ጳጳሳዊ ትካል ምትሕግጋዝ፣ ንድኻታት ረድኤትን ደገፍን ንምርግጋጽ ናብ ሮማ ምብጻሕ ኣካይዱ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዚ ጳጳሳዊ ትካል ምትሕግጋዝ ካብ ዕለት 29 ሚያዝያ ክሳዕ ዕለት 2 ግንቦት ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዘካየዶ ዘሎ ዑደት፣ ኣብ ቅዳሴታትን ኣኼባታትን ብምስታፍ ምስ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር እተተሓሓዘ ቐንዲ ቦታታትን ንምብጻሕ ዜጠቓልል፣ ሃብታም መንፈሳውን ኣገዳስን መደባት የካየድ ኣሎ።
ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይዚ ዘካየዶ ዘሎ ዑደት፣ ኣብ ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት ብብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጄምስ ቸቺዮ ብዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ መደባቱ ፈሊሙ። ብፁዕነቶም ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ክርስትያን ምእመናን ሓዋርያት እቲ ዝተንስአ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪዀኑ ኸም እተጸውዑ ኣስተንተኑ።
ኣብ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ረድዮ ቫቲካንን ዜና ቫቲካን ዑደት ብምክያድ ከምኡውን ምስ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዶር ፓውሎ ሩፊኒን፣ ምስ ዋን ኣሰናዳእን ዳይረክተርን ዜና ቫቲካን ኣንድርያ ቶርኒየሊን፣ ዳይረክተር ቤትጽሕፈት ስነ-መለኮታዊ ጉስነት ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝኾነት ናታሻ ጎቬካርን፣ ምስ ምክትል ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኒና ክራፒችን ተራኺቦም።
ኣብቲ ርክቦም ሓደ ኻብቲ እተመያየጥናሉ ድማ ንተበግሶታት ሓድሽ ናይ ዜና ቫቲካን ጥብቆ ምጅማሩ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እዩ ዝንበረ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብ መልኽቶም ዝጸሓፉዎ እዚ ጥብቆ እዚ ናይ ዜና ቫቲካን "ናይ ስብከት ወንጌል መሳርሒ እዩ፣ መርበብ ንምፍጣርን ህያባት ንምልውዋጥን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኣሎ" ንዝበልዎ ድማ ተዛትዮምሉ።
ኣብ መንጎ እዚ ድማ ካልኦት ዘካየድዎ ንጥፈታት ምስ ኣመሓደርቲ ውርሻታት ቅዱስ ጴጥሮስ ምርኻብን፣ ናብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቅድስቲ መንበር ምብጻሕን ኢዩ ዝንበረ።
ተልእኾ ናይዚ ጳጳሳትዊ ትካል ቅድስቲ መንበር
ኣብ ሮማ ኣብ እተገብረሎም ጽቡቕ ኣቀባብላ ድማ ንተልእኾ እዚ ጳጳሳዊ ትካል ምትሕግጋዝ ኣቅረቡ ። እዚ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ግብረ ሰናይ፣ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መስርሕ ምዕባሌ ንዝርከባ ሃገራት ዝገብሮ ተበግሶታት ዝድግፍ እዩ።
"ተልእኾ ናይ ጳጳሳዊ ትካል ምትሕግጋዝ፣ ንቅዱስ ኣቦናን ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ምግልጋል እዩ። ንድኻታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፍቕሪ ክርስቶስ ንምክፋል፣ እምነትናን ጕልበትናን ገንዘባዊ ጥሪትናን ድማ ነወፊ ኣሎና" ክብል ኣቦ መንበር ናዚ ጳጳሳዊ ትካል ምትሕግጋዝ ዝኾነ ዋርድ ፊትዠራልድ ኣጕሉሑ።
ጭቡጥ ሓገዝ
ምክትል ኣቦ መንበር እዚ ትካል ቲም ሪስቶፍ ብገኑ ከም ዝገለጾ፣ ስፍሓት ደገፍ እዚ ትካል እዚ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ዓብዪ ኣገልግሎት ይገብር ምህላው ኣመልኪቱ።
"ካብ 1997 ንነጀው 855 ሓፈሻዊ ረድኤት ብምክያድ፣ ብድምር 63 ሚልዮን ዶላር ኣውፍዪ፣ ካብ 2011 ንነጀው ከኣ 4.9 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ 69 ሰብኣዊ ረድኤት ኣውፍዪ" ክብል ገሊጹ። ብተወሳኺውን 2,700 ተመሃሮ በቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ፓውሎስ ዳግማዊ ማሕደረ ትምህርት ደገፍ ከም ዝገበረ እውን ኣመልኪቱ።
ኣቦ መንበር ቦርድ ኣመሓደርቲ እቲ ትካል ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ቲሞቲ ዶላን ንጥፈታት እዚ ትካል ንኽፍሊ ተልእኾ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ምዃኑን፣ ነቶም ዝያዳ እተሸገሩ ሰባት ጭቡጥ ሓገዝ ከም ዝህብን ኣጕልሑ።
እዚ ደገፍ እዚ ዳግመ ህንጸት ኣብያተ-ክርስትያንን፡ ንኣብያተ ትምህርትንን፡ መዕበዪ ዘኽታማትን፡ ማእከላት ክንክን ጥዕናን ከምኡውን ንቘልዑን ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ሰባትን ንምሕጋዝ ዝግበር ተበግሶታት ዘጠቓልል ኢዩ።
እዚ ጳጳሳዊ ትካል ኣብ ልዕሊ 130 ሃገራት ይዓዪ ኣሎ፣ ካብ 1988 ንነጀው ድማ ልዕሊ 270 ሚልዮን ዶላር ብምውፋይ ናይ ረድኤትን ትምህርታውን፣ ናይ ግብረ-ሰናይ ውጥናትን ኣይዱ ይርከብ። ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ንዘለዉ ቘልዑን ህጻናትን፣ ከምኡ ውን ነቶም ኣዝዮም ንሓደጋ እተቓልዑ ሰባትን ድማ ፍሉይ ሓልዮት ዘርኢ ትካል ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ኢዩ።
ዕቤትን ምትሕብባርን
ኣብዘን ዝሓለፋ 18 ኣዋርሕ 27 ሓደስቲ ለገስቲ ስድራ ቤታት ናብዚ ትካል እዚ ተጸምቢሮም ይርከቡ፣ እዚ ድማ እቲ ውድብ ዳርጋ ፍርቂ ናይቲ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ሸቶኡ ንኽወቅዕ ኣኽኢልዎ ይርከብ ኣሎ።
እዚ ናብ ሃገረ ቫቲካን ዝግብሮ ዘሎ ምብጻሕ፣ ምስ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ርክብ ንምድልዳል ኣገዳሲ ህሞት ኢዩ፣ እዚ ጳጳሳዊ ትካል ነቶም ዝያዳ እተጐድኡ ወገናት ንምግልጋል ዘለዎ ቘራጽነት ድማ የረጋግጽ።