ካርዲናል ዩ ሄንግ- ሲክ : ሓውሲ ደሴት ኮርያ ንሰላም ተስፋ ክትቆርጽ ፈጺማ ኣይትኽእልን እያ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ካህናት ጉዳይን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ላዛሩስ ዩ ሄንግ - ሲክ፡ ዕለት 14 ሰነ ስግር መዳድቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ኣብ መንጎ ደቡብን ሰሜን ኮርያን ሰላምን ዕርቅን ክህሉ ከም ዝጸለዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓበረ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ሊ ዣየ ምዩንግ ዕለት 15 ሰነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ከም ዘካየደን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 እውን ከም እተራኸበ ኣፍሊጡ።
ካርዲናል ላዛሩስ ዩ ሄዩንግ - ሲክ፡ ኣብ ስብከቶም፡ ኮርያ ንዓለም "ዘተ ካብ ግጭት ዕርቂ ካብ ጽልኢ፡ ምትእምማን ከኣ ካብ ፍርሂ ከም ዚብርትዕ ክትምስክር ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ "ሓውሲ ደሴት ኮርያ ሕጂ’ውን ናይ ምግምማዕ ቍስሊ ትጻወር ኣላ - ኣሕዋትን ኣሓትን ክሳዕ ሕጂ ተፈላልዮም ኣለዉ። ካብዚ ዚዓቢ መከራ እንታይ እዩ? ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ካብ ሰላም ክንርሕቕ ኣይንኽእልን ኢና፡ ሰላም ንምህናጽ ብሓባርን ብዅሉ ሓይልናን ገዛእ ርእስና ኣብ ምውፋይ ሓላፍነት ደው ንበል!”
ርህራሄ "ንዓመጻን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ከኣ ንዘሎ ዘይተገዳስነት ክትክእ ኣለዎ። ምስቲ ዘተ ዘይከኣል ኮይኑ ዝስምዓና ሰብ ከይተረፈ ክንሰምዖን ፈቓደይና ንምዃን መገዲ ሰላም ዝኸፍት እዩ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ተመሪሓ - ክብረት ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ንምሕላውን ሰላም ዝመልኣ ዓለም ንምህናጽን ተልእኾኣ ንምፍጻም ደኺመ ከይበለት ትዓዪ ኣላ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓቀይና ሰላም ካብ ቅንዕናን ግሉጽነትን ዘተ እዩ ዝውለድ
ሓቀይና ሰላም ይብሉ ካርዲናል ዩ ሄዩንግ - ሲክ፡ ግርጭት ዘይምህላው ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ጭቡጥ ቃል ኪዳን - ተወፋይነት ዝውለድ እዩ፡ ማለት ቅኑዕን ክፉትን ዘተ፡ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ሰብ ምኽባር፡ ከምኡ’ውን ኩነታት ናይቲ ካልእ ንምርዳእ ዝግበር ጻዕሪ እዩ። ቋንቋ ፖለቲካን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ክፈላለይ ይኽእል እዩ፣ ህይወት ምሕላው፣ ንሰብኣውነት ሰብ ንምግልጋልን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምድላይን ዘሎ ድሌት ግና ኩሉ ግዜ ብመንፈስ ወንጌል ክራኸብ ይኽእል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ፍራንቸስኮን ርህራሄ ንግዳያት
ካርዲናል ዩ ሄዩንግ - ሲክ ኣስዒቦም ናይ ሎሚ ዓለም “ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ናይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ርህራሄ ዘድልያ” ምዃና ደጋጊሞም ብምቅላሕ፡ ኰይኑ ግና፡ ርህራሄ ኣብ ዚርከበሉ ቦታ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይምግዳስን ርእሰ ፍትወትን ንረክብ፡ ዓመጽን ሓይልን እውን ከይተረፈ ንርህራሄ ንምትካእ ይቐላቐሉ እዮም፡ ኣብ ማእከል እዚ ክውንነት እዚ ጐይታ ነቶም ግዳያት ዓመጽ ዝኾኑ ርህራሄ ዝመልኦ ልቢ ክህልወና ይጽውዓና - ቢሎም - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2014 ናብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ምስ ስድራቤት ግዳያት ጃልባ ከም ዝዘከሩን ብዓሚቝ ስቕታ፡ ብጸሎት፡ ብፍቕሪ ዝመልአ ኣጠማምታ ድማ ንቃንዛኦም ተቐቢሎም፡ ናቶም እውን ገይሮም እዮም። ቤተ ክርስቲያን ምስ ድኻታትን ምስ ዝሳቐዩን ብሓባር እትመላለስ ቤተ ክርስቲያን ክትከውን ከም ዘለዋ ብጭቡጥ ኣርእዮም እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጎኒ እቶም ዝቖሰሉ ደው ትብል
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ኣብ ድቡብ ኮርያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ናብ ሮማ ኣብ ዝተመለሱላ ነፋር፡ እቲ ዝገበርዎ ናይ ምጽንናዕ ምልክት ብፖለቲካዊ መንገዲ ክትርጎም ይኽእል ድዩ ንዝብል ዘሰንይዎም ካብ ዝነበሩ ጋዜጠይናታት ዝቐረበሎም ሕቶ ብምዝካር፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣብ ቅድሚ ሰብኣዊ መከራ፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ገለልተይና ክኸውን ኣይክእልን እዩ” ብምባል ንጹር መልሲ ከም ዝሃብን፡ እተን ቃላት “ንሕብረተሰብ ኮርያ ዓሚቝ ምጽንናዕን ትብዓትን ኣምጺአን እየን፡ መንገዲ ወንጌልን ቤተ ክርስቲያን እትነብረሉ ኣገባብ ርህራሄን ኣብ ጎኒ እቶም ዝቖሰሉ ደው ምባል እምበር፡ ምፍልላይ ምፍጣር ከምዘይኮነ” ጭቡጥ ምስክርነትን መዘኻኸርን ክይኖም ኣገልጊሎም እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።