ካርዲናል ኩቫካድ ኣብ ኣዘርባጃን፡ ምሕዳስ ዘተ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ባህልታትን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣዘርባጃን ዝብል ናይታ ሃገር ስም "ምድረ እሳት" ዝብል ትርጒም ዘለዎ ንህዝቢ እታ ሃገር ዝውክልን ከምኡ እውን ባኮ ዝብል ስም ናይታ ሃገር ርእሲ ከተማ ድማ “ንፋስ” ዝብል ትርጒም ዘለዎ ኮይኑ፡ እዞም ክልተ ምልክታት ብቕደም ተኸተል ንፍቕርን ስኒትን ዝውክሉ ኮይኖም፡ እዚ እውን ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኣዘርባጃንን ዘሎ ርክብ ዝገልጽን ሕመረት ናይቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ጆርጅ ጀኮብ ኮቫካድ ካብ ዕለት 15 – 19 ሰነ ኣብ ኣዘርባጃን ናይ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መንጎ ኣዘርባጃንን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ርክብ
ዕለት 18 ሰነ ካርዲናል ኮቫካድ ኣብ ርእሲ ከተማ ባኩ ኣብ ቤት ሸኽ ኡል - እስልምና ካውካሰስ ኣላህሹኩር ኣብ ዝተገበረሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ንቅድስቲ መንበርን ንማሕበረሰባት ሃይማኖት ኣዘርባጃንን ዝጥርንፍ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምሕዝነት ዝምስክር ምዃኑ ኣብቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብምምልካት፡ ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡን ኣብቲ ኣብ ኣዘርባጃን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ሊቀ ጳጳሳ ቭላድሚር ፈከተ፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ኣዘርባጃን ልኡከ መንግስቲ ኢልጋር ሙክታሮቭን ወከልቲ ናይቲ ከባቢ ክርስትያንን ኣይሁዳውያን ማሕበረሰባትን ኣብ ዝተረኽብሉ ርክብ፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ኣብ 2002 ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ኣብ 2016 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ናብታ ሃገር ዝገበርዎ ምብጻሕ ዘኪሮም፡ ምስ ሓያሎ ኣኼባታትን ተበግሶታትን ተደሚሩ ኣብ መንጎ ሃገረ ቫቲካንን ኣዘርባጃንን ዘሎ ርክብ ዘደልደለ ምዃኑ የስተብህሉ።
ክርስትያንን ኣስላምን ብሓባር
በቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዘይክርስቲያን ሃይማኖታት ዘለዋ ርክብ ዚገልጽ ኣዋጅ Nostra aetate - ዘለናዮ ዘመን ተደሪኹ "ክርስትያን እስላምን ነቲ ሓደ ኣምላኽ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ከም እነምልኾ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም ብሓባር ኪመላለሱ ኸም ዝጸዓሩ" ካርዲናል ኮቫካድ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣመልኪቶም፡ በዚ ኣረኣእያ እዚ እቲ ኣብ 2011 እተኸተመ ክልቲኡ ስምምዕ ከምኡውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተኸተመ ናብ ዝዓሞቐ ምርድዳእን ምትእምማንን ምትሕብባርን ዝወስድ መንገዲ እዩ" ዝብል ናይ ሓባር እምነት ይምስክሩ” እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንመጻኢ ዘቕንዐ ተወፋይነት
እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተሃንጸ ግን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ "ስልጣነ ፍቕሪ" ንምስዓብ ዘነቓቕሕ ክኸውን ኣለዎ። በዚ መንፈስ እዚ ካርዲናል ኮቫካድ ኣብ መደረኦም ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ጻውዒት ኣብቲ ሰነድ ተደጋጊሙ እተጠቕሰ ሓሙሽተ ኣገደስቲ መብጽዓታት - ጽልእን ምክፍፋልን ዝዘርእ ኣጽዋር ልሳን ምውጋድ፤ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክብረት ብምሕላው ብፍትሒ ሰላም ምህናጽ፣ ንኣረኣእያ እቶም ግዳያት ምቕባልን ኣውያት እቶም ዝሳቐዩ ጽን ምባልን፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ባህልታትን ህዝብታትን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንምሕዳስ፤ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ብዝሓ ጎናዊ ምትሕብባርን ንምድልዳል ክሰዓብ ዘለዎ ኢዩ። እዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ "ክቡር ትምኒት" ጥራይ ዘይኰነስ "ህጹጽ ሓላፍነታት" እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ክሌኣዊ ርክብ ምስ ርእሰ ብሔር ዓሊየቭ
ዕለት 16 ሰነ ካርዲናል ኮቫካድ ምስ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ኣዘርባጃን ኢልሃም ዓሊየቭ እውን ከም አራኸቡን ኣብ’ቲ ክሌኣዊ ርክብ ብመሰረት መግለጺ ኣዘርታግ እተሰምየ ናይ መንግስቲ ማዕከን ዜና፡ ካርዲናል ኮቫካድ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ዘመሓላለፉሎም ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ተራ ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ህንጸት ካልኣይ ቤተ ክርስቲያንን ኣጒሊሖም፡ ሰላምን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ኣብ ምድንፋዕ ተጻዋርነትን ብዙሕነት ባህልን ዘለዎ ኣገዳስነት ብምጕላሕ፡ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃይዳር ኣሊየቭ ትካልን (ብስም ኣቦ ሕጂ ዘሎ ርእሰ ብሔር እተሰምየ) ዘሎ ምትሕብባር እውን ከም እተመያየጡን ባህላዊ ውርሻ ንምዕቃብን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ኣብ ምትብባዕን ዘለዎ ኣበርክቶ እውን ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።