ድለ

'ቅርዓት ዘተ' ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ

‘ቅርዓት ዘተ’ ብዝብል መጸውዕ ሓድሽ ኣህጉራዊ መድረኽ ዘተ ብዛዕባ ክንክን ናይ ሓባር ቤትና ኣብ ከተማ ክሳተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ህንጻ ኣብ ዘሎ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዕለት 17 ሰነ ከም እተበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 17 - 19 ሰነ 2026፡ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዘሎ ቍሸት ስቡህ ኣንተ - Laudato Sì village' ፈላሚ ሕታም ዘተ ቅርዓት ስቡሕ ኣንተ ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ብዛዕባ ክንክን ናይ ሓባር ቤትና ዝመክር ናይ ዘተ መድርኽ ከም እተኣንገደ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ መደብ ምስ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡሕ ኣንተ፡ መንበርተ ጥበብ ኖትረዳም፡ ደሎይት ስዊዘርላንድን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ቅርዓት ዘተ ኣብ ውሁድ ምህዳር፡ ከባብያዊ ዘላቕነትን ዓዋዲ ቁጠባን ንምቛም ዝተወፈየ ማእከል ኮይኑ፡ ኣብታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝለገስዋ ስቡሕ ኣንተ -  Laudato si’  ኣብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ንዘንበርዎ መትከላት ብጭቡጥን ብዘላቒ ተወፋይነትን ንምትርጓም ዝተመስረተ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብዚ መንጽር’ዚ፡ ቅርዓት ዘተ፡ ካብ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ስነ ፍልጠትን ባህልን በርገሳውያን ማሕበራትን ቤተ ክርስቲያንን ዘምጹ መራሕቲ ትካላትን ወከልትን ዘራኽብን ኣብ ዓበይቲ ብድሆታት ዘመንና ዘዛትይን ምዃኑ ብምምልካት፡ እዚ ተበግሶ እዚ ኣብ መንጎ እቶም እተፈላለየ ተመክሮታትን ኣረኣእያታትን ዘለዎም ሰባት ዝዝትይሉ ቀጻሊ መድረኽ ኰይኑ ክእለትን ተምክሮን ምልውዋጥን ንሓባራዊ ብድሆታት ሓባራዊ ምላሽ ንምምዕባልን ተባሂሉ ዝቖመ ምዃኑ ይሕብር።

ኣብ ትብዓት መሪሕነት እተመስረተ ከምኡውን ብስቡሕ ኣንተ ዓዋዲ መልእኽቲ እተደረኸ ማሕበረሰብኣዊ ተመክሮ ንምህናጽ ተባሂሉ እተዳለወ እዩ፣ መራሕቲ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ኣብ ወሳኒ ህሞት ንዓለምለኻዊ ብድሆታት ንምፍታሕ ከምኡውን ኣብ መንጎ ናይ እምነት ትካላት፣ ናይ ስነ ፍልጠት ተቝዋማት፣ በርገሳዊ ሕብረተሰብን ናይ ብሕቲ ትካላትን ትርጕም ዘለዎ ስጕምቲ ንኸለልዩ እዩ።

17 Jun 2026, 15:36