2026.05.02 ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ሊቀ ጳጳሳት ኣርካሪ ዓሪፎም 2026.05.02 ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ሊቀ ጳጳሳት ኣርካሪ ዓሪፎም  (© diocesi di Brescia)

ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ሊቀ ጳጳሳት ኣርካሪ ዓሪፎም

ስነ - ስርዓት ቀብሪ እቶም ዕለት 1 ግንቦት ኣብ ጋቫርዶ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ እንኮላይ ኣብ ሆንዱራስን ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮን ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉ ሊቀ ጳጳሳት ኣርካሪ ዕለት 4 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ካቴድራል ብሬሽያ ክፍጸም እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 8 ግንቦት ሊቀ ጳጳሳት ኣንቶንዮ ኣርካሪ 73 ዓመት ዕድመኦም ክኽብሩ ዝነበሮም ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 1 ግንቦት፡ ኣብ ከባቢ ብሬሻ ኣብ እትርከብ ከተማ ጋቫርዶ ኣብ ዘሎ ቤት ሕክምና ክንክን ክግበረሎም ድሕሪ ምጽናሕ ከም ዝዓረፉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሊቀ ጳጳሳት ኣርካሪ ዕለት 11 ሰነ 1977 ኣብ ብሬሽያ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ፡ ኣብ ከተማ ቦርጎሳቶሎ ናይ ጉስነት ኣገልግሎቶም ዝጀመሩ ኮይኖም ድሕሪ ዕረፍቶም ድማ ኣብታ ከተማ መዓልቲ ሓዘን ከም እተኣወጀ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ኣርካሪ ኣብ 1978 ዓ.ም ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ትምህርቶም ዛዚሞም ዕለት 1 ግንቦት 1982 ዓ.ም ድማ ናብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር ኣትዮም ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓብሊክ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ቦሊቭያ፣ ኣየርላንድ፣ ክሮኤሽያ፣ ኣልባንያን ፔሩን ኣብ ዝነበሩ ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ውክልናታት ቅድስቲ መንበር ኣገልጊሎም። ኣብ 2003 ኣብ ሆንዱራስ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናይ ሴሲሪ ስዩም ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም፣ ኣብ 2008 ኣብ ሞዛምቢክ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ደሓር ድማ ካብ 2008 - 2014 ኣብ ኮስታ ሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ፡ ስዒቡ ድማ እዚ ሓላፍነት እዚ ድማ ኣብ ክፍሊ ዝምድናታት ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበ ደሓር እውን ካብ ዕለት 25 ግንቦት 2019 - ዕለት 16 ግንቦት 2023 ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ሰበኻ ብረሺያ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ነፍሰ ሄር ሊቀ ጳጳሳት ኣርካሪ "ናይ ተግባር ሰብ” ኣብ ብሬሺያ ተልእኾ ወንጌል ዝፈጸሙ ናይ ወለንተይናታት ውጥናት ምምዕባልን ሓገዝን ውፉይ ከም ዝነበሩ ብምዝካር፡ ሰማዒ፡ ንወለዶታት ወንጌል ምስ ህይወት ብኸመይ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ዝሃነጹ፡ ናይ ጸሎት ሰብ፡ ኣብ ስብከታቶም ወትሩ መልእኽቲ ቃል ብስራት ንምትሕልላፍ ቅኑዕ መገድታት ዝመስከሩ ምንባሮም ሓቢሩ።

04 May 2026, 16:01