ኣረኣእያ እዚ ንመእተውን መደምደምታን ዓዋዲ መልእኽቲ ‘ግሩም ሰብኣውነት’ ተሳተፍቲ ነቲ ናይ ሕጂ ዘመን ለውጢ ብመንጽር ወንጌል ንምትርጓምን ንደቂ ሰባት ንሓጐስን ምልኣትን ዝገብሮ ምድላይ ናብ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ንምምራሕን ዘቕረቦ ጻውዒት ክድህስሱ ምዃኖም ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣተገባብራ ሲኖዶስ

ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ንካርዲናላት ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ወይ ድማ ኣተገባብራ ሲኖዶስ እዋናዊ ሓበሬታ ክህብ ኢዩ። ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ሰነድ ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ኣኼባታት ሲኖዶስ 2027–2028 ደረጃታት መዐቀኒታት ከምኡውን መጋበርያታት ምድላው ክግበር ኢዩ። እቲ ካልኣይ ክፋል ኣብ መንጎ ካርዲናላትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንዝግበር ክፉት ዘተ እተወፈየ ክኸውን ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ተጋባኢ ካርዲናል ከኣ ኣብ ሰለስተ ደቒቕ ጥራይ እተሓጽረ ርእይቶ ወይ ሓሳብ ናይ ምሃብ ዕድል ክህልዎ እዩ - ቢሎም - ብተወሳኺ እቲ ካብ ዕለት 26 - 27 ሰነ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ከምኡውን ኣብ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ክካየድ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ዕለት 29 ሰነ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኪዛዘም እዩ፣ ኣብኡ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኪመርሑን ንሓደስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ባሪኾም መንጠሊና ክህቡ እዮም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

05 Jun 2026, 14:59