ቅድስቲ መንበርን ኢጣልያን ዝኸተመኦ ስምምዕ ተሓዳሲ ጸዓት ኣብ ግብሪ ይውዕል ቅድስቲ መንበርን ኢጣልያን ዝኸተመኦ ስምምዕ ተሓዳሲ ጸዓት ኣብ ግብሪ ይውዕል  (@Vatican Media)

ቅድስቲ መንበርን ኢጣልያን ዝኸተመኦ ስምምዕ ተሓዳሲ ጸዓት ኣብ ግብሪ ይውዕል

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2025 ፈለማ ዝተኸተመ ስምምዕ ቅድስቲ መንበርን ኢጣልያን ኣብ ከባቢ ሳንታ ማርያ ዲ ጋለርያ ቫቲካን ንምህርቲ ጸዓት ጸሓይን ሕርሻን ኣብ ሓደ መሬት ዘጣመረ ሓድሽ ስርዓት (ኣግሪቮልቴክ) ምህናጽ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከም ዝጀመረን እቲ ውጥን ንሃገረ ቫቲካን ተሓዳሲ ጸዓት ንምቕራብ ዝዓለመ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓሙስ ዕለት 28 ግንቦት ዝወጸ መግለጺ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኢጣልያን ቅድስቲ መንበርን ኣብ ወጻኢ ሮማ ኣብ ዝርከብ ግዳማዊ ግዝኣት ቫቲካን ሳንታ ማሪያ ዲ ጋለሪያ ንምህርቲ ጸዓት ጸሓይን ሕርሻን ኣብ ሓደ መሬት ዘጣመረ ሓድሽ ስርዓት (ኣግሪቮልቴክ) ንምህናጽ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከም ዝኣተወ ኣፍሊጡ፡

እዚ ተበግሶ እዚ ሕርሻዊ ኣጠቓቕማ እቲ መሬት እናዓቀበ ንሃገረ ቫቲካን ተሓዳሲ ጸዓት ንምሃብ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣብቲ ካብ ከተማ ሮማ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ግዳማዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝኾነ ካብ 1957 ዓ.ም. ጀመሩ ናይ ቫቲካን ረዲዮ መተሓላለፊ ትካላት ዘአንገደ ማሪያ ዲ ጋለርያ ብዝብል መጸውዕ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ክትግበር ዝፍልጥ ቦታ ይትግበር ምህላዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እቲ ውጥን ዘነቓቕሖ ነገር ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ስቡሕ ኣንተ - Laudato si’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ናይ ሓበር ቤትና ኣብ ምክንኻን ዘሎና ሓላፍነት እተነጽር ዓዋዲ መልእኽቲ እተመስረተ ከም ዝኾነን ብፍላይ ከኣ ኣብዛ ገና "ጽሩይን ምሕዳስ ጸዓትን ዝተሓተ ተኽእሎ ዘለዋ" ዓለም "እኹል እደ ጥበባዊ ናይ ጸዓት መኽዘን ምምዕባል ኣድላዪ እዩ ካብ ዝብል ትዕዝብቲ እውን ዝነቐለ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መድረኻት ናይቲ ውጥን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ባዕሎም ዕለት26 ሰነ 2024 ንሰብ መዚ ምምሕዳር ውርሻ ሃዋርያዊ መንበር (APSA) ነቲ ስርዓት ንምህናጽ ኣድላዪ ስጕምትታት ኪፍጽሙ መምርሒ ብምሃብ ነቲ ተበግሶ ብዘለዎም ፍልዩ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን ድማ ሓውና ጸሓይ - Fratello Sole ብዝብል ኣርእስቲ ብዝደንገግዎ ውሳኔ መሰረት ኣብ ግብሪ ክውዕል ከም ዝኣዘዙ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ዕለት 31 ሓምለ 2025 ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ኢጣልያ ልኡከ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ኢጣሊያ ፍራንቸስኮ ዲ ኒቶን ኣብ ቅድስቲ መንበርዋና  ጸሓፊ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገርን ነቲ ስምምዕ ከም ዝኸተምዎን እዚ ዝተኸተመ ስምምዕ እዚ

ካብ ዕለት 27 ግንቦት "ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ 5 ናይቲ ስምምዕ ኣተገባብራ" ብወግዒ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የረጋግጽ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ እቲ ውጥን ንዓለም ኣብነት እዩ

ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ዕለት 19 ሰነ 2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ወጻኢ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ግዳማዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ማሪያ ዲ ጋለሪያ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ንምህርቲ ጸዓት ጸሓይን ሕርሻን ኣብ ሓደ መሬት ዘጣመረ ሓድሽ ስርዓት (ኣግሪቮልቴክ) መተግበሪ ተባሂሉ እተዳለወ ቦታ ብቐረባ ክምልከቱ ኣጋጣሚ እውን ከም ዝኾኖም፡ እዚ ቦታ እዚ "ዘደንቕ ኣጋጣሚ" ከምኡውን ንጹር “ተወፋይነት ቤተ-ክርስትያን ንዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብነት" ምዃኑ እውን ከም ዘጒልሑን ድሕሪኡ ብዛዕባ ሳዕቤን ለውጢ ከባቢ ኣየር ኵላትና ከም እንፈልጦ ከምኡውን "ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብንጹር ዝመሃሩዎ" ንመላእ ዓለምን ንዅሉ ፍጥረትን ክንከናኸን ከም ዘሎና ዘጒልሕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።።

“እቲ ዝዓበየ ክብሪ ንመሬት”

ብብልሓታውን መዋቕራውን ኣረኣእያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ ክታም ኣብ ናይ ምንባር ስነ - ስርዓት ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ናይ ምሕዳስ ጸዓት "ብመሰረት ህሉው ኵነታት ስነ ፍልጠትን እደ ጥበብን ንመሬት ዝለዓለ ኣኽብሮት ዘረጋግጽን ንሕርሻ ኣጠቓቕማ ሓመድ ንምዕቃብ ሸቶታት ብዝበለጸ ዝሰማማዕን መፍትሒታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን እንከመላኽት ስነ ምድራዊ ዑደት ማይ ናይቲ ኸባቢ ምዕቃብ ብእተኻእለ መጠን ንኣከባብያዊ ጽልዋታት ምንካይ ከምኡውን ባህላውን ስነ-ጥንታውን መልክኣ ምድርን ውርሻታት ንምዕቃብ ውሕስነት ንምሃብ" ዘብቅዕ ምዃኑ የብርህ።

Photogallery

ቅድስቲ መንበርን ኢጣልያን ዝኸተመኦ ስምምዕ ተሓዳሲ ጸዓት ኣብ ግብሪ ይውዕል
29 May 2026, 16:14